2012-04-24 14:42:00

ብፁዕ ካርዲናል ቨሊዮ፦ “በጻሕትን መስሕብ በጻሕትን ንዕዳጋን ንምዝመዛ ሕዝብን ዘይኣመተ ክኸውን እንከሎ ሃብትን ዘህብትምን ባህሊ ይኸውን”


“ፍሉይ መለለዪ በጻሕትን መስሕቦ በጻሕትን” ብዝብል ኣርእቲ ተመሪሑ ኣብ መክሲኮ ከተማ ካንኩን ዝካየድ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ሻብዓይ ጉባኤ በጻሕትን መስሕብ በጻሕትን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣመልኪቶም ነቲ ጉባኤ ምስ ናይ መክሲኮ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብምትሕብባር ናይ ዘዳለዎ ናይ ስደተይናታትን RealAudioMP3 ገያሾን ሓዋርያዊ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኣንቶኒዮ ማሪያ ቨሊዮ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገብርዎ ቃለ ምልልስ፣ ዓለም ሓቆፍ ናይ በጻሕትን መስሕብ በጻሕትን ሓልዮ ማኅበር፣ ዋሕዚ በጻሕቲ ኣብ 2011 ዓ.ም. ብ4.4% ክብ ቢሉ ብጠቕላላ ድምር ብዝሒ በጻሕቲ ኣብ መላእ ዓለም 980 ሚሊዮን ከምዝነበረን፣ እቲ ኣብ ዓለም ዝርኤን ናይ ሕዝቢ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምንቕስቓሳት ርኢኻ ነዚ ናይ በጻሕትን መስሕብ በጻሕትን ዝኣመተ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ንምርዳእ ዘጸግም ኣይኮነን፣ ምእንቲ’ዚ ንናይ ኣስፍሆተ ወንጌልን ዳግማይ ኣስፍሆተ ወንጌልን ተልእኾ ዕድል ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ገሊጾምዎ እዮም። ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሐንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝበልዎ፣ በጻሕትን መስሕብ በጻሕትን ባህልታትን ሃይማኖታትን ዘዛትን ዘቀራርብን ዘላልን እዩ። ምእንቲ’ዚ እዚ ናይ በጻሕትን መስሕብ በጻሕትን ባህሊ ማዕረ ሰብኣውነት ክበርኽን ሰብኣውነት ዝዓሰሎ ክኸውን መታን ቤተ ክርስትያን ብፍሉይ ነዚ መዳብ ዘተኮረ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ትሕንጽጽ፣ መስሕብ በጻሕቲ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ሃብትን ብልሓት ኤኮኖምን ካብ ድኽነት ዘላቕቕን ክኸውን እንከሎ፣ ከምኡ እውን ንጾታዊ (ግብረ ስጋ) ርክባት ዝኣመተ መስሕብ በጻሕቲ ኮይኑ ብዙሓት ዜጋታት ንሓደጋ ኣቃሊዑ ይርከብ ቢሎም፣ እቲ መሠረታዊ ክብሪ ወዲ ሰብ ዝሓክኽ ኢግብረ ገባዊ ተግባር ንምውጋእ ዝብል ማሕበራዊ ተረእዮታት በጻሕትን መስሕብ በጻሕትን ዘርዚሩ ዝትንትንን ብሓፈሻኡ መስሕብ በጻሕቲ ብሓቂ ሰብኣዊ ክውንነትን ሰብኣውነት ዘስፍሕ ክኸውን ቤተ ክስትያና እተቕርቦ ደገፍ ዝምስክርን፣ እዚ እማረ ብዝተፈላለየ ኣገላልጻ ዘቃልሑ ኣስተምህሮታት ዝቐርበሉ ምዃኑ ገሊጾም።
መስሕብን መስሕቦ በጻሕትን ምሉእነት ሰብ ዝምልከት ክኸውን ኣለዎ። ንኣካል ዕረፍትን ንነፍሲ መንፈሳዊ መግቢን ናይ ኣስተንትኖን ጽሞናን ግዜ ዘጠቓልል ክኸውን ኣለዎ፣ እዚ ምስ ዝኸውን ጥራሕ እዩ ብሓቂ ባህሊ ብጻሕትን መስሕቦ በጻሕትን ግዜ ዕረፍቲ ዝኾውን፣ ቤተ ክርስትያን ናብ ሓቀይና ማሕበራውነት ዘቅንዔ ከይዲ መስሕብ በጻሕቲ ብምትብባዕ ኣንፈት ክሕዝ ከምዝገበረትን እቲ ድሮ ብደረጃ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ኣብ መላእ ሃገራት ኣብ እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዘሎ ናይ ስደተይናንታትን ገያሾን ሓልዮ ድርገት መሠረት ናይ ኩለን ሃገራት ህልው ኩነታትን ፍሉይነት ባህልን ግምት ብምሃብ ናይ በጻሕትን መስሕቦ በጻሕትን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ከምዝቐርብን፣ እዚ መደብ’ዚ ንምስፋሕ ወንጌልን ብዝኣመተ ኣገልግሎት ብቕዓቱ ምሕያል ከምዘድልን በጻሕትን ኣእንገድትን ኣብዚ መዳይ ተዋሳእቲ ናብ ምዃኖም ዘዕብይ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።
ኣብዚ እዋን’ዚ ዴሞክራሲያውነት መስሕብን መስሕቦ በጻሕትን ይሰፍሕ ኣሎ። ቅድም እቶም ዝሃብተሙ ክፍሊ ኅብረተሰብ ዝፍጽምዎ ዕድል ኮይኑ እዩ ዝሕሰብ ዝነበረ ኣብዚ እዋን’ዚ ግን ኩሉ ኣብዚ ባህሊ በቢ ዓቕሙ ክሳተፍ ትርእዮ። ጽባቔ ምድናቕ ናይ ኵሉ መሰል እዩ። እቲ ዕለት 10 ታሕሳስ 1948 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውሳኔ ካብ ዘመልክቶም ምሰሰላት ሓደ “ናይ ዕረፍቲ ግዜን ናይ ናጻ ጊዜ ረባሒ ኩሉ እዩ ዝብል ናይ ሥራሕን ግቡእ ናይ ደሞዝ ክፍሊት ዝክተሎ ዕረፍትን ዓመታዊ ዕረፍትን እዋን ብርትዓዊ ውሳኔ መሠረት ኣብ ግብሪ ክውዕ ዝብል ዓንቀጽ ተነቢሩሉ ከምዘሎ ዘኪሮም፣ ገለ ገለ ሰበኻታት ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ በጻሕትን መስሕቦ በጻሕትን መዳይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ዘይብለን ኮይነን ከምዝረኣያ ጠቂሶም፣ ኩለን ሰበኻታት ኣብዚ መዳይ ስንድዋት ክኾና ይግባእ፣ ድላይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ድማ እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.