2012-04-24 14:43:31

ብፁዕ ኣቡነ ቫሲል፦ “ጽባቔ ስነ ጥበብ፣ ቀልቢ ናብ ቅዱስን ብሩኽን ዳግም ይሓንጽ”


ኣብዚ እዋን ብፍላይ ድማ ኣብ ምዕራብ ሃገራት ተዛማዲ ባህሊ፣ ምእማንን ዘይምእማን ማዕረ ዝብልን ደረጃ ክቡራት ዋጋታት ዝሓክኽ ክቡራት ዋጋታትን ብፍጹም የሎን ዝብል እምነት ውልቃዊ ርእዮቶ እዩ ዝብል ንሰብ ብሥጋዊ ዓይኒ ጥራሕ ዝመዝን ካብ ክርስትያናውነት ናብ ዘይክርስትያናውነት ዝድርኽ ዘሎ ባህሊ፣ RealAudioMP3 ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ እዋን፣ ባህሊ ነቲ ቅዱስን ብሩኽን ካብ ምንጽብራቕ መሠረታዊ ጸዋዕታኡን መሠረታዊ ዝምባሌኡን ዘብኮረ ኮይኑ ክሰፍሕ ይድርክ ከምዘሎን ነዚ ዅሉ ግምት ብምሃብ “ቅዱሳት ስዕላትን ሰማያዊ ሊጡርጊያ፣ ካቶሊካዊ ትጽቢታቱ ኣብ ምስራቓዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ንዳግማዊ ኣስፍሆተ ወንጌል” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ዕለት 23 ሚያዝያ 2012 ዓ.ም. ነዘካየዶ ቀዳማይ ክፋሊ ዓውደ መጽናዕቲ ብዘስምዕዎ ዘረባ ዝኸፈቱን ዘፈጸሙን ብዛዕባ ምስራቕ ኣቢያተ ክርስትያን ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ሲርይል ቫሲል ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም፣ ጽባቄ ማለት ከም ውበትን ውህበት መግለጺ ህላዌ እግዚኣብሔር እዩ። ኣብ ታርኽ ብዙሓት ኣረማውያን ብቅዱሳት ስዕላት ተደሪኾም እምነትን ቃል ወንጌልን ክቕበሉ ከምዘብቕዔን እቲ ኣብ ቅዱሳት ስዕላት ዝንጸባረቕ ጽባቔን ኃሴትን እቲ ኣብ ሰብኣውነት ፍጥረት ሰብ ዘሎ ናይ ምድላይ ዝምባሌ ጽባቔን ኃሴትን መግለጺ ከምዝኾነን፣ ስነ ጥበብ ንገዛእ ርእሱ እቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ፍጹም ጽባቔን ኃሴትን ናይ ምንዳይ ዝገልጽ ውስንነትና ዝተነብሮ ባህርይ እዩ። ውስነትና ዝተነርቦ ጭቡጥ ክውንነትና ተስፋ ዘቑርጽ ዘይኮነስ ነቲ ፍጹም ዘሎና ሃረርታ ዘድምዕ እዩ።
ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን፣ ኩሉ ስነ ሓሳብን ስነ ጥበብን ብናይ ዕዳጋ ሜላ ዝምራሕ እናኾነ ካብቲ ዘለዎ ጥልቂነቱን ሰቂለ ሕሊናዊ ጽባቔ ስርዓት ሊጡርግያ እዋንን ሥፍራን ቅዱስን ብሩኽን ዝዝንግዔ ተመሲሉ ዝርአይ እውን እንተኾነ፣ ስነ ጥበብ ጥልቅነቱን ሰቂለ ሕሊናዊ ጽባቔ ስርዓት ሊጡርጊያ እዋንን ሥፍራን፣ ሓቅን ቅዱስን ብሩኽን ዝናደለይሉን ናብኡ ዝድርኽን ናብቲ ሓቅን ህይወትን መገድን ዝመርሕ ምዃኑ ዘይሕከኽ እዩ። ሓቅን መገድን ሕይወትን ምንዳይ ብኑባሬ ኣብ ክውንነት ሰብ ዘሎ ባህርይ እዩ ኢሎም።
ናይዚ ትማሊ ዝተኻየደ ዓወደ መጽናዕቲ መቐጸልታ ካልኣይ ክፋል ካብ ዕለት 6 ሓምሌ ክሳብ ዕለት 7 ሓምሌ 2012 ዓ.ም. ኣብ ሲቺሊያ ቀጺሉ እቲ ናቲ ዓለም ሓቆፍ ዓወደ መጽናዕቲ ሳልሳይ ክፋል ካብ ዕለት 29 ነሓሰ ክሳብ 31 ነሓሰ 2012 ዓ.ም. ኣብ ካላብሪያ ክካየድ ምዃኑ ሓቢሮም፣ ኣዚ ድማ ታሪኻዊ ህላዌ ምስራቕ ስርዓት ዝኸተላ ኣቢያተ ክርስትያን ኣሰር ኣብ ኢጣሊያ ንምልላይን ንምርዳእን ዝድግፍ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ኣብ ዝሓለፉ ዘመናትን ዓመታትን ታሪኽ ስደተይናታትን ገያሾን ኣብ ኢጣሊያ ባህሎምን ሃይማኖቶምን እምነቶምን ንምልላይ ዝድርኽ መደብ ምዃኑ ሓቢሮም፣ እዚ ጳጳሳዊ ናይ ምስራቕ ኣቢያተ ክርስትያን ተቛም ናይ ምስራቕ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን ምስራቓውያን ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስትያንን ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን ዘራኽብ ስፍራ እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.