2012-04-21 13:42:08

ፈረንሳ፦ ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎ ዜጋ ኣብ ናይ ፈረንሳ ህዝባዊ ምርጫ ተሳትፎ ከይቦክር


ጽባሕ ኣብ ፈረንሳ ናይ ርእሰ ብሔር ምርጫ ቀዳማይ ዙር ክካይድ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ ናይ ፍረንሳ ብፁዓን ጳጳስት ቤት ምኽሪ “ሚዛን ድምጺ” ብዝብል ኣርእስቲ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ እንክንገር፣ RealAudioMP3 ሓደ ድምጺ እውን ናይ ወሳንነት ዑቕር ሓይሊ ዘለዎ ምዃኑ ኣብ መልእኽቶም ዘነጸሩ ብፁዓን ጳጳሳት ፈረንሳ፣ ናይ ምምራጽ መሰል፣ ግቡእን ሓላፍነትን እውን ምዃኑ ኣገንዚቦም ኩሉ ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎ ዜጋ ካብ ድምጺ ምሃብ ተግባር ከየብኩር ሓደራ ከምዝበሉ ነቲ ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ መሠረት ገይሮም ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃቡ ናይ ፈረንሳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ዜናን ክፍሊ ማኅተምን ሓላፊ ብፁዕ ኣቡነ በርናርድ ፖድቪን ሓቢሮም።
እቲ ዝተኻየደ ናይ ምረጹኒ ፖለቲካዊ ውደራን ጎስጓስን ምንጽጻርን ብሓቂ ተስፋ ዘቑርጽ ዝተደናገርን እውን እንተመሰለ፣ እቲ ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎ ካብ ሓልፍነቱ ብሙብኳር ነቲ ምድንጋር ከየግድዶ መታን፣ ናይ ምምራጽ መሰልን ናጽነቱን ንተዛማዲ ስነ ምግባር ብዘቃወምን ናይ ሕይወት ባህሊ ብዘኽብርን ምስ ድምጺ ሕሊና ኣዋሂዱ ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ሓደራ ከምዝበሉ ተገሊጹ።







All the contents on this site are copyrighted ©.