2012-04-21 13:38:34

ጊኒ ቢሳው


ዕለት 12 ሚያዝያ 2012 ዓ.ም. ኣብ ጊኒ ቢሳው ብግብረ ዕላዋ መንግስታዊ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ወትሃደራዊ ጉጅለ ተቐባልነት ዘይብሉ እዩ እንክብላ ዝተፈላለያ RealAudioMP3 ዓለም ለኻዊ ኣፍሪቃውያን ማሕበራት መግለጺ ከምዝሃባን፣ ኣብታ ሃገር ስርዓት ሉኣላዊ ሕገ መንግስቲ ብቕልጡፍ ዳግም ክረጋገጽ ከምዝሓተታ ክግለጽ እንከሎ፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅድሚ ትማሊ እቲ ዕልዋ መንግስቲ ፈጺሙ ኣብ መርሕነት’ታ ሃገር ዘሎ ወተሃደራዊ ጉጅለን ተቓወምቲ ናይ ፖለቲካ ውድባትን ብናይ ሓባር ስምምዕ፣ ንኽልተ ዓመት ዘገልግልን ንጊኒ ቢሳው ናብ ናጻ ሕዝባዊ ምርጫ ዘሰንያ ብሔራዊ ቤት ምኽሪ መሰጋገሪ ከቕውምን ግዚያዊ ርእሰ ብሔር ክስየም ምዃኑ ብወግዒ መግለጺ ሂቡ ከምዝነበረ ክፍለጥ እንከሎ ናይ ምዕራብ ሃገራት ኣፍሪቃ ማሕበረሰብ ኤኮኖምን፣ ዝተፈላለያ ዓለም ለኻዊ ኣፍሪቃውያን ማሕበራትን ሕብረት ሃገራት ኣፍሪቃን፣ ማሕበረሰብ ተጠቀምቲ ቋንቋ ፖርቱጋል ሃገራት ኣፍሪቃን፣ እቲ ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ ኮኒነን፣ ዝቖመ ብሔራዊ ቤት ምኽሪ መሰጋገሪ ተቐባልነት ከምዘይህቡሉ እውን ከምዘፍለጡ ተሓቢሩ።
ጊዚያዊ ርእሰ ብሔር ክኾኑ ማኑኤል ሰሪፎ ናሃማድጆ ከምእተሓረዩ እንክምልከት፣ ድሮ ምስቲ ኣብ ጊኒ ቢሳው ስርዓት ኣብ ምርግጋጽን እቲ ዕለት 29 ሚያዝያ 2012 ዓ.ም. ዝካየድ ካልኣይ ዙር ምርጫ ርእሰ ብሔር ኣብ ግብሪ ንምውዓል ተልእኾ ዝርከብ ናይ ኣንጐላ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ብምትሕብባር ዝዋሳእ ዓለም ሓቆፍ ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ድሕሪ ጽባሕ ናብ ጊኒ ቢሳው ክላኣኽ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ።
ኣብ ኢጣሊያ ናይ ከተማ ቶሪኖ መንበረ ጥበብ መምህር ናይ ኣፍሪቃ ስነ ፖለቲካን ስነ መዋቕርን ሊቅ ኣና ቦኖ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርኦ ቃለ ምልልስ፣ ሕብረት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ኣፍሪቃ ዝፍጸሙ ጸረ ዴሞክራስን ዕልዋ መንግሥትን ተመሳሳሊ ፈተነታት ብምቅዋምን ብምኹናን ዘርእዮ ዘሎ ደገፍ ዴሞክራሲ ብሓቂ እወታዊ እዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብዚ እዋን’ዚ ጸረ ዴሞክራሲያዊ ፈተነታትን ዕልዋ መንግሥታትን ክፍጸሙ ምርኣዩ ዘሕዝን እዩ። ነዚ ኣብ ኣፍሪቃ ብተደጋጋሚ ዝርአይ ፈተነ ብሓደ ድምጺ ብምቅዋም ተቐባልነት ኣብ ዘይምሃብ ድላይ ሕብረት ኣፍሪቃ ዘርእዩ ዘሎ ምዕባለ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝርኤይ ፖሊቲካዊ ቅልውላው መፍትሒ ክረክብ ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ቅልውላው ከይህሉ ዝድግፍን ንዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ እውን ዘበራትዕ ተግባር ከምዝኸውን ሓቢረን። ኣብ ኣፍሪቃ ዝረኣዩ ሕድ ሕዳዊ ምስሕሓብን ግጭትን ውግእን እናጎደለ ይኸይድ እውን እንተሃለወ፣ ጸረ ዴሞክራሲ ዝሓቀነ ውዲታዊ ሰላሕታ ግን ኣብ ዝሓለፉ መወዳእታ ዓመታት ክብ እናበለ ይኸይድ ኣሎ። ክውንነት ዴሞክራሲ ኣብ ኣፍሪቃ ከስፍሕ ዘኽእል ሕዝባውን ፖሊቲካውን ድላይ ዕብየት የርኢ ከምዘሎ እቲ ኣብ ማሊ ዝርአ ዘሎ ፖለቲካዊ ከይዲ ብዙሕ ጸገም የጋጥሞ እውን እንተሃለወ ከም ኣብነት ዝጥቀስ እዩ እንክብላ ዝሃብኦ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊለን።








All the contents on this site are copyrighted ©.