2012-04-21 13:36:24

ዓለም ሓቆፍ ሻብዓይ ጉባኤ ብዛዕባ በጻሕትን መስህብ በጻሕትን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ


ናይ ስደተይናታትን ገያሾን ሓዋርያዊ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዘዳለዎ “ፍሉይ መለለዪ መስህብ በጻሕቲ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ካብ ዕለት 23 ሚያዝያ ክሳብ ዕለት 27 ሚያዝያ 2012 ዓ.ም. ሻብዓይ ጉባኤ ብዛዕባ በጻሕትን መስህብ በጻሕትን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣብ መክሲኮ ከተማ ካንኩን RealAudioMP3 ክካይድ ምዃኑ ዝሓበረ ናይ ስደተይናታትን ገያሾን ሓዋርያዊ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ መግለጺ፣ እቲ ካብ ናይ 40 ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ናይ ስደተይናታትን ገያሾን ሓዋርያዊ ሓልዮ ድርገት ሊቀ መናብርትን ከምኡ እውን ካብ ዝተፈላለያ ናይ ካቶሊክ ኣገልግሎት መውሃቢ በጻሕትን መስህብ በጻሕትን ማኅበራት ልኡካን ብጠቅላላ 200 ተጋባእያን ዘሳትፍ ጉባኤ፣ ሓፈሻዊ ርእየት ብዛዕባ በጻሕትን መስህብ መጻሕትን፣ ሃይማኖታዊ በጻሕትን ሃይማኖታዊ መስህብ መጻሕትን፣ በጻሕቲ ማኅበረ ክርስያንን ብዝብሉ ሰለስተ ንኡስ ኣርእስታት ተመሪሑ ዝካየድ ምዃኑ የመልክት።
መስህብ በጻሕቲ ማለት ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ሃብትን ብልሓት ኤኮኖምን ካብ ድኽነት ዘላቕቕን ከምኡ እውን ንጾታዊ (ግብረ ስጋ) ርክባት ዝኣመተ መስህብ በጻሕቲ ንምውጋእን፣ እዚ መሠረታዊ ክብሪ ወዲ ሰብ ዝሓክኽ ኢግብረ ገባዊ ተግባር ምውጋእ ዝብሉ ማሕበራዊ ተረእዮታት ዘርዚሩ ዝትንትንን ብሓፈሻኡ መስህብን በጻሕትን ብሓቂ ሰብኣዊ ክውንነትን ሰብኣውነት ዘስፍሕ ክኸውን ከምዘለዎ ዘቃልሕ እውን ከምዝኸውን ናይ ስደተይናታትን ገያሾን ሓዋርያዊ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኣንቶኒዮ ማሪያ ቨሊዮ ፊርማ ዝተነበረሉ ናይቲ ቤት ምኽሪ መግለጺ የመልክት።
መስህብ በጻሕቲ ከም ዕድል ጥራሕ ዘይኮነስ መሰልን ክብርን ኵሉ እዩ። ቤተ ክርስትያን ናብ ሓቀይና ማሕበራውነት ዘቅንዔ ከይዲ መስህብ በጻሕቲ ብምትብባዕ ኣንፈት ክሕዝ ከምዝገበረትን እቲ ድሮ ብደረጃ ሰበኻታት ዘለዉ መዋቕራት ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ንምስፋሕ ወንጌልን ብዝኣመተ ኣገልግሎት ብቕዓቱ ምሕያል ከምዘድልን ስለዚህ በጻሕትን ኣእንገድትን ኣብዚ መዳይ ተዋሳእቲ ክኾኑ ምትብባዕን ምምራሕን ከምዘድሊ እቲ ናይ ብፁዕ ካርዲናል ቨሊዮ ፊርማ ዝተነብሮ መግልጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.