2012-04-21 10:53:19

ሰንበት ዘዳግማይ ትንሣኤ 2004 ዓ.ም. (4/22/2012)


መዝሙር፡ ይትፌሣሕ ሰማይ ወትትሓሰይ ምድር. . ።
“ሰማይ ይተሓጎስ ምድሪ እውን ደስ ይበላ መለኸት ይወቓዕ ኩሉ አድባራትን ከበቢኡን ኩሉ አእዋም በረኻታትን ይታሓጎስ ፥ ሎሚ አብ ሰማያት ዓቢ ተሓጓስ ኮይኑ አሎ፥ ምድሪ ብደም ክርስቶስ ተሓጺባ ዓባይ ፋሲካ ትገብር አላ።”
ንባባት 1ቆሮ151~20፥ 1ዮሓ 51~6፥ ግ.ሓ.31~10፥ሉቃ241~35
ስብከት፡ወተንሥአ እግዚአብሔር ከመ ዘንቃሕ እምንዋም ወከመ ኃያል ውኅዳገ ወይን፥ ወቀተለ ጸሮ በድኅሬሁ፥። “ሽዑ እግዚአብሔር ከምቲ ኻብ ድቃሱ ዚትንሥእ ሰብ ተንሥአ፥ ከምቲ ነቢት ሰትዩ ዚዕንድር ጀግና ኾይኑ ተንሥኤ” መዝ። 78፡65~66
ዳግማይ ትንሣኤ ኩሉ ምስጢሩን አበዓዕልኡን ከም መዓልቲ ትንሣኤ እዩ። ኩሉ ዝድገም ጸሎታትንን አገባብን ንትንሣኤ ተኸቲሉ ዝብዕል እዩ። እዋናት ትንሣኤ ዝንበቡ ንባባት ኩሎም ዕሞቕ ምስጢር ትንሣኤ ክህልውና ዝሕግዙ እዮም። ሎሚ ዝተነበ ወንጌል ካብ ሉቃስ እዩ፥ ብዙሕ ጊዜ ዝንበበ ካብ ዮሓ 20፡24~29 እዩ ንሎሚ ግን ካብ ሉቃስ ኢና አንቢብና።
ሉቃስ ወንጌላዊ ብዛዕባ ትንሣኤ ክነግር እንከሎ ንኹሎም አንበብቱ ዝሕግዝ ኢሉ ፍሉይ ነገራት ይጽሕፍ። አብዚ ዝተነበ ምዕራፍ ሓንቲ ዓብይ ትሕዝቶ ዘልአ ምዕራፍ ካብ ሓዲስ ኪዳን እያ። አብአ ብምልኡ ክርስትያናዊ ሕይወት ዘጠቓለለት እያ እንተበልና ምግናን አይኮነን። አብ ሉቃስ ኩሎም እቶም ናይ ትንሣኤ ግልጸታት አብ ኢየሩሳሌምን ከባቢአን እዮም ኮይኖም። አብ ሉቃስ እንተ ረኤና ቅድሚ ሕማማት ኢየሱስ ዝንግር ጽሑፋቱ ኩሉ አብ ኢየሩሳሌም ዘተኮረ እዩ፥ ንኢየሩሳሌም ገጹ እናኸደ ካብ ያሪኮ ካብ ገሊላ ካብ ሰማርያ ንኢየሩሳሌም ገጹ እናኸደ ይብለና ኢየሩሳሌም ኩሉ አብአ ዝፍጸማ እያ። ኢየሩሳሌም አብአ ሕማማት ሞትን ትንሣኤን ገጢሙ ስለዚ ኢየሩሳሌም አብ ሉቃስ ዓቢ ፍጻሜ ድኅነት ዝተፈጸመላ ስለ ዝነ ማእከል ምስጢር ጽሑፉ እያ። ድሕሪ ትንሣኤ ካብ ኢየሩሳሌም ኩሉ ይጀምር፥ ካብ ኢየሩሳሌም አብ ከባቢአን አብ ኩሉ ዓለምን ወንጌል ተሰቢኹ። ካብ ኢየሩሳሌም እቲ ሰናይ ዘና ተዘርጊሑ ኢየሩሳሌም ማእከል ምንጪ ናይ ኩሉ እያ።
ናይ ሎሚ ወንጌል ብዛዕባ ክልተ አርድእቲ ንኢየሩሳሌም ሓዲጎም ናብ ኤማሁስ እትብሃል ዓዲ ገጾም እናኸዱ ዝገጠመ ይግረና። ኤማሁስ አብዚ እዋን ልክዕ ቦታአ አይፍለጥን ዖናታት እውን የብላን ብዝኾነ ሉቃስ አነጺሩ 11ኪሜ ካብ ኢየሩሳሌም ምዃና ይገልጽ። ክልተ ካብቶም አርድእቲ አብ መገዲ እዮም ዝኸዱ ነሮም፥ ንሳቶም ነጋድያን አብ መገዲ ሕይወት እዮም ነሮም። ኢየሱስ ንሱ እቲ መገዲ እዩ። አብዚ እዋን እዞም ክልተ አርድእቲ አብ ግጉይ መገዲ አምሪሖም እዮም ዝኸዱ ዝነበሩ። ነቲ ክርስቶስ ድኅነት ዝፈጸመሉ ቦታ ሓዲጎም ፈሪሖም ተስፋ ቆሪጾም ካብቲ መምህሮም ዝበሎም አብ ካልእ ይኸዱ ነሮም። ኢየሱስ አብ ከምዚ ኩነት ከሎና እዩ ዝደልየና። ክንጠፍእ አይደልን እዩ። ነጻነትና ሓልዩ ክንምለስ ዝተፈላለየ ምልክት ይህበና። ምርጫን ምቅባልን ናታትና ተራ እዩ።
ኢየሱስ ከም ሓደ መንገደኛ ኮይኑ ይሕወሶም። ከየለልይዎ ንዓይኖም ገለ ከዊልዎም ይብል ሉቃስ። እንታይ እዩ እዚ ገለ እንብሎ፥ብናቶም ርድኢት ኢየሱስ ስለ ዝሞተ ኩሉ ተወዲኡ ማለት ድዩ? ወይስ ቀደም ዝነበሮም ግምታት ብዛዕባ ኢየሱስ እዩ እዚ ገለ ነገር ተባሂሉ ዘሎ። አብ ሕይወትና ካብ አምላኽ ወጺእና ካልእ መገዲ ክንሕዝ ከሎና ዝኽውለና ንጸልማት ከም እንሕዝ ዝገብረና አሎ። ነቲ ሓቂ ከይንርኢ ዝኽውል ከምኡ ከይነስተውዕል ዝዓግተና ሓይሊ አሎ። ብቐትሩ ጸልማት ይጕልብበና እሞ ንኹሉ ዘይ መልክዑ ንህቦ። ንሓቅን ንአና ብነፍስን ብሥጋን ዝጠቅም ሓዲግና ንኻልእ ካብ አምላኽን ሰብ ዝፈልየና ንመርጽ፥ ግጉይ ምርጫ ንገብር ሽዑ ንኹሉ ክነለሊ የጸግመና።
ምህዋኾምን አብ ገጾም ዝነበረ ነገራትን ተዓዚቡ ብዛዕባ እንታይ ከም ዝዛረቡ ሓቲትዎም። ብምግራም ንስኻ ጥራሕ ዲኻ አብዚ ዓዲ ጋሻ አብዚ ዓዲ ዝተገብረ ዘይሰማዕካ እዚ አብዚ ሳልስቲ አብ ኢየሩሳልም ዝኾነ እናበሉ ብምግራም ነቲ ዝኾነ ነገራት ገሊጾምሉ። እንታይ ነገራት እናበለ ከምዚ ሓንቲ ዘይፈልጥ ሓቲትዎም። እዚ ዝበለ ናታቶም ርድኢትን አፍልጦን ናይቲ ዝኾነ ብኸመይ ከም ዝርድእዎን ዝገልጽዎን ክሰምዕ ብማለት እዩ። ንአታቶም እቲ ሞት ፍሽለት ናይ ኢየሱስ ተልእኮ እዩ ነሩ። ንሱ ነብይ ከም ዝነበረ እንተ ኾነ እቲ ሞቱን ኩሉ ነገራቱን ከም ዝተጸበይዎ ከም ዘይኮነ ገለ አንስቲ እውን ከም ዝተንስኤ ነጊረንኦም እንተኾነ ዝሃብኦ ሓበሬየታ አየዕገቦምን፥ ንሕና ንሱ መሲሕ እዩ ኢልና ንአምን ነራ እንተኾነ. . .እናበሉ ስምዖቶምን ርድኢቶምን ገሊጾምሉ ። ንአአቶም ንሱ ነጻ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዘውጽኦም እሞ ንሳቶም እውን አብ መንግስቱ ቦታ ክረኽቡ ዝጽበዩ እዮም ነሮም። በቲ ናይ እተን አንስቲ ወረ ኸአ ተረቢሾም ነሮም ግን ነገር አንስቲ ኮይንዎም።
አብ ሕይወትና ሓደ ከቢድ ነገር ምስ ገጠመና ተቐላጢፍና አብ ተስፋ ቁርጸትን ነቲ ዝነበርካዮ ቀልጢፍካ ምቕያር ንበጽሕ እዚ ግን ሓጋዚ አይኮነን። ከምኡ አምላኽ ብዝተፈላለየ ነገራት ገሩ ክንቀርቦ ዝልእከልና ነገራት አሎ ነዚ ፈሊጥና እምብአር ክንዕገስ ክነስተውዕል ይግባእ፥ እምበር ተስፋ ቆሪጽና ንዝጓነፈና መስቀል ክንቅይር የልናን።
ሽዑ ኢየሱስ ትምህርቲ ክህቦም ጀሚሩ አብ ቅዱስ መጽሓፍ መሰረት ገሩ ብዛዕባ እቲ መስሕ እንታይ ከም ዝብል ብዛዕባ ሕማማቱን ሞቱን እቲ ኩሉ ከምቲ አብ ኦሪትን ነብያትን ቅድም ዝተባህለሉ ክፍጸም ምዃኑ ኩሉ ነጊርዎም። ቅዱስ ሉቃስ ጥራሕ እዩ ብንጹር ብዛዕባ ዝሳቀቐ አገልጋሊ ዝነግር፥ አብ ካልእ ናይ ብሉይ ኪዳን ብዛዕባ ዝሳቐ አገልጋሊ ዝነግር አይንረክብን። ቤተ ክርስትያን አብ ዳሕራዋይ ዘመን እዚ ዝሳቐ ዝዋረድ አገልጋሊ እቲ አብ ትንቢት ኢሳያስ ዘሎ ንአኡ ከምዝምልከት ክትነግር ጀሚራ። ብዝኾነ እዚ ኩሉ አብ ልዕሊ ኢየሱስ ዝተፈጸመ ነቲ አቐዲሙ አብ ብሉይ ኪዳንን አብ ናይ አይሁድ ተሳፋታትን ዝተነግረ እዩ ነሩ። አብ ግ.ሓ ንቅዱስ ሉቃስ ክርስትና ናይ እቲ አብ አይሁድ ዝነበረ ተስፋ ምልአት ከም ዝኾነ ንርኢ። ቅዱስ ማቴዎስ እውን ተመሳሳሊ አተሓሳስባ እዩ ዘቕርበልና።
ተማሂርና ክንክእል ይግባእ። ኢየሱስ ሓቀኛ መምህር ክንምሃር ክንፈልጥ ከም እንደሊ ድሕሪ አርኢናዮ ኩሉ ጊዜ አብ ጥቓና ኮይኑ ክገልጸልና ድላዩ እዩ። ንቤተ ክርስትያን ክንሰምዕ ንሳ እትብሎ ክንፍጽም ከሎና ንአኡ ንሰምዕ አሎና ማለት እዩ ከመይ ንአኻትኩም ዝሰምዐ ንአይ ሰምዐ ኢሉና እዩ። ንኹሉ ክርዳእ ዓቕሚ ሃበኒ ክንብል ሎሚ እዋኑ እዩ።
አብ ጥቓ ዓዲ ምስ በጽሑ ኢየሱስ መገዱ ከም ዝቕጽል ካብኦም ፍንትት ኢሉ፥ እንተ ኾነ ምስኦም ክአቱ ሓቲቶሞ ምድሪ መስዩ እዩ ስለዚ ምሳና ሕደር ኢሎም ምስኦም ወሲዶሞ። ሽዑ ኢየሱስ ምስኦም ክአቱ ይኸይድ። ብሓቂ ዘሓጉስ ቃላት፥ እዚ ግን ንሶም እንተ ዘይዕድምዎ አይምኾነን ነሩ። ኢየሱስ አብ ሕይወትና አብ ኩሉ ምሳና ክሓድር ክኸውን ክንዕድሞ አሎና። ንአምላኽ ዓዲምካ ምኻአል አድላዪ እዩ። እዞም ክልተ አርድእቲ ንጋሽኦም አብ ገዝኦም ምስኦም ክቕበልዎ ከም ዝደልዩ ገሊጾምሉ ወዮ ጋሻ ንዕድመ ተቐቢሉ አብ ገዝኦም አትዩ። አብ ዓድና ጋሽ ክቡር እዩ ከምዚ ሎሚ ጠባያት ሰባት ከይተቐያየረ እንከሎ ጋሻ እግሩ ሓጺብካ ተሳሊምካ ኢኻ እትቕበሎ፥ መግቢ መስተ ዝኾነ ነገር ቅድም ንጋሻ እዩ ዝውሃብ። እዚ ሰናይ ባህሊ መሰረቱ አብ ወንጌል እዩ “ጋሻ ኮይነ ተቐቢልኩምኒ” ዝብል። “ንአኻትኩም ዝተቐበለ ንአይ እዩ ተቐቢሉ” ይብልና።
አብ ምአዲ ምስተቐረቡ ኢየሱስ እቲ ጋሻ ዋና ይኸውን እሞ ነቲ እንገራ ወሲዱ አመስጊኑ ቆሪሱ ሂብዎም። አብዚ ጊዜ እዚ አዒንቶም ተኸፍታ። ሓቀኛ ምርአይ ክርእዩ ጀሚሮም። ወዮ ከይርእዩ ከዊልዎም ዝነበረ ነግር ተቐንጢጡ እዚ ኹሉ አብ መአዲ ቅዱስ ቍርባን እዩ ተፈጺሙ። አብኡ አብ ምቍራስ እንገራ ባዕሉ ብነፍሱን ሥጋኡን መለኮቱን አብ ማንጎና አሎ። ንሱ ብዝተፈላላየ መልክዕ አብ መንጎና አሎ አብ ምቝራስ እንገራ ጥራሕ ዘይኮነ አብቲ ክንቆርሶ እሞ ክንካፈሎ እንከሎና አብቶም አብኡ ዝሳተፉን አብ መንጎና አሎ።
ኢየሱስ ኩሉ ምስ ገበረሎም ዝአክል ምልክታት አብ ልቦም ዝመልስ ምስ ሃቦም ካብኦም ተሰዊሩ። ሽዑ “አብ መገዲ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ክገልጸልና እንከሎ እንዶ ልብና ይህወኽ አይነበረን” እናበሉ ብሓቂ ንሱ ኢየሱስ ምዃኑ አሚኖም። መገዶም ሓዲጎም አብ ኢየሩሳሌም ነቶም አብኡ ዝንበሩ ሓዋርያት ክነግሩ ተመሊሶም። ካብቲ ዝኸድዎ ዝነበሩ መገዲ ጌጋ ተመሊሶም ንኢየሩሳሌም ገጾም ክኸዱ ጀሚሮም። አብ ጉዕዞ ሕይወትና ሓቂ መሲሉና ንግጉይ መገዲ መሪጽና እንጉዓዝ ውሑዳት አይኮናን፥ በዚ እዋናት ፋሲካ ጌጋና ሓዲግና አብ ኢየሱስ ክንምለስ እዚ ወንጌል ይነግረና አሎ። ክንምለስ ግን ንኢየሱስ ርኢና ክንክእል አሎና። አብ ኢየሩሳሌም ምስበጽሑ እቶም ዓሰርተ ሓደ እውን እናተገረሙ ጸንሕዎም ጎይታና ተንሢኡ እዩ ንስምኦን ተራእይዎ እናበሉ ጸኒሖሞም። ንሶም እውን እቲ ዝገጠሞም ኩሉ ነጊሮሞም። ምስኡ ንነውሕ ተጓዒዞም ከለልይዎ ከምዘይከአሉ እንተ ኾነ እንገራ ቆሪሱ ምስ ሃቦም ከም ዘለልይዎ ነጊሮሞም።
አብዚ ሎሚ ዝተነበልና ወንጌል ኩሉ ንሓደ ክርስትያን አብ ክርስትያናዊ ሕይወቱ ዘድሊ ነገራት ክንረክብ ንኽእል።
    ካብቲ ክርስቶስ ዝርከቦ ምህዳም። አብ ሕይወትና ብዙሕ ጊዜ እንገብሮ ነገር እዩ። ካብ ቤተ ክርስትያኑ ካብ ምስጢራቱ ካብ ግብረ ሰናይ ንሃድም ንኽወል። ቤተ ክርስትያን አብ ጥምቀት ሞት ካልእ ዓበይቲ ነገራት ጥራሕ ንደልያ። ካብ ክርስቶስ ክንሃድም ከሎና ንርእስና ከም ሓደ ጨንፈር ካብ ኦሙ ዝፍለ ንገብራ። ሎሚ እምብአር አብ ክርስቶስ ክንምለስ ንሕተት አሎና። አብቲ ክርስቶስ ዝርከቦ ቦታ ክንርከብ ክንጽዕር አሎና። ካብቲ ክርስቶስ ዝርከቦ ቦታ ክንሃድም ከሎና ቅሳነት የብልና፥ ፍርሒ፥ ምህዋኽ፥ ዘይቅሳነት ይርአየና። ክርስቶስ አበይ ይርከብ? አብ ቤተ ክርስትያኑ አብ ቅዱስ ቍርባን አብ መንጎና ብፍቕርን ስኒትን ክንነብር ከሎና፥ ሕጊ አምላኽ ሒዝና ክንጉዓዝ ከሎና፥ ንጽጉም ክንረድእ ከሎና፥ ንሰላም ቀንዲ መጋበሪ ክንገብር ከሎና፥ ንዝጠፍኤ ክንደሊ ከሎና. . . . . ።
    ንኢየሱስ አብ ዘይሓሰብካዮ ቦታ ወይ አብ ዘይተጸበኻዮ ሰብ ወይ ኩነታት ምርካቡ። እዚ ክንደይ ጊዜ ይገጥመና እሞ ክነለልዮ አይንኽእልን። አብ ገለ እዋን ከአ ብኽፉእ ንሰባት ክንቀርብ ከሎና እንገብሮ እዩ። ካብዞም ንአሽቱ ንሓደ ዝገበርክምዎ ንአይ ከም ዝገበርክሙለይ ይብለና። ኢየሱስ ሎሚ አብ ሰባት ክንረኽቦ ክንጽዕር፥ አብቲ ጸልማት ዝኾነ ሕይወትና ክንረኽቦ አብቶም ዘይንፈትዎም እንጸልኦም ሰባት አብኡ ንኢየሱስ ክንረኽቦ። አብ መገዲ አብ ሓዳርና አብ ስራሕና ክንረኽቦ ንጽዓር እሞ ንዓድሞ ምሳና ክአቱ ምሳና ከዕልል ሽዑ ክንርእዮ። ኢየሱስ አብቲ ጽንኩር ርክባትና አብቲ ጸልማት ወሪሱና ዘለናሉ እዋን ክንረኽቦ። ሎሚ አነ ንኢየሱስ አበይኮን ምረኸብክዎ ኢልና ንምርካቡ ሃሰስ ንበል ንሱ ሽዑ አብ መንጎ ክሕወሰና እዩ።
    ናይ ኢየሱስ ሓቀኛ ትርጉምን መንነቱን ተልእኮኡን አብ ቅዱስ መጽሓፍ ምርካቡ። ብዘይ ቅዱስ መጽሓፍ ንኢየሱስ ንፈልጦ ኢና ክንብል አይክአልን እዩ። ክንደይ ካባና ንቅዱስ መጽሓፍ የንብቡን ይፈልጡን ይኾኑ። እግዚአብሔር ብቃሉ ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ብቅዱስ መጽሓፍ ብቤተ ክርስትያኑ ገሩ ይዛረበና። እዞም ሰለስተ ካብ ሓድሕድ ዘይፈላለዩ እዮም። ቅዱስ መጽሓፍ ዘይምፍላጥ ንእግዚአብሔር ዘይምፍላጥ እዩ ይብል ቅዱስ ጂሮም። ቅዱስ መጽሓፍ ክፍሊ ሕይወትና ክንገብሮ ከሎና ሽዑ ምስ አምላኽ ርክብ አሎና።
    ንኢየሱስ አብ ቅዱስ ቍርባን አብ ምቝራስ ህብስቲ ክነለልዮ ይግብአና። ምቍራስን ካብቲ ዝተቖርሰ ምክፋልን ፍሉይ ምልክት ናይ እታ ብሓባር እተብዕል ማሕበር ባህሪ እዩ። ብዘይ ቅዱስ ቁርባን ክርስትያናዊ ሕይወት የብልናን። እዚ ንዝኽረይ ግበርዎ ካብኡ ተሰሰዩ ሕይወት ክትረኽቡ ኢልና እዩ። ካብ ሥጋኡን ደሙን ተሓሪምና እንተ አሎና ሓጢአትና አብ መንበር ኑዛዜ ሓጺብና ተቐበለኒ መጺኤ አሎኹ እናበልና ንቀበሎ። ሎሚ ምስ ኢየሱስ ክንወሃሃድ እሞ መንፈሱ ወሪስና ሰበኽቲ ክንከውን እንጽውዓሉ እዋን እዩ።
    ናይ ቅዱስ መጽሓፍን ልጡርግያን ልምምድ መልእኽቲ ክርስቶስ ክንዝርግሕ ይሕግዘናና። ነቲ ዘሎና ተመክሮ ምስ ካልኦት ከምንካፈል ይገብረና። ሰበኽቲ ወንጌል ንኸውን። አብ ዕለታዊ ሕይወትና ቃል አምላኽ ክንሰምዕ እንከሎና አባና አምላኽ አሎ። ቃሉ ሕይወትና እዩ፥ ብፍላይ በቲ ስርዓተ ልጡርግያ ዝመርሖ ገርና ክንጥቀመሉ ከሎና አባና ሕይወት አሎ።
    ንጋሻ ምቕባልን ምስትንጋድን አብ ዓቢ ጥቕሚ አልኦ። “ጠምየ ነረ አብሊዕክሙኒ ጸሚኤ ነረ አስቲኹምኒ . . . . .” ። እናበለ ዝተዛረቦ ኢየሱስ አብቶም ፍንፉናትን ጥሙያትን አብኦም አሎ። ንብዙሓት ቅዱሳት አብ ሕይወቶም ከም ዝዕወቱ ዝገበሮም እዚ እዩ ንጽጉማት ምሕጋዝን ምፍቃርን ዝክአልና ክንሕግዞም እንከሎና ንርእስና ንቕደስ አሎና ማለት እዩ። ማዘር ተረዛ ሓንቲ ካብቶም ዝጥቀሱ ናይ ዘመና ቅድስቲ እያ አብ ልዕሊ ድኻታትን ጽጉማትን ብዝነበራ ሓልዮት እትፍለጥ እያ።

ብዓል ትንሣኤናን ናይ ሎሚ ንባባትናን ከም እዞም ክልተ አርድእቲ ንኢየሱስ አብ ዘይሓሰብዎን ዘይተጸበይዎን አብ መንገዲ ዝረኸብዎ ንሕና እውን ከምቲ ናቶም አብ ዝተፈላለየ እዋን ብዘተፈላለየ መልክዕ ክንረኽቦ ንኽእል ምዃና ፈሊጥና ክንረኽቦ። ንሶም አብ ልጡርግያዊ ስርዓት ቅዱስ መጽሓፍ ክገልጸሎም እንከሎ ክረኽብዎ ክኢሎም። ካልአይ አብ ምቝራስ ህብስቲ ከለልይዎ ክኢሎም። ንሕና ቅዱስ ቍርባን ክንቅበል ከሎና ሥጋን ደምን ክርስቶስ ንቕበል። ንሱ ብሓቂ ብመልክዕ ህብስትን ወይንን አብ መንጎና ይርከብ። ንሱ ሓድነትና እዩ ብአኡ ገሩ ኸአ ነቲ አብኡ ዘሎና እምነት ከም ንቕጽል ይገብረና። አብዚ ጊዜ ትንሣኤ እምብአር ምስ አምላኽ ዘራኽበና ሕይወት ለቢስና ንኢየሱስ ነለልዮ እሞ ንለአኮ ንሱ ሰላም ምሳኽትኩም ይኹን እናበለ ጉዕዞ ሰላም ሒዝና ክንጉዓዝ እሞ መንግስቲ አምላኽ አብ ኩሉ ክነብጽሕ እዩ ድለቱ። ነዚ የፈጽመና።
ርሑስ ብዓል ዳግማይ ትንሣኤ ንኹልኹም።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ










All the contents on this site are copyrighted ©.