2012-04-19 14:26:59

“ኢየሱስ ናዝራዊ” ተኸታታሊ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቦና ንምስማዐ-መጽሓፍ በቒዑ


እቲ ንንባብ ዝበቕዔ ኢየሱስ ናዝራዊ ዘረእስቱ ተኸታታሊ ብቕ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝተደረሰ መጽሓፍ ድሕሪ መጽሓፋዊ ዝርጋሔኡ እነሆ MP3 ተባሂሉ ብዝልለይ ደርፍን ድምጽን ምስልታት ኣሳእል ዝቕረጸሉ ባዚቃ፣ ብሓጺሩ ጭብጥታት ብጽቕጣ ዝሕተመሉ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቀ ቀጸላ RealAudioMP3 ተሓቲሙ ንስማዕ ከምዝበቕዔ ተሓቢሩ።
እቲ ንባብ መጽሓፍ ኢየሱስ ናዝራዊ ብናይ ስነ ጥበብ ተዋሳኢ ኡጎ ፓሊያይ ዝተፈጸመ ከምዝኾነን፣ እታ ቀጸላ ብወግዒ ትማሊ ኣብ ሕንጻ ራዲዮ ቫቲካን ማርኮኒ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ከምዝቐረበትን ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ዘረባ ዘስምዑ ኡጎ ፓሊያይ፣ ትንሳኤ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሰገር ኩሉ ታሪኽ ኮይኑ ኣብ ታሪኽ ኣሰር ዝሓደገ እዩ። እቲ ብቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዝተደረሰ መጽሓፍ መላእ ታሪኽ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገልጽን ዘስተንትንን ዘረድእን ክኸውን እንከሎ፣ ብምስማዐ-መጽሓፍ ቀሪጽካ ከተቕርቦ ብሓቂ ንሰማዒኡ ዝምስጥ እዩ። እቲ ምስማዐ-መጽሓፍ 9 ሰዓትን 53 ደቒቓ ዝወስድ ከምዝኾነን ገሊጾም፣ ቀጺሎም ኢየሱስ ናዝራዊ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 መጽሓፍ ብምስማዐ-መጽሓፍ ምቕራብ ዘለዎ ዕላማ ናይ ቫቲካን ቤት ማኅተም ኣመሓዳሪ ኣባ ጁዜፐ ኮስታ እንከመልክቱ፣ መጽሓፍ ንምንባብ ጊዜ ዝሓጽርን ዳርጋ ጊዜ እውን ዘየለን ኮይኑ ኣብ ዝነበረሉን ዝተረበጸ ዓለም ዝነብር ፍጥረት ሰብ ነኸስተንትን ዝድግፍ እዩ ምስ በሉ ኣብ ጀርመን ምስታ ናይ ቅዱስ ኣቦና መጽሓፍ ኢየሱስ ናዝራዊ ዝተተሓሓዘ ሰነዳዊ መደብ ንምድላው ምቅርራብ ይግበር ከምዘሎ እውን ሓቢሮም።
ተዋሳኢ ፓሊያይ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቦና ብድምጾም ተቐሪጹ ምስማዐ-መጽሓፍ ኮይኑ ንኽቅረጽ ዝተኻየደ ምድላዋት ቀሊል ከምዘይነበረን ብፍላይ ድማ ናይቶም ቃላት ጽባቔን ዓሚዩቕ መልእኽትን ብትኽኽል ንምቕራብ ዝተገብረ ጻዕሪ ዘኪሮም፣ እቲ ቅዱስ ኣቦና ብዘለዎም ሊቅነትን ጥልቂ መንፈሳውነትን ናይ ታሪኽን ናይ እምነትን ኢየሱስ ክርቶስ ታሪኽ ዝገልጽ ብቓላት ዝገለጽዎ ጽባቔን ጥልቅን መልእኽቲ ብድምጺ ንምቅላሕ መታን ክከልኣ ነቲ መጽሓፍ ብብሕትኻ ከተንንቦን ከተስተንትኖን ግድን ከምዝነበረ እውን ከምዝሓበሩ ተፈሊጡ።







All the contents on this site are copyrighted ©.