2012-04-19 14:26:44

ዓርቢ ስቕለት 2004 ዓ.ም. ( 13/4/2012)


ንባባት፡ ኢሳያስ 52፡13~53፡12፥ ዕብ. 4፡14~16 5፡7~9፥ ዮሓ 19፡16~ፍ

አጽነነ ርእሶ ኢየሱስ ወይቤ ተፈጸመ ኲሉ
ዓርቢ ስቕለት ፍልይቲ ዕለት ድኅነትና ዝተፈጸመላ እያ። ብፍሉይ ጸሎትን ጾምን ነብዕላ ንዝክራ አሎና። ተዘክሮና ነቲ ምእንታና ዝሞት ክርስቶስ መሲልና ክንክእል ንምሉእ ድኅነት አስተማቒርና ክንክእል ምእንቲ እዩ። ሕይወትና አብቲ አምላኽ ዝደልዮ አእቲና ንኃጢአት ክንመውት ምእንቲ እዩ። ዕለተ ዓርቢ ናይ ነፍስወከፍና መዓልቲ ኮይና ክትውዕል ኩልና ክንሳተፋ ንኹሉ ኃጢአትና ውድቀትና አንጺሕና ክንክእል እሞ ንአምላኽ ምስኡ ፍጹም ርክብ ገርና ንሓዲስ ሕይወት ክንጅምር ፍቓደኛታት ኮና ክንርከብ። ናይ ሎሚ ዓርቢ ስቕለትና አብቲ ናይ ግልና ድኽመትን ውድቀትን አቲና ክንርኢ እሞ ንአምላኽ ምሕረቱ ርኢና ክንክእል ሓግዘና ክንብሎ።
ሓደ መዓልቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ መንግስተ ሰማይ አማዕድዩ ጠመተ እሞ ብማዕዶ ይሁዳ አብ ኢዱ ንእሽቶይ ባኮ ተሰኪሙ ክመጽእ ረአዮ። ብማዕዶ ጸዊዑ ይሁዳ አበይ ትኸይድ አሎኻ ኢልዎ። ይሁዳ ኸአ ንአኻ ክርኢ በሎ፥ ጴጥሮስ ከአ ንስኻ ከሓዲ ንጎይታ አሕሊፍካ ዝሃብካ እሞ አብ ስቕለት ዘብጻሕካዮ ኢኻ ስለዚ አብዚ ክትመጸና አይግብአካን እዩ፥ ንምዃኑ ጸርካዮ ዘሎኻ እንታይ እዩ ኢሉ ሓቲትዎ ቅረብ እሞ ርኤ ኢልዎ ይሁዳ። ቅርብ ምስ በሎ ይሁዳ ነቲ ጸርዎ ዝነበረ ባኮ ክፍት አቢልዎ እሞ አብ ውሽጡ ተባዕታይ ደርሆ ርእዩ። ሽዑ ጴጥሮስ እንታይ እዩ እዚ ኢሉ ሓቲትዎ። ይሁዳ ኸአ ረሲዕካዮ ዲኻ እናበለ እቲ ደርሆ ነቀወ፥ ሽዑ ጴጥሮስ ሱቕ በለ ይሁዳ ሽዑ ሕጂኸ ትዝክር ዲኻ ኢልዎ፥ ንፉዕ ሰብ አይኮንካን አነ ንመምህርና አሕሊፈ ሂበዮ ንስኻ ከአ ክሒድካዮ ኢልዎ ይብሃል።
ዓርቢ ስቕለት ጥቕልል አቢልና ክንርእዮ ከሎና ኢየሱስ ንሞት ተፈሪዱ፥ ተሰቂሉ ደም ፈሲሱ ሞይቱ። ብኻልእ ሸነኽ ከአ ኲኖ እዚ እንርእዮ ዓቢ ስቓይ ዝኾኖ ጴጥሮስን ይሁዳን ካብቶም ዘፍቅሮም አርድእቱ ዝመሃሮም ንኹሉ ተአምራታት ክገብር ዝረአዩ ንስኻ መስሕ ኢኻ ዝብሉ ዝነበሩ ብድፍረት አሕሊፎም ክህብዎ ከለዉን ክሕደት ክወርዶ ክርኢ እንከሎ እዩ። ይሁዳ አሕሊፉ ክህቦ ካብ መአዲ ወጺኡ ብጸልማት ክኸይድ እንከሎ ክርእዮ እንከሎ ክንደይ ጉህዩ ይኸውን። ንጴጥሮስ እናአሳቐይዎ ክሓልፍ እንከሎ ምስ ረአዮ እንታይ ተሰሚዕዎ ይኸውን።
ሎሚ እውን ኢየሱስ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ይሳቐ አሎ፥ ብዙሓት ከም አምላኽ ክቕበልዎ ዘይደልዩ ክርኢ እንከሎ እሞ ስሙ ከካፍኡ ክርኢ እንከሎ። አብ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ብዙሓት ከሓድቲ መናፍቓን አብ ዝተፈላለየ እዋን ከምዝተንስኡ ንርኢ። አብዚ እዋና እውን መሊኦም ንኢየሱስ ከምቲ ንሶም ዝደልይዎ ገሮም እናአቕረቡ ዝጉዓዙ ንእምነት በቲ ናቶም መንገዲ ዝዝርግሑ ንብዙሓት አብ ገጋ ዘውድቑ ንርኢ ኢና። ንአምላኽ ተቐቢለዮ እናበልካ ንመገዲ ጥፍአት ሒዞም ዝጉዓዙ ውሑዳት አይኮኑን። ከም ይሁዳን ጴጥሮስን ይኽሕዱ ናቶም መገዲ ይመርጹ ንኢየሱስ ዳግም ይሰቕልዎ። እዚ ኹሉ ነቲ ናይ ክርስቶስ ትምህርቲ ዘይናቱ ትርጉም ንምሃብን ንግጉይ መገዲ ጥፍአት ንምሕባርን ዝኸውን እዩ። አብ ገለ እዋን ናይ ሓሶት መሲሓት መጺኦም ዘጋገይዎም ውሑዳት አይኮኑን። ናይ ሓሶት መናፍሕ ክንፋሕ እንከሎ ናይ ብዙሓት እምነት ፈተና ይበዝሖ። አንጻር ክርስትና ዝኾነ ክፉእ ክዝረብ እንከሎ ከምዘይናትና ገርና ንርእዮ። ምዉት ክርስትና ሒዞም ዝጉዓዙ ውሑዳት አይኮኑን።
ኩሉ እንተ ረኤና እሞ አብ ነፍስና እንተ ተመለስና ንሕና እውን ካብ ጥልመትን ክሕደትን ነጻ አይኮናን። ከም ጴጥሮስ ይሁዳ ዝገበሮ ጥራሕ ንርኢ፥ ነቲ ንሕና ዝገበርናዮ ብዝተፈላለየ መገዲ ዝኸሓድናዮ አይንርእን። ንገለ ትምህርትታቱ አይንአምነሉን ንገለ ከአ ንጠራጠረሉ እሞ ንኽሕዶ። ንኹሉ ጊዜ አሎና ንአምላኽ ዝኸውን ጊዜ ግን የብልናን። ይሁዳ ክርስቶስ ካብ ኩሉ ዝበለጸን ዝኸበርን እንከሎ ብሰላሳ ቅርሲ ሸይጥዎ። ንሕና እውን ምስ ሰብአዊ ድለታትና ክነዛምዶ ጥራሕ ከሎና ንሰብአዊ ሕግታትና ልዕሊ ናይ አምላኽ ሕግታት ክንርኢ ከሎና፥ ከይተናዘዝና ቅዱስ ቍርባን ክንቅበል ከሎና፥ አብ ቅድሚ ካልኦት ሓፊርና ወይ ፈሪህና ምዝራብ ብዛዕብኡ ክንአቢ ከሎና ወይ አብ ቅድሚ ካልኦት ጸሎት ምግባር ወይ ንክርስትናና ዝምስክር ምግባር ክንአቢ ከሎና ንኽሕዶ አሎና።
በዚ ዕለት ቤተ ክርስትያን ምእንቲ ድሕነትና ዝተኸፍለ ዋጋ ክንፈልጥ እሞ ክንምለስ ትደልየና አላ። ናይ ጠል ወይ በግዕ ደም አይኮነን ናይ አምላኽ ደም እዩ። እዚ ደም እዚ ምእንቲ ድሕነትናን ሕድገት ኃጢአትናን ዝተኸፍለ እዩ። ቤተ ክርስትያን ነቲ ምእንታና ዝፈሰሰ ደም ዓቢ ግምት ክንህቦ ትደልየና። “ብዋጋ ኢኹም ዝተዓደግኩም ስለዚ ንአምላኽ ብሰብነትኩም አኽብሮዎ” (1ቆሮ 6፡20)፥ ሽዑ ምስኡ ኮንኩም ንመናፍስቲ ሸይጣን፥ ናይ ሓሶት ሕመታ፥ መስሓቲ ተንኮላት ንአምላኽነት ኢየሱስ ዘኽሕዱ እሞ ንእምነት ዘሕድጉ ስዓርዎም ይብለና። በዚ ዕለት ቤተ ክርስትያን እምነትናን ተወፋይነትናን ክነሓድስ ትዕድመና አላ። ንኢየሱስ ብስብከትናን ምስክርነትና ክንቅበሎ፥ ክንሕልዎ፥ ክንከላኸለሉ።
ቶማስ ናይ ኢየሱስ ትንሣኤ ምስተጠራጠረ እሞ እንደገና ርእዩ ምስ አመነ ከምዚ ኢሉ፡ “ጎይታይን አምላኸይን” (ዮሓ 20፡28) ኢሉ እምነቱ ከም ዝሓደሰ፥ ከምቲ ጴጥሮስ ክሕደቱ ምስ ተረድኦ ዝተጣዕሰ እምበር ከም ይሁዳ ከይተመልሰ ዝሞተ፥ ዘይኮነስ ክንምለስ ንሕተት አሎና። ጴጥሮስ አብ ውድቀቱ ጥራሕ አይተረፈን ንኢየሱስ ሰለስተ ጊዜ አፍቅረካ እየ እናበለ ፍቕሩ ሓዲሱ ገሊጹ። ሎሚ ንዝተሰቐለ ክርስቶስ ክንርኢ ከሎና ንመስቀል ክንሳለም ከሎና ክንምለስ ትዕድመና አላ። ከምቲ አብ ሓንቲ ሓገር ንሰንደቅ ዓላምኦም ንባንደርኦም ድሕሪ ሓደ ዓወት ሓፍ አቢሎም ዘንበልብልዋ ሎሚ ንመስቀል ክርስቶስ አብ ልዕሊ ኃጢአት ዝተዓወተላ ዕለት ስለ ዝኾነ ዓወት ክንእውጅ አብ ልዕሊ ድኽመትናን ክፍአትናን እዋኑ እዩ። ኲኖ እዚ እንርእዮ መስቀል ክርስቶስ አሎ እዚ መስቀል አብ ክርስቶስ ከብጽሐና ምልክትና እዩ።
እዚ መስቀል ከም ሓደ ፊልትሮ እዩ። ከምቲ ፊልተር ንገፈል ንዘየድሊ ክሓልፍ ዝኽልክል ከምኡ መስቀል ክርስቶስ መጽረይና እዩ። ከምቲ ፊልትሮ አጽርዩ ዘሕልፍ ኢየሱስ ከአ ብመስቀሉ አጽርዩና እዩ። ንሱ ብስቅለቱ ንጽልኢ አልዩ አብ ክንድአ ፍቕሪ ዘሪኡልና። ንፍርሓት አልዩ ነጻነት አዊጅልና፥ ንቕንኢ አልዩ አብ ሓልዮት ቀይሩልና። ንሰይጣንን ንቅትለትን አልዩ ንአምላኽን ሕድገትን አምጺኡልና።
ኢየሱስ ሎሚ ተደናገጽቲ አይኮኑን ዘድልይዎ ዘለዉ ንአኡ ዝመስሉ መገዱ ዝኽተሉ ነቲ ንሱ ዝሓለፎ መገዲ ብአኡ ዝጉዓዙ እሞ ብሞት ዓወት ዝእውጁ እዩ ዝደሊ ዘሎ። ንሱ ብሓቂ ዝኽተልዎ እምበር ዝዛነዩ አይኮነን ዝደሊ ዘሎ። አብ ገተሰማኒ መጺእና ነፍሲ ወከፍና ምስኡ ክንወሃሃድ ክንጸሪ ክንቅየር ይደልየና አሎ።
ማርያም አደ ኢየሱስ ናይ እዚ ኩሉ አብነትና እያ። ብስቓይ ዝርከብ ፍቕሪ አብአ ኢና እንምሃሮ። ንሳ አብ እግሪ መስቀል ደው ኢላ ተስፋ አይቆረጸትን፥ ናይ ወዳ ስቕለት እውን ደው ክተብሎ አይደለየትን አብኡ ደው ኢላ ንርእሳ ምስቲ ስቕለት ሓዊሳ አብኡ እምነት ገራ አምላኽ ነዚ ዘስካሕክሕ ፍጻሜ ከም ዝቕይሮ አሚና ተጓዒዛ። ንሕና እውን አብ ቅድሚ ገተሰማኒን መስቀልን ከም ማርያም ክንከውን እሞ ንኃጢአት አብ ተስፋን ሕድገትን ክንቅይሮ ይዕድሙና።
እቲ መወዳእታ ዘይብሉ ፍቕሪ ኢየሱስ አብ መስቀል ምንጭን መሰረትን ናይ ኩሎም ምስጢራት እዩ። ስቓያቱ ምንጪ ዘለዓለማዊ ድሕነትና እዩ። እቲ አብ መስቀል ዝተሰብረ ሰውነቱ እቲ አብ መስቀል ዝወሓዘ ደሙ ንአና ናይ ሕይወት እንገራን ሓቂ ናይ ድሕነት ወይንን ኮይንልና። ካብ ጎኑ ዝፈሰሰ ማይ ምንጪ ጥምቀትና ኮይኑ ምስኡ የወሃህደናን መገዲ መንግስቱን አብ ሕይወትን ክንሳተፍ መገዲ ይኸፍተልና።
ብዙሓት አብ ትሕቲ መስቀል ኮይኑም ጣዕምን ትርጉምን መስቀል ከስተማቕሩ ምስጀመሩ ሕይወቶም ቀይሮም ፍሉይ ፍቕሪ ክርስቶስ ሒዝዎም ሕይወቶም ዝቐየሩ አለዉ። ብዙሓት ቅዱሳን ትርጉም መስቀል ስለ ዝፈልጡ ንቅድስና በቒዖም።
መስቀል ቀዳማይ መልእኽቱ ምሕረት እዩ። አብ መስቀል ነቶም ዝሰቕልዎ ምሒሩ፥ ልዕሊኡ ኸአ ነቲ ብሰንኪ ወለድና ዝአተወና ኃጢአት ስዒሩ ሕድገት ኃጢአት አምጺኡልና። ሎሚ ከቢዱ ዘሎ አምላኽ ምምሓር አብዩ ዘይኮነ ሰብ ክምሓር አይሓትትን እዩ ዘሎ። መስቀል እምብአር ምልክት ምሕረት ምዃኑ ክንዝክር እሞ ምሓረና ክንብል ሎሚ መዓልቱ እዩ።
አብ ትሕቲ መስቀል ቀሪብና ምሒረ አሎኹ ንበል። ክንምሕር ክንጉዓዞ ዝግብአና ነገራት አሎና።

ዕለት ዕለት መስቀልኩም ጸርኩም ስዓቡኒ ይብለና አሎ ክርስቶስ መገዲ መንገስተ ሰማይ ብዘይ መስቀል አይኮነን። ሞት ጸልማት ሸፊንዎ ንአምላኽ ክርኢ ጸጊምዎ ንዘሎ ልብና ሎሚ ስዒርና ከምቲ ፈያታይ ዘየማን መንግስተ ሰማይ ንስረቃ። አብ ትሕቲ መስቀል ብኽያት ሓዘን ዘይኮነ ክነርኢ ዝግብአና ዓወት አብ ክርስቶስ እዩ ክነርኢ ዘሎና። እሞ ሎሚ ኃጢአትና አብ ትሕቲ መስቀል ክሕጸበልና ምብሉእ እምነት ቀሪብና ምስ አምላኽን ሰብን ንተዓረቕ።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ።










All the contents on this site are copyrighted ©.