2012-04-19 14:30:49

ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ናይ ትምህርትን ስነ ጥበብን ባህል ማህበር


ኣብ ማሊ ማእከላይ ሰሜናዊ ከባቢ ዝርከብ ታሪኻውን ባህላውን ጥንታዊ ቅርስታት’ታ ሃገር ካብ ሓደጋ ንምድሓን ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ናይ ትምህርትን ስነ ጥበብን ባህልን ማህበር RealAudioMP3 ጻውዒት ከምዝቐረበ ክፍለጥ እንከሎ፣ እቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣቢያተ መዝክር ዝርከብ ታሪኻዊ ጥንታዊ ሰነዳትን ብራናታትን ብፍላይ ድማ እቲ ኣብ ኣህመድ ባባ ናይ ምስልምና ሃይማኖት ናይ መጽናዕቲ ማእከልን ከምኡ እውን ኣብ ቲምቡክቱ ናይ ባህሊ ማእከል ዝርከቡ ቅርስታት ንንግድ ምቕራብ ገበነይናታትን ዝፍጽመዎ ዘለዎ ተግባር ደው ክብል ናይቲ ናይ ዓለም ሓቆፍ ማኅበር ጠቕላሊ ኣመሓዳሪት ኢሪና ቦኮቫ ጻውዒት ከምዘቕረባን እቲ ኣብ ቲምቡክቱ ዝርከብ ናይ 12ን 15 ክፍለ ዘመን ብዓረብን ብናይቲ ከባቢ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝተደርሱ ናይ ቲዮሎጊያን ስነ ቁጽርን ስነ ሕክምናን ስነ ከዋኽብትን ስነ ሙዚቃን ዝምልከቱ ባህላዊ ሰነዳትን ቅርስታትን ብራናታትን ንሓደጋ ተቓሊዖም ከምዝርከቡን፣ ቲምቡክቱ ናይ ዓለም ታሪኻዊ ሃብቲ ተባሂሉ ክዕቀብ ብሕቡራት መንግሥታት ዓለም ናይ ትምህርትን ስነ ጥበብን ባህልን ማህበር ከምዝተወሰነ ገሊጸን፣ ድሮ ብዙሕ ባህላዊ ቅርሲ ይጠፍእ ከምዘሎ ኣመልኪተን እቲ ዝርኤ ዘሎ ጸረ ባህላዊ ተግባር ደው ክብል ጻውዒት ከምዘቕረባ ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.