2012-04-19 14:31:50

ቀዳም ሥዑር 2004 ዓ.ም. 4/14/2012


“እመስቀሉ ክርስቶስ ውስት ሲኦል ወሪዶ ለጸላኢ ቀተሎ ርእሶ መተሮ”
ንባባት 2ቆሮ 5፡6~ፍ፥ 1ጴጥ 3፡15~ፍ፥ ግ.ሓ. 3፡12~4፡5፥ ማር 16፡1~7
ምስባክ፡ አንሰ ሰከብኩ ወኖምኩ፥ ወተንሣእኩ እስመ እግዚአብሔር አንሥአኒ ኢይፈርህ እምአእላፍ አሕዛብ። “ተገምሰስኩን ድቃስ እውን ወሰደኒ፥እግዚአብሔር ስለ ዘተንስአኒ ካብቶም አእላፍ አሕዛብ አይፈርሕን እየ” መዝ. 3፡5
ቀዳም ስዑር ኢልና ንጽውዖ ንዝተፈላለየ ምኽንያት፡

አብ ቅዳሴ አትናቴዎስ ንቀዳም ስዑርን ንእሑድ ሰንበትን እንኬነጻጽር “ንዑ ናልዕላ ለበኲረ በዓላት እንተ ይእቲ ሰንበት ክርስትያን ቅድስት. . . ኦዛቲ ዕለት ለነብያት ተዐውቀት እምኀበ ሕዝበ አይሁድ ተሰወረት ወበኀቤነሰ ፍጹመ አስተርአየት. . . . ለእለ ሶሙኑ ትነግሥ. . . ኦዛቲ ዕለት እንተ ባቲ እኪት ተስዕረት ሓድስ ጸንዓት ኦዛቲ ዕለት እንተ ባቲ ሙቁሓን ተፈትሑ ወአግብርተ ግዕዙ” እናበለ ናይ ክልቲኡ ሰናብቲ አብ እምነት ዘሎ ርድኢት ይገልጽ።
አብ ጸሎተ ሃይማኖት ከም ንደግሞ ብሳልሳይ መዓልቱ ናብ ስኦል ወረደ እናበልና ነቶም ተሞቊሖም ዝነበሩ ሓራ ዘውጽአሉ ዕለት ምዃኑ ንገልጽ። አብ 1ጴጥ 3፡19 “በዚ መንፈስ እዚ እውን ከይዱ ነቶም አብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ነፍሳት ድኅነት ሰበኸሎም” ይብል።
ነዚ ክርስቶስ ዘበሰሮ ክነመልክት ኢልና ብመዓልቲ ቀዳም ስዑር ሰቲ ይዕደል እዚ ኸአ ገብረ ሰላም በመስቀሉ ትንሣኤሁ አግሃደ” እናበልና እናዘመርና ንፍጽሞ። ሰቲ ናይ ሰላም ናይ ሓጎስ ምልክት እዩ። ኢየሱስ ኢየሩሳሌም ክአቱ እንከሎ ሰቲ ሆሣዕና እናነስነሱ ተቐቢሎሞ።
“እመስቀሉ ወሪዶ ውስተ ሲኦል ሙቁሓነ ፈትሓ፥ ሰበከ ሎሙ ግዕዛነ፥ ዘውእቱ አግዓዘነ እምአርዑተ ኃጢአት፥ አቅረበነ ኀቤሁ በሥጋ እምድኅረ ሓመ በሥጋ. . . “ ዝብል ዜማ ይዝየም ብዕለት ቀዳም ሥዑር። በዚ ዕለት ዓለም ነቲ ምእንቲ ድኅነትና ዝመጸ ክርስቶስ ቀቲላቶ አብ ትሕቲ ምድሪ ቀቢራቶ። አብ ጊዜ ሞቱ ንዓለምና ዝገጠማ ብመዓልቲ ዓርቢ ሽቕለት ምሸት ከምዚ እናበልና ንጽሊ “ፀሐይ ጸልመ ወወርኅ ደመ ኮነ፥ አድለቅለቀት ምድር ወተከሥቱ መቃብራት” (ዘ፱ቱ ሰዓት)።
አብ አፍደገ ትንሣኤ ስለ ዘሎና ፍሉይ አትኵሮ ገርና ምስ ክርስቶስ ክንትንሥእ ነፍስወከፍና ክንገብሮ ዘሎነ ነገራት አሎና።

ክርስቶስ መጨረሽታ ቃል ዝበላ “ተፈጸመ ኩሉ” እያ። ንኹሉ ፈጺምዎ፥ ንደቂ ሰብ ዕርቡን ድሕነት ከፊሉልና። አፍደገ ሰማይ ከፊቱልና ምእታው ጥራሕ ተሪፉና። አብዚ ግጉይ ትምህርቲ ዝምህሩ አለዉ ኩሉ ክርስቶስ ስለ ዝገበረልና ካባና ሓንቲ አየድልን፥ ምስጢራት መብዝሕትኦም አየድልዩን ብዙሕ ካብ ዓምዲ እምነትና አየድልን ዝብሉ አለዉ እዚ ግን ጌጋ እዩ። ናታትና እሽታን ነቲ ዝወደቕናዮ ክንክሕስ ይግብአና። ርግጽ አምላኽ ኩሉ ገሩልና እንተኾነ ንሕና እንገብሮ ናታትና ተራ አሎ። አብዚ ዕለት ታራና ክንገብር እዩ ዝድለ ዘሎ። አነ ክድሕን ብወገነይ እንታይ ክገብር ክንብል። ድኅነትና ከሰክፈና አለዎ። ብስም ክርስቶስ ሞተለይ ኩሉ ተወዲኡ ኢልካ ዳንከራ ምህራም ትርጉም የብሉን። ሕይወትና ምአዝኑ ርኢና ንኽአል እሞ ሽዑ ክንድሕን ኢና። ምኽንያቱ ሒዝናዮ ዘሎና መገዲ ብሓቂ ክንርእዮ እንተ ኸአልና ቅኑዕ እንተኾነ ዝበለጸ ንመርሽ ንቕድሚት፥ ካልእ ጓል መገዲ ሒዝና ንደናገር እንተሎና ግን ንመለስ። ሎሚ መገዲ ክርስትስ እንረኽበላ ዕለት እያ።
ሓወይ ሓፍተይ ምስ ክርስቶስ ክትንስእ ስንድው ዘሎኻ ንበሃሃል። ኩሉ ተቐሪቡ እዩ ምስ አምላኸይ ፍጹም ውህደት ገረ ንትንሣኤ ቅሩብ እየ ኢልና አብ ሕይወትናና ንተአማመን እንተ ኾና “አብ ሓጎስ ጎይታኻ/ኺ እተዉ እዩ ዝብለና”። እሞኸ ስንድዋት ዘሎና ሽምዓና አብሪህና አብ ሓጎስ ትንሣኤ ክንሳተፍ። ብሓቂ ዓቢ ጉዳይ እዩ እሞ ናይ ኩልና ተሳትፎ ይሓትት። ዓቢ ጉዳይ ብናይ ኩሉ ተሳትፎ እዩ ዝምዕርግ እሞ ኩልና ብሓደ መንፈስ ንበገስ ምስ ክርስቶስ ክንትንስእ።
በትንሣኤከ አንሥአኒ እናበልና ንትንሣኤ ቅሩባት ንኹን ባዕሉ መንስኤ ሙታን ክርስቶስ ጸጋ ትንሣኤ ዓዲሉ ብሩኽ ርእሰ በዓልት ይግበረልና።
ንኹልኹም ብሩኽ ትንሣኤ እብል
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ









All the contents on this site are copyrighted ©.