2012-04-19 14:28:49

ሶሪያ፣ ብፁዕ ኣቡነ ዘናሪ፦ “ብስም እግዚኣብሔር እቲ ዓመጽ ደው ክብል”።


ኣብ ሶሪያ ቶኽሲ ደው ንምባል ዝተበጽሔ ስምምዕን ኣብታ ሃገር ምርኻብ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ተዓዛቢ ኣካልን ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ግጭት ደው ከምዘየብሎ ክምልከት እንከሎ፣ RealAudioMP3 በቲ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ውሽጢ ልዕሊ ኣርብዓ ዜጋታት ሶሪያ ከምእተቐትሉ እንክምልከት፣ እቲ ኣብታ ሃገር ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረትን ግጭትን ደው ንምባል ብመንግሥታትን ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ደረጃ ብዙሕ ጻዕሪ ይካየድ ከምዘሎን፣ ናይ ሶሪያ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒ. ዋሊድ ኣል ሙኣለም ናብ ፐኪንግ ትማሊ ከምዝኸዱን ቀጺሎም እውን ኣብ ሞስኮ ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም እንክንገር፣ ብዙሓት ሃገራት ዓረብ ካብቲ ምስ ርእሰ ብሔር ኣሳድ መንግሥቲ ዝነበረን ቅርበት የንሳሕባ ከምዘለዎ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ብዛዕባ ኅልው ኩነታት ሶሪያ ኣመልኪቶም ኣብታ ሃገር ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብፁዕ ኣቡነ ማሪዮ ዘናሪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ኣብ ሶሪያ ተባሪዑ ዘሎ ዓመጽ ደው ክብል ቅዱስ ኣቦና ዘመሓላለፍዎ ጻውዒት ዘኪሮም፣ ብስም እግዚኣብሔር ዓመጽን ውግእን ደው ክብል ሓደራ ኢሎም።
እቲ ቶኽሲ ደው ንምባል ዝተበጽሔ ስምምዕ ኣብ ሓደጋ ከምዘሎን እቲ ዝቕጽል ዘሎ ዓመጽ ከምዘረጋግጾ ሓቢሮም፣ እቲ ዘሎ ኅልው ኩነታት ሶሪያ ተስፋዊ ከምዘይኮነን፣ ነዚ ተኸሲቱ ዘሎ ሁከትን ዓመጽን ደው ንምባል ናይ ዓለም ሓቆፍ ማኅበርሰብ ጻዕሪ ይቕጽል ኣሎ። ቅዱስ ኣቦና ብተደጋጋሚ ናይ ሰላምን ተጻባእቲ ኣብ ዘተ ከድህቡን ዘቕርብዎ ዘለዎ ጻውዒት ክትግበር ተስፋ እገብር ቢሎም፣ ዓለም ሓቆፍ ማኅበረሰብ ኣብ ጉዳይ ሶሪያ ተባዕ ውሳኔ ከመሓላልፍ እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኅልው ክነታት ዝጠልቦ ሓላፍነት ኢዩ ኢሎም።
ኣብ ሲሪያ ናይ ላቲን ሥርዓትን ናይ ምሥራቕ ሥርዓትን እትኽተልን ካቶሊክ ቤተ ክርስታይን ከምኡ እውን እቲ ዝሓለፈ ሰንበት ብናይ ኦርቶዶክስ ኣቢያተ ክርስትያን ዝበዓለ በዓለ ትንሳኤ ዘእግዚእነ ብዙሕ ሱታፌ ዝተገብረሉ ከምዝነበረን፣ እቲ ንሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝህቦ ሰላም ክምስከር ጻውዒት ዝቐረበሉ በዓለ ትንሳኤ ኢዩ ኔሩ ኢሎም። ነቲ ዝመዛበል ዘሎ ሕዝቢ ሓገዝ ከምዘድልን ኣብዚ መዳይ ብሓቂ ሕዝቢ ብዘይ ኣፋላላይ ዘርእዩ ዘሎ ምትሕብባር ዝነኣድ ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ኣብታ ጽዑቕ ውጥረት ኣብ ዝርኣየላ ዘሎ ሆምስ ከተማ ሶሪያ ዝሓለፈ ሰንበት እቲ ብኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ክብዕል ዝነበሮ በዓለ ትንሳኤ ከምቲ ጉቡኡ ንምብዓል ከምዘይኣኽኣለ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ካብ ናይ ሶሪያ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ዝተውሃበ ሓበረታ ጠቒሲ እንከመልክት፣ ብዙሓት ኣቢያተ ክርስትያን ከምዝዓነዋን እዚ ኩነት’ዚ እቶም ናይቲ ውግእን ውጥረትን ተዋሳእቲ ሓይልታትን ኣካላትን ንኸስተንትኑ ውግእን ውጥረትን ይኣክል ንኽብሉ ዘተባብዕ ክኸውን ካብ ማኅበረ ክርስትያን ጻውዒት ከምዝቐረበ ገሊጹ።
ዝሓለፈ ዕለት 8 ሚያዝያ 2012 ዓ.ም. ብላቲን ሥርዓት ዝበዓለ በዓለ ፋሲካ ኣቢያተ ክርስትያን ስለ ዝዓነዋ ኣብ ዝተፈላለየ መዕቆቢ ስፍራታት ክበዓል ከምዝደረኸን ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ፣ ሕዝቢ ናብ ዮርዳኖስን ሊባኖስን ቱርክን ይመዘበል ከምዘሎን፣ ከምቲ ኣብ ግብጽን ዒራቕን ዝርኤ ዘሎ ጸረ ክርስትያን ዓመጽ፣ ኣብ ሶሪያ እውን ይራአይ ከምዘሎን፣ ማኅበረ ክርስትያን ሶሪያ እዚዩ ንሓደጋ ተቓሊዑ ከዝርከብ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ህልው ኩነታት ዝምስክሮ ምዃኑ የመልክት።







All the contents on this site are copyrighted ©.