2012-04-19 14:33:29

ሰንበት ዘትንሣኤ 2004 ዓ.ም. (15/4/2012)


“ዮም ፍሥሓ ኮነ በሰንበተ ክርስትያን እስመ ተንሥአ ክርስትስ እሙታን”
መዝሙር ይትፌሣሕ ሰማይ ወትትሐሠይ ምድር.. . . ።
“ሎሚ አብ ሰማያት ዐቢይ ታሕጓስ ኮይኑ እዩ፥ ምድሪ ከአ ብደም ክርስቶስ ተሓጺባ ፋሲካ ትገብር አላ፥ ትንሣኤኡ በሰንበት ገበሮ ከም ነዳዲ እሳት ናብ ሲኦል ወረደ፥ አብኡ ነቲ ማዕጾ ሓጺን ሰበሮ፥ አብ ሳልሳይ መዓልቲ ንሞት ሰዓሮ ንኃይሊ ጸልማት አባረሮ” ይብል።
ንባባት፡ ሮሜ 6፡3~11፥ 1ጴጥ 3፡17~24፥ ግ.ሓ. 2፡22~27፥ ዮሓ 20፡1~9
ስብከት፡ ወተንሥአ እግዚአብሔር ከመ ዘንቃሕ እምንዋም፥ ወከመ ኃያል ወኃዳገ ወይን፥ ወቀተለ ጸሮ በድኅሬሁ። “ሽዑ እግዚአብሔር ከምቲ ኻብ ድቃሱ ዚትንሥእ ሰብ ተንሥአ፥ ከምቲ ነቢት ሰትዩ ዝዕንድር ጀግና ኾይኑ ተንሥኤ” መዝ። 78፡65~66
    ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር፥ ንትፈሳሕ ወንትሓሰይ ባቲ፥ ኦ እግዚኦ አድህንሶ። “እቲአ እግዚአብሔር ዝገበራ ዕለት እዚአ እያ፥ ብአአ ንተሓጎስን ባህ ይበለናን፥ ኦ ጉይታ አድኅነና” መዝ 118፡ 24~25።

ዘመነ ፋሲካ 6ተ ሰናብቲ ዝሓዘ እዩ። ፋሲካ ማለት ምስጋር ማለት እዩ። እስራኤላውያን አብ ግብጺ ከለዉ መልአኽ እግዚአብሔር እናተሳገረ ነሓፎም። ካብ ባርነት ናብ ሓርነት ተሳገሩ፥ ባሕሪ ኤሪትራ ተሳገሩ፥ ንሓዲስ ኪዳን ግን ፋሲካ ብጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሞት ናብ ሕይወት ዝተሳገርናሉ የዘኻኽረና ክርስቶስ ብትንሣኤኡ ንሞት ዝሠዓረሉ ንሰይጣን ዝአሰረሉ ናብ ሲኦል ወሪዱ ንአዳም ምስቶም ዝጸደቑ ደቁ ዘውጽአሉ መንግስተ ሰማይ ከፊቱ መሪሕዎም ዝአተወሉ ቦዅሪ ትንሣኤና ዝኾነሉ ዘዘኻኽር መዓልቲ ፍስሓን ታሕጓስን እዩ። “ክርስትስ ካብ ሙታን ስለ ዝተንስኤ ሎሚ ብሰንበት ክርስትያን ታሕጓስ ኮነ ንአአ ካብ ኩለን መዓልታት ቀደሳን አኽበራን አልዓላን ብሓቂ ካብ ሙታን ተንሢኡ እዩ”። እናበልና ንጽሊ።
ወንጌላውያን መቓብር ጥርሑ ከም ዝጸንሐ ይነግሩና፥ እተን ቀዳሞት አብ መቓብር ዝኸዳ ክልተ ማርያም እየን። ቅድሚ ምኻደን ብፍርሓት ተዋሒጠን እንታይ ኮን ክጸንሓና እዩ፥ ነቲ እምኒ አብ መቓብር ዘሎኸ መን ከልዕለልና እዩ እናበላ ብፍርሃት እየን ዝኸዳ ዝነበራ። አብ ዓድና መቓብር አይድፈርን እዩ ወረ ገለ እዋንስ አጋንንቲ ዘልኦ ኮይኑ እዩ ዝርድአና እቶም እንፈትዎም አሕዋትና ወለድና ዘለዎ ቦታ ቦታ አጋንንቲ ጌርና ንሓስቦ እሞ ንፈርሕ፥ አብ ገለ ሰባት ዝተጸለሉ ብቀትሪ እንድዩ ብመቓቢር ሓሊፉ ዝብሃል አሎ ብሓጺሩ መቓብር የፍርሕ እዩ። እዘን ክልተ አንስቲ አብ መቓብር ከበጽሓ ደልየን ግን ፍርሒ ሒዝወን ነሩ።
ክትንሥእ እየ ኢሉ እኳ እንተ ነበረ ዝአመነ አይነበረን፥ ንሳተን እውን ከምኡ። አብ መቓብር ምስ በጽሓ ጥርሑ ጸኒሕወን እቲ መግነዝን ክዳንን ብሓደ ወገን ተነቢሩ ረኸባኦ ይብልና። ጥርሑ ዝጸንሔን መቓብር ሓዲገን ነርድእቱ ክነግራ ጎየን ከዳ አብ መገዲ ጵጥሮስን የውሃንስን አብ መቓብር ገጾም ክኸዱ ረኸባኦም ጥርሑ ዝኾነ መቓብር ከም ዝረኸባ ነገራኦም፥ ጎየም ከዱ እቲ ንኡስ ረድኢ ርእዩ አመን ይብልና ወንጌል።
እዞም ቀዳሞት ተኸተልቲ ክርስቶስ ነቲ ዝርእይዎ ክአምኑ አጸጊምዎም። ነቲ አብ ከባቢኦም ዝገጠሞም ክአምኑ ክርእዩ አይከአሉን። ሎሚ አነን ንስኹምን ናብቲ ጥርሑ ዝጸንሔ መቓብር ገጽና ከም ንኸይድ ዘሎና ገርና እሞ ንሕሰብ ሽዑ አብ ትንሣኤ ክንበጽሕ ኢና አብ ጥርሑ ዝኾነ መቓብር ከይባጻሕና አብ ትንሣኤ ክንሳገር ከጸግመና እዩ። ንዝተንሥኤ ኢየሱስ ክነርክብ ክንሓልፎ ዘሎና ጉዕዞ መንፈስ አሎና። አብ ልብና ተመሊስና ንኢየሱስ ክንረኽቦ እሞ ክነለልዮ ነፍስወከፍና ክንብገስ አሎና ሽዑ ንዝተንስሥኤ ክርስቶስ ክንረኽቦ ክነለልዮ ኢና።
ምስ ማርያም መግደላዊ አብ አፍደገ መቓብር ኮና ንኢየሱስ ክንደልዮ፥ ወንጌል ከም ዝነግረና ማርያም መግደላዊት ምስ ኢየሱስ ፍሉይ ርክብ ነርዋ ሓንሳብ ምስ ሰዓበቶ አብ ሕይወታ ምስአ ክነብር ደልያቶ ቅድሚ ኩሎም ምስ ሞተ እውን አብ መቓብር ደልያቶ አብቲ ቦታ ፍርሕና ቦታ አጋንንትን ዝሕሰብ ብለይቲ ክትረኽቦ ከይዳ። አይሁድ ከም ዝቐተልዎ እሞ ከም ዝተቐብረ ብዓይና ርእያ ነራ እንተ ኾነ ነቲ ዝነበራ ፍቕሪ ክትዓግቶ አይከአለትን አብቲ ዝተቐብሮ ብለይቲ ተንሲአ ከይዳ። ንማርያም መግደላዊት ካብ ኢየሱስ ምፍላይ ሞት እዩ ነሩ። ፍቕሩ ንልባ ተንኪፍዋ ልዕሊ ኹሉ ገራ ክትርእዮ ግድን ኴንዋ። ኩሉ ጸጊምዋ እናበኸየት እንከላ ንመጀመርያ ንአአ ተራእይዋ፥ ሕጂ እውን ክተላልዮ አጸጒምዋ ብስማ ምስ ጸውዓ ግን አላልያቶ፥ እቲ ቀደም እትፈልጦ ድምጺ ጎይትአ ምስ ሰምዐት ዓይና ተኸፊቱ ከተለልዮ ክኢላ አሰንያቶ። ወዮ ሓላው ጀርዲን ዝመሰላ መምህራ ምዃኑ ፈሊጣ ረብኑ እናበልት አብኡ ቀሪባ ንብዓታ አብ እግሩ አፍሲሳ። ብስራት ትንሣኤ ምስ ሰምዔት ንርእሳ ጥራሕ አይሓዘቶን ክትሰብኽ ክትነግር ከይዳ በዚ ናይ ሓዋርያት ሓዋርያ ተባሂላ።
ማርያም መግደላዊት ንኢየሱስ ክስብ እትረኽቦ ደው አይበለትን አይቀሰነትን ምስ ረኸበቶ ሓጎሳ ንኻልኦት ክተካፍል ጎያ ከይዳ ንጎይታ ረኺበዮ እናበልት ንሶም እውን ክረኽብዎ ዓዲማቶም። አብቲ ኢየሱስ ዝረከብቶ ቦታ አብጺሓቶም አብዚ ቀዳመይቲ ሰባኺት ትንሣኤ ክርስቶስ ኮይና። ብዙሕ ዘፍቅር ብዙሕ ይፍቀር። ማርያም መግደላዊት አብነት ናይ ኩልና እያ። ንሳ ንኢየሱስ ብልባ አሚና ተኸቲላቶ ብሕይወቱ እንከሎ ተገልግሎ ነራ አብ ጊዜ ሕማሙ ስቕለቱ ካልኦት ኩሎም ክሃድሙ ምስ ማርያም አዲኡ ኮይና ክስባ ዝቕበር ደው ኢላ። ድሕሪ ሞቱ ንትንሣኤኡ ቀዳመይቲ አብሳሪት ኮይና፥ ሎሚ ካብ ማርያም ብዙሕ ክንምሃር ንኽእል ኢና።
ሎሚ ንክርስቶስ ምልላይ ስኢና አብ ካልእ አድሂብና እንነብር ውሑዳት አይኮናን፥ ክርስቶስ ጠፊኡና መይቱና አይኮነን ስኢናዮ ዘሎና ናይ ባዕልና ጸልማት ፈጢርና ተፈሊናዮ አሎና። ጸልማትና ተቐንጢጢ ክእለ ብርሃንካ ሃበና እሞ ጩራ ትንሣኤ ክንርኢ ንበሎ። ሎሚ አብ ብርሃን ክርስቶስ አቲና ምሕረት ክንሓትት እሞ ርኢና ክንክእል። መገዲ ክንሕዝ ብቐትሩ ክርስቶስ ተንሢኡ እዩ ኢልና ክንእውጅ።
ትንሣኤ ክርስቶስ መሰረት እምነትና እዩ። ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ “ክርስቶስ ዘይተንሥኤ እንተ ደአ ኮይኑ እምነትና ብላሽ እዩ”፥ ትንሣኤ ፍሉይ ንተሓድሶ እምነትን ሕይወትን ንኹልና አብ ሓደ መአዲ ክንዕንገል ዝዕድም እዩ። አብኡ ክንሓብር ብሕይወትና ክንትንሥእ እሞ ዝተሓደሰ ሕይወት ክንለብስ እሞ ነቲ ዝተንሥኤ ክርስቶስ ክንሰብኽ መብጽዓና እንሕድሰሉ ዕለት እዩ።
ትንሣኤ አብ ገዛ ተአኪብና ብወኻዕኻታ እነሕልፎ ብዓል አይ ኮነን ንዝተንሥኤ ክርስቶስ ክንሰብኽ እንብገሰሉ አኽሊል ክርስትናና ደፊእና ነቲ አቦ ትንሥኤ ኩልና ዝኾነ ክርስቶስ አብ ኩሉ ክነብጽሖ ብዝተሓደሰ መገዲ እንብገሰሉ ዕለት እዩ። ክርስቶስ ብትንሣኤኡ ሞት መወዳእታ ከምዘይኮነ ገሊጹልና። ሞት አፍደገ ናብ ሓዲስ ሕይወት ስለ ዝኾነት ንሞት መሰጋገሪት ገርና ክንርእያ። ሞት ብአአ ናብ ካልእ እንሓልፈላ እምበር ሞት መወዳእታ አብአ ገጸና እንጉዓዛ አይኮነትን። ጊዜና ይውዳእ የለን ይጅምር እዩ ዘሎ። ምስ ክርስቶስ ሓዲስ ሕይወት ስለ ዝለበስና።
መዓልቲ ትንሣኤ መዓልትና እያ። አብ ዘረባና ሓደ ሰብ ጽቡቕ እንተ ገበረ ወይ እንተ ገጠሞ መዓልትኻ እያ ንብሎ ሎሚ መዓልቲ ኩልና ፍልይቲ ዕለት እያ። ዓው ኢልና ከም ማርያም መግደላዊት ጎይታና ሕያው እዩ ክንብል እሞ ብዝበለጸ ብሕይወትና ሕያው ክንገብሮ ካልኦት አባና ኢየሱስ ከም ዝርእዩ ክንገብር። አብ ሕይወትና ተመሊስና አባይ መን ይርኤ አሎ። ሰባት ካብ ሕይወተይ ካብ ግብረይ ዘረባይ መን ይርእዩ። አብ መዓልቲ ትንሣኤ ሰባት አባይ ኢየሱስ እንተ ዘይረአዩ ገና ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን ኢለ አይዘመርኩን አሎኹ ማለት እዩ። ሎሚ ንሕና ከም ጥርሑ ዝጸንሔ መቓብር ዘይኮነ ክርስቶስ ከም ዝተንሥኤ መረጋገጺ ኢና። በዚ ኩነት ክነብር ከሎና ኩርዓት ይስምዓና ንጥርሑ ዝኾነ መቓብር በሊጽናዮ ክንርከብ ናታትና ፍሉይ ሕርየት እዩ። ሎሚ ኢየሱስ አበይ ከይዱ ወይ አበይ አሎ ኢልና እንሓተሉ እዋን አይኮነን አባይን አባኹምን ክርኤ አለዎ። አብ ገዛኹም አብ ስራሕኩም አብ ኩሉ ንዝተንሥኤ ክርስቶስ ሕያው እንገብሮ ንሕና ኢና። ሎሚ ንክርስቶስ ሕያው ክንገብሮ መብጽዓና ንሕድሰላ ደቁን ፍቑራቱን ኮና ክንልአኾ ክንሰብኮ ተኸተልቲ እንብዝሓሉ ንሕና ኢና።
ትንሥኤ ሰናይ ወረ ጥራሕ አይኮነን ሓይሊ ሂቡ ንኹሉ መዓልታዊ ስቓያትናን ጸገማትናን ከም እነሸንፍ ዝገብር እዩ። እዚ እዩ አብቶም ቀዳሞት ተኸተልቲ ክርስቶስ እንርእዮ። ቅዱስ አጎስጢኖስ ንቀዳሞት ክርስትያን ንስኻትኩም ናይ ትንሣኤ ህዝቢ ደቂ ትንሣኤ ኢኹም ስለዚ መዝሙርኩ ሃሌ ሉይ እዩ እናበለ ንምእመናኑ ይጽሕፈሎምን ይሰብኮምን ነሩ። ሎሚ ንሕና ከም ናይ ትንሣኤ ሰባት ሕይወትና ፍሉይ እዩ ማለት ተግባርና ቋንቋና ኩሉ ተቐይሩ እዩ። ሓደስቲ ፍጥረት ኢና። እዚ ሃሌ ሉያ ዝብል መዝሙር ሓጎስ ብፍሉይ መግለጺ ክንርድኦ ንኽእል። ከም የቐንየለይ አምስግነካ አሎኹ ንዝተገብረልካ ብልብኻ ምምስጋን እዩ። ተገሩልና ክርስቶስ ተበጅዩልና ሕጂ ኸአ ደቂ ትንሣኤ ገሩና አሎ።
ብ1722 ዓ.ም. ሓደ ባሕረኛ ወዲ ዳች ብባሕሪ እናተጓዕዘ ሓንቲ ሰባት ዘይዳህሰስዋ ደሴት ረኸበ ይብሃል። ብአጋጣሚ እታ ዝረኸበላ መዓልቲ ትንሣኤ መዓልቲ እያ ነራ ዝለዚ ደሴት ትንሣኤ ኢልዋ ይብሃል። ሓደ እዋን ሓደ ሰባኻይ ነዚ መሰረት ገሩ ክሰብኽ እንከሎ ንሕና ንትንሥኤ ከም ደሴት ርኢና አብ ዓመት ሓደ ጊዜ ጥራሕ እንኸዶ እሞ አብ ቦታና እንምለሶ እነብዕሎ ገርና ንዝኽር እንተኾና ንጋገ አሎና። ትንሣኤ አብ ደሴት ዘይኮነ አብ ቀንዲ መሬት እዩ ዘሎ ብኻልእ አዘራርባ ንትንሣኤ አብ ዓመት ሓደ ጊዜ ዘይኮነ ክንዝክሮ ዘሎና ዕለት ዕለት እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሰንበት ዕለተ ትንሣኤ እተዘኻኽረና እያ። አብ ዓመት ሓደ ጊዜ ጥራሕ ዘይኮነ ዕለት ዕለት ደቂ ትንሣኤ ኮና ፍሉይ ፍቕሪ ክርስቶስ ክነርኢ አብ መአዲ ቅዱስ ቍርባን ተሰሪዕና ምስኡ ፍጹም ሓድነት ክንገብር ሎሚ ዕለቱ እዩ።
ሓደ ካብቲ ፍሉይ ነገር አብ ርክብ ክርስቶስን አርድእቱን ድሕሪ ትንሥኤ እንርእዮ ኩሎም ብሓንሳብ አብ ሓደ መአዲ ይሳተፉ። ኢየሱስ ምስ ኩሎም አብ መአዲ ኮይኑ ክበልዕ ክቖርሰሎም ክህቦም ንርኢ። ሎሚ ድሕሪ ክልተ ሽሕ ዓመት አብ መንጎና አብ መአዲ ቅዱስ ቍርባን ሓዲሩ ክንሳተፎ ይደሊ አሎ። ትንሣኤና ምሉእ ዝኸውን ሥጋን ደምን ክርስቶስ ተቐቢልና ምስኡ ሓደ ክንከውን ከሎና ኢና።
ጣዕሚ ትንሣኤ ትንሣኤ ብፍሉይ ዘስተማቐረትን ዝረአየትን ማርያም እያ፥ ንቀዳመይቲ ማሕበር ክርስቶስ አብ ሕይወት ትንሥኤን ምስጢርን እትመርሕ ዝነበረት ማርያም እያ ሎሚ እውን መራሒትና አደ መድሕና ንሳ እያ እሞ ብስራት ትንሣኤ አብስርና አእምሮና ተሓዲሱ እሙናት ተኸተልቲ እቲ ምእንታና ዝሞተን ዝተንሥኤን ወድኺ ክንከውን ለምንልና ንበላ።
ብሩኽን ጸጋ ዝበዝሖ ትንሣኤ ገሩ ንኹልና እንምነዮ ዓዲሉ ሕሙማትና ይፈውሰልና ሙታና አብ ሕቕፉ ደቂ ትንሣኤ ይግበረልና፥ እሱራትና ካብ መንፈሳውን ሥጋውን ሞቕሕ ይፍትሓልና፥ ንኹሉ ጭኑቕ ራህዋ ሰላም ሂቡ ርሑስ ትንሣኤ ይግበርልና እናበልኩ ሰናይ ትምኒተይ እገልጸልኩም።
ብሩኽ ትንሣኤ
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.