2012-04-17 14:28:37

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ብምኽንያት በዓለ ትንሳኤ ኦርቶዶክስ ኣቢያተ ክርስትያን


ቅድሚ ትማሊ ኣብተን ናይ ዩሊያኖ ባሕረ ሓሳብ ዝኽተላ መላእ ኦርቶዶክስ ኣቢያተ ክርስትያን ዝበዓለ ትንሳኤ ዘእግዚእነ ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ንምሥራቓውያን ኣቢያተ ክርስትያንን ኦርቶዶክስ ኣቢያተ ክርስትያን መንፈሳዊ መራሕቲ ናይ ርሑስ በዓለ ትንሣኤ RealAudioMP3 መግለጺ መልኽቲ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝተሓላለፍዎ ምልእኽቲ ወንጌል ማቴዎስ ምዕራፍ 28 ካብ ፍቕዲ 5 ክሳብ 6 ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ሰንበት ለይቲ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይ ሰሙን ዜውግሕ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሔር ካብ ሰማይ ወሪዱ ኢየሱስ ክርቶስ ካብ ሞት ከምዝተንስኤ ብቓልን ምልክታን እንከበስር ነተን መቓብር ጎይታ ክርእያ ዝመጻ ኣንስቲ “ንስኻትክን ነቲ ዝተሰቕለ ኢየሱስ ትደልያ ከምዘሎኽን እፈልጥ እየ እሞ ኣይትፍርሃ። ኣብዚ የሎን፥ ከምቲ ዝበሎ ተንሲኡ እዩ፥ ንዕነ ነታ ጐይታ ተነቢሩላ ዝነበረ ስፍራ ርኣያ”። እንክብል ትንሳኤ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ የበስረን። ብስራት ትንሳኤ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዘርኢ ሰብ መሰረታዊ መርትዖ ተስፋ እዩ። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ኅላዌ ፍጻሜ ፍጥረት ሰብ ሞት ዘይኮነስ ሕይወት ምዃኑ ምልኣት ፍቕሪ እግዚኣብሔር የበሥረና ኢሎም፣ ክርስትያን ምእመን ነዚ ሕይወት ከበስር ዝተጸውዔ ምዃኑን፣ ብፍላይ ድማ ኣቢያተ ክርስትያን ብሓባር እዚ ብስራት ከስምዓ እንከለዋ እቲ ብስራት ብሓይሊ ከምዝቃላሕ ጠቒሶም፣ ንናይ ክርስትያን ሓድነት ዝግበር ጻዕሪ እቲ ኣብ ዮሓንስ ወንጌል ምዕ 17፣ 21 “ኦ ኣቦይ ዓለም ንስኻ ከም ዝለኣኽካኒ ምእንቲ ኽኣምንሲ ኵላቶም ሓደ ምእንቲ ኪኾኑ ከምቲ ንስኻ ኣባይ ዘሎኻ ኣነውን ኣባኻ ከምኡ ድማ ንሳቶም ኣባና ምእንቲ ኪኾኑ እልምን ኣሎኹ” ዝብል ብጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተደልየ ውህደት ክረጋገጽ ኣተባቢዖም፣ ዓመጽን ውግእን ውጥረትን ኩሉ ደው ክብልን፣ ማኅበረ ክርስትያን ናይ ሓቅን ፍቕርን መሰኻኽር ኮይኖም እምነቶምን ተስፋኦምን ክሕድሱ ምዒዶም፣ እቶም ብሕማምን ድኽነትን ዝሳቐዩ ምጽንናዕን ደገፍን ክረኽቡ ተማሕጺኖም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ርሑስ በዓለ ፋሲካ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.