2012-04-12 14:14:25

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ተኣዝዞ ንእግዚኣብሔር ጥራሕ ኢዩ ብሓቂ ቤተ ክርስትያን ዝሕድስ


ናይ ላቲን ሥርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዕለት 5 ሚያዝያ 2012 ዓ.ም. ጸሎተ ሓሙስ ከምዘብዓለት እንክፍለጥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ባዚሊካ ናይ ቅብኣ ቅዱስ ስርዓት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም “ቅድመ ኩነት ሓቀይና ሕዳሴ ቤተ ክርስትያን ተኣዝዞ ከምዝኾነ RealAudioMP3 ኣብ ዘነጽር ሃሳብ ኣማእኪሎም ሓቀይና ሕዳሴ ቤተ ክርስትያን ተኣዝዞ ከምዝሓትትን ተኣዝዞ መሰረት ሓቀይና ሕዳሴ ቤተ ክርስትያን ምዃኑ ኣረዲኦም።
ዕለተ ሓሙስ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምሥጢረ ክህነት ዝሰረዓላ ዕለት ብምዃና ኵላዊት ቤተ ክርስትያን በታ ዕለት እተቕርቦ ናይ ቅብኣ ቅዱስ ስርዓት መስዋዕተ ቅዳሴ ምስጢረ ክህነት ሓቀይና መሠረቱን ትርጉምን ብምቅላሕ ካህን ከም ክርስቶስ ካልእ/ተመሳል ክርቶስ ምዃኑ ተስተምህር።
ቅዱስ ኣቦና በታ ዕለት ምኽንያት ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ካህን ንኽርስቶስ ክመስልን ኣብ ክርስቶስ ክጸንዕን፣ ካህን ንናይ ገዝእ ርእሱ ዘይነብር፣ ናይ እግዚኣብሔር ኮይኑ ስለ ዝተፈልየን፣ በዚ ድማ ክሳብ ፍጻሜ ገዛእ ርእሱ ንእግዚኣብሔር ብዘይእብረ ዘወፍይን ካብ እግዚኣብሔር ተበጊሱን ንእግዚኣብሔር ኣሚቱን ዘገልግል ብምዃኑ፣ ገዛእ ርእሱን ናይ ገዛእ ርእሱን ስነ ሓሳብን ውልቃዊ ርእይቶኡን ዘበስር ኣይኮነን ቢሎም፣ መሠረት ሓቀይና ሕዳሴ ቤተ ክስትያን ተኣዝዞ ምዃኑ ተንቲኖም፣ ነዚ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ሥልጣናዊ ስብከት ኣመልኪቶም ኣብ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ መምህር ናይ ቲዮሎጊያ ስነ ግብረ ገብ ሊቅ ኣባ ማውሮ ኮዞሊ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ስልጣናዊ ስብከት ነቲ ኣብዚ እዋን ካብ ሃይማኖትን ግብረ ገብን ዝንጽል ዓለማውነት ኣመለኻኽታ ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ እዋን፣ ካህን ናይዚ ዓይነት ኣመለኻኽታ ኣደዳ ኮይኑ ሓባሪ እግዚኣብሔር ዘይኮነስ ሓባሪ ገዛእ ርእሱ፣ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝምርኰዝ ንገዛእ ርእሱ ዝውክል ኮይኑ መታን ከይርከብ፣ ኣብ ኢየሱስ ክጸንዕን ምሳኡ ክወሃሃድን ንኣኡ ክመስልን ኣለዎ፣ ስለዚህ ካህን ገዛእ ርእሱ ኣሰኒፉ ካልእ ክርስቶስን ተምሳል ክርስቶስን ኮይኑ ክረክብ ዝተጸውዔ ኢዩ። ካብ ናይ ቤተ ክርስትያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ዘየንሳሕብን ዝእዘዝን ክኸውን ኣለዎ። ተኣዝዞ ጥራሕ ኢዩ መሠረት ሓቀይና ሕዳሴ፣ ዘይ ምእዛዝ ለውጢ ኣይኮነን። ናይ ቤተ ክርስትያን ትውፊትን ባህልን ኣብ ናይ ሎሚ ቤተ ክርስትያን ቀጻልነት ዘለዎ ካብ ተኣዝዞ ብዝነቕል ሕዳሴ ዝቐውም እዩ። ቤተ ክርስትያን እቲ ትውፊት ኣብ ህልው ኩነት ኅያውነቱ እናረጋገጸት ኣትጓዓዝ ብምዃና እዚ እዩ ድማ እቲ ጥበበይና ዘብላ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.