2012-04-12 14:18:29

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ መንእሰይ ብጸዋዕታ ክህነትን ብገዳማዊ ሕይወትን ንክርስቶስ ክስብዕ ንጸልይ


ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ናይ መላእ ቤተ ክርስትያን ናይ ጸሎት ሓሳብ መንእሰይ ወለዶ ብጸዋዕታ ክህነትን ገዳማዊ ሕይወትን ንክርስቶስ ክስብዕ ዝብል ክኸውን ዘቕረብዎ ውሳኔ መሠረት ኣብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብዚ ናይ ጸሎት ሓሳብ ኣብ ስርዓት ሊጡርጊያ ብጸሎት ጥራሕ RealAudioMP3 ዘይኮነ ብዝተፈላለዩ መነቓቕሒ ጸዋዕታን ምስክርነትን ካብ ካህናትን ልኡካነ ወንጌልን ገዳማውያንን መደባት ተሰንዩ ይካየድ ከምዘሎ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።
ካብ 2000 ዓ.ም. ንነጀው ኣብ ኣፍሪቃን ኦቻይናን ኣመሪካን ጸዋዕታ ክህነትን ገዳማዊ ሕይወትን ክብ እናበለ ክኸይድ ከምዘሎን፣ በንጻሩ ኣብ ኤውሮጳ ጸዋዕታ ገዳማዊ ሕይወት ኣኃው ብዙሕ ለውጢ ዘየርኣየ እውን እንተኾነ፣ ጸዋዕታ ካህናትን ካህናት ገዳማዊ ሕይወትን እናጎደለ ይኸይድ ከምዘሎን ኣብ ኣፍሪቃን እስያን ጸዋዕታ ገዳማዊ ሕይወት ኣኃው እናጎደለ ይኸይድ ከምዘሎ ይምልከት። መሰረት ጸዋዕታ ጸሎትን ሓቀይና ርክብ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስን ኣብነት ብቓልን ሕይወትን ሓቀይና መሰኻኽር ወንጌልን ምዃኑ ብተደጋጋሚ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝተፈላለዩ እዋን ምስ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ኣብ ዘካይድዎ ርክብ ዘቕረብዎ ስልጣናዊ ምዕዳንን ዘስመርሉ ሓሳብ ከምዝኾነ ክዝከር እንከሎ፣ ቁምስናታት መስሕብ መንሰያት ኮይነን ክርከባን ነቲ እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ምእማንን ዘይምእማንን ኩሉ ሓደ እዩ ዝብል ደረጃ ክቡር ዋጋ ሕይወት ዝበሃል የልቦን ዝብል ሃይማኖትን ግብረ ገብን ዝንጽል ባህሊ ብዑምቀት ኣለልየን ንኣኡ መልሲ ዝህብ ባህሊ ብምቕራብ እቲ መንሰይ ኣማኒ ይኹን ዘይኣማኒ ብዘየገድስ ምሳኡ ክዝትያን እቲ ምልኣት ትርጉም ሕይወት ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ብዑምቀት ዘላልይ ባህሊ ዝነቓቕሓሉ ሥፍራ ኮይነን ክርከባ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ብተኸታሊ ብቅዱስ ጴጥሮስን ብዝተፈላለዩ ጳጳሳዊ ቤት ምኽርታትን ቅዱሳት ማኅበራታን ኣቢላ እተቕረቦ ሥልጣናዊ ኣስተምህሮን ምዕዳንን ኣስተምህሮን መሠረት መንፈሳውን ባህላውን መደባት ዝነቓቕሓለን መንእሰይ ወለዶ ካብ ክርስቶስ ንዝቐርበሎም ጸዋዕታ ከእንግዱን ክስዕቡን ዝተባብዑሉ ሕንጸት ዝረኽብሉ ኮይነን ክርከባ ምዕዳን ቤተ ክርስትያን እዩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.