2012-04-12 14:10:05

ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅዱስ ኣቦና (11/04/2012)
ትንሣኤ ክርስቶስ መቓብር ልባትና ይኸፍትን ብርታዔ ተገዳስነት እምነት ይጽግውን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ከምቲ ልሙድ ትማሊ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረብዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከምዘቕረቡ እንክፍለጥ፣ ድሕሪ በዓለ ትንሣኤ ዘእግዚእነ ዘቕረብዎ ፈለማ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ክርስቶስ ኣብታ ቀዳመይቲ ማኅበረሰብ ሓዋርያት RealAudioMP3 ዝፈጸሞ ለውጢ ዘማእከለ ኰይኑ፣ ካብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ምድሪ ምስ መሰየ ዝተረጋገጸ ትንሣኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ኵሉ ክቕየር ከምዝጀመረን ኣብ ጽርሓ ጽዮን ደቀ መዛሙርቱ ነይሁድ ስለ ዝፈርሑ ኣብታ ፍርሕን ጓሂን ዝተመልኣ ዝተኣከቡላ ዕጽውቲ ቤት እንከለዉ ኣትዩ እቲ ዝሓደሮም ስምዒት ስለ ዝተረድኤ “ሰላም ንኣኻትኩም’ (ዮሓ. 20፣19) ብዝብል ከምቲ ብልማብ ዝቐርብ ሰላምታ ዘይኮነስ፣ ናይ ፋሲካ ሰላምታ ብምቕራብ፣ ነቲ ናይ ደቀ መዛሙርቱ ራዕድን ጭንቀትን በሊጽ፣ ከምቲ ካብኣቶም ቅድሚ ምስንባቱ ዝኣተዎ ቃል ድሕነት ጸጋ ብምቕራብ “ሰላም እኃድገልኩም ኣሎኹ፣ ሰላመይውን እህበኩም ኣሎኹ” (ዮሓ. 14፣27) ቢሉ ኣብ በዓለ ትንሣኤ ጎይታና ኢየሱስ ክርቶስ እቲ ንናይ መላእ ኅብረተሰብ ካብ ርግጸይና ዓወትን ኣብ እግዚኣብሔር ምድጋፍን ዘሎ ውሕስነት ንዝህቦ ሓጎስ ምንጪ ዝኾነ ሰላመ ትንሣኤ ይጽግወና።
ኢየሱስ እቲ ዝተዓወተ ሰብኣውነቱ ዝተነብሮ ምልክት ስቓይ ዝኾነ ናይ ስቅላት ኣቑሳሉ ንደቀ መዛሙርቱ ብምርኣይ፣ ትንሣኤ ኢየሱስ ነቲ ክውን ሰብ ምዃኑ ዘይቅይሮ ከምዝኾነ የረጋገጽ፣ ስለዚህ እዚ ኩነት’ዚ ድማ ናይ ደቀ መዛሙር ከምቲ ኢየሱስ ኣብ መንጎኦም ተረኺቡ ዝሃቦም ሰላም ዝጽግዎ ሓጎስ ከምኡ እውን መሠረት ሓጎስ ኰይኑሎም፣ እቲ ዝህቦ ጸጋ ሰላም፣ ተልእኾን ኃላፍነት እውን ምኻኑ የገንዝቦም። እቲ ዝተቐበልዎ ሰላም ኣብኦም ዝተረፍ ጥራሕ ዘይኮነስ “ከምቲ ኣቦ ንኣይ ዝለኣኸኒ ኣነውን ከምኡ እልእከኩም ኣሎኹ” (ዮሓ. 20፣21) እንክብል እቲ ብኣእሿኽ ሓጢኣት ዝቖሰለ ልቢ ሰብ ንናይ ጸጋ ፍረ መጠጥዒ ሥፍራ ክሓድግ መታን እቲ ትንሣኤ ዝዓደሎ ናይታ ዘይትመውት ሓዳሽ ሕይወት ጸጋ ኣብ ኩሉ ሥፍራ ከስፍሑ ኃይሊ መንፈስ ቅዱስ እፍ እንክብል ኣብ ልዕሊኦም ብምንባር ይልእኾምን ይልእኸናን እንክብሉ ብኃይሊ ቅዱስ መፍንፈስ ዝፍጸም ተልእኾ ምዃኑ ተንቲኖም።
መዓጹ መቓብር ‘ብዙሕ ጊዜ ወዲ ሰብ ኣብ ርክባቱን ስምዒታቱን ጠባዩን ዝዕጸወሉ” ተጻይነትን ምክፍፋልን ቅርሕንትን ቅንኣትን ሸለልተይናነትን ንዝኾነ ሞት ኣሕሊፉ ዝህብ መዓጾ” ዝግልብጥ ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራሕ እዩ። እዚ ኅልው ዝኾነ ጥራሕ እዩ፣ ንህላዌና ትርጉም ዝህብን፣ ነቲ ኣብ ትካዘን ሓዘንን ጓህን ተስፋ ቁርጸትን ኣብ ኩሉ እምነት ስኢኑ ንዝጓዓዝ መገዲ ብርሃን ዝኹልዕ ብርሃን ንሱ ጥራሕ እዩ ቢሎም፣ ታሪኽ ደቀ መዛሙርቲ ኤማሁስ ዘኪሮም፣ ምስ ኢየሱስ ክርቶስ ኣብ ቃሉን መኣዱን ሓቢሮም ምስ ክርስቶስ ምስ ተራኸቡ ካብ ከበድ ልቢ ሓራ ወጺኦም ተለዊጦምን እዮም። ሕይወትና ዝልውጥን ዝህድስን ኵነት ምራኻብ ምስ ኢየሱስ ጥራሕ እዩ። ፍቱዋተይ እዚ እዋን በዓለ ፋሲካ ናይ ሓጎስን ውዕዉዕ ስምዒት ዓይኒ ማይ ዝኾነ እምነት እንረኽበሉ ግብእን ብቑዕን እዋን እዩ። እቲ ኣብኡ እንነብሮ እምነት ጥራሕ ኢዩ ሕይወትና ዝልውጥን፣ ብዝዕድሎ ጽኑዕ ተስፋ ድማ ካብ ፍርሒ ሓራ እንወጽእን በቲ ምልኣት ትርጉም ሕይወት ዝኾነ ‘ፍቕሪ እግዚኣብሔር’ ክተባባዕ ዘብቕዕ ጸጋ ይዕድለናን እንክብሉ፣ ንኹሎም ርሑስ እዋን በዓለ ፋሲካ ተመንዮም ሓዋርያዊ ቡራኼ ሂቦም ከምእተፋነዉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.