2012-04-07 13:15:08

ፍኖተ መስቀል


ዝኸበርኩም አኅዋትን አኃትን፡ ብአስተንትኖን ብጸሎትን ብመዝሙርን ዝኽሪ ጕዕዞ ፍኖተ መስቀል ኢየሱስ ገቢርና። እዚ ጕዕዞ እዚ መዋጽ ኦ ዘይብሉ እንክመስል ኮይኑ ግን ሕይወትን ታሪኽን ወዲ ሰብ ቀይሩ፡ ናይ ሓዲስ ሰማይን ሓዲስ ምድርን ባብ አርሒውልና። ቤተ ክርስትያን አብዚ ዕለተ ዓርቢ ስቅለት ብው ዕው ዕ መንፈሳውነት ዝኽሪ ሞት ወልደ እግዚአብሔር አብ ዕፀ መስቀል እንክትዝክር አብዚ ፅጸ መስቀል እዚ ከአ ብሓዲስ ተስፋ ዝዘቅበበት ኦም ሕይወት ትርኢ። ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ስቃይ ሰብ አውነት የመልክት፡ ስድራ እውን የመልክት፡ ጕዕዞ ሰብ አውነትን ስድራ ቤትን ክሳብ ክንደይ አድካምን ከቢድን ምዃኑ የገንዝበና። ክንደይ ዘይምርድዳእ ምክፍፋል ብዛዕባ መጻኢ ሕይወት ደቅኻ ምሽቃል ሕማምን ዝተፈላለየ ጸገማትን በዚ ይግለጽ። አብዚ ግዜና ናይ ብዙሓት ስድራቤታ ኩነታት ሥራሕ ብምስአንን ቅልውላው ቍጠባ ዘስ ዓቦ ሽግርን ይሳቀዩ አለው። እዚ ሎም ምሸት ብዓቢይ መፈሳውነት ዝፈጸምናዮ ጕዕዞ ፍኖተ መስቀል ንዝተሰቅለ ክርስቶስ እናስተንተንና ክንዮ ሽግራትና ክንሓልፍ ኃይሊ ንክንረክብ ንኩልና ብፍላይ ከአ ንስድራቤታት ዝቀርብ ዕድመ ኢዩ። መስቀል ክርስቶስ እግዚአብሔር ንነፍስወከፍና ዘለዎ ዝለዓለ ምልክት ፍቅሪ ኢዩ፣ ንናይ ነፍሲ ወከፍና ክትፍቀር ናይ ምድላይ ሕቶ ዝወሃብ ብልግሲ ዝመልአ መልሲ ኢዩ፣ አብ ፈተና ክንርከብ ከሎና ከማኡ እውን ስድራቤትና ስቃይ ከጓንፎ እንከሎ ክጨንቀና እንክሎ ንመስቀል ክርስቶስ ንጠምት፣ አባኡ ጕዕዞና ንምቅጻል ጽን ዓት ክንረክብ ኢና፣ አባኡ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ “ካብታ ፍቕሪ ክርስቶስ ዚፈልየና መን እዩ፧ ከመዮ፡ ምእንታኻ ምሉእ መዓልቲ ንቕተል ኣሎና፡ ከም ኣባጊዕ ማሕረዲውን ተቘጸርና፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ጭንቀትዶ፡ ጸበባዶ፡ ስደትዶ፡ ጥሜትዶ፡ ዕርቃንዶ፡ ፍርሂዶ ወይስ ሰይፊ፧ ሞት ኰነ ወይ ህይወት፡ መላእኽቲ ዀኑ ወይ ገዛእቲ፡ ዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ፡ ወይ ሓይልታት፡ ልዕል ዝበለ ዀነ ወይ ትሕት ዝበለ፡ ካልእ ፍጥረትውን እንተ ዀነ፡ ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ኸም ዘይኰነሉ፡ ኣርጊጸ ኣሎኹ እሞ፡ በዚ ዂሉ በቲ ዘፍቀረና ኣጸቢቕና ንስዕር ኢና።” (ሮሜ 8:35-37) ክንብል ንኽእል፣
አብ ጸበባን ጭንቅን እንክንርከብ በይንና አይኮናን፤ ስድራቤት በይና አይኮነትን፤ ኢየሱስ ምስ ፍቅሩ ምሳና አሎ፤ ብጸጋኡ ይድግፈና ንቅድሚት ክንግስግስ ከአ ኃይሊ ይህበን፣ ምዝንባል ደቂ ሰባትን ጸገማቶምን ንውህደት ሕይወትናን ስድራቤትናን ፋሕ ንኸብሉ አብ ዝፈታተኑሉ ግዜ አብዚ ፍቅሪ ናይ ክርስቶስ ክንምልከት አሎና፣ ምሥጢረ ሕማማት ሞትን ትንሣኤን ክርስቶስ ብተስፋ ንክንጐዓዝ የበራታዓና፤ ናይ ሥቃይን ፈተናን ወቅቲ አባኡ እምነት ብምግባር ምስ ክርስቶስ እንተደአ ነቢርናዮ ድሮ ብብርሃን ትንሣኤኡ ይኸድነና ብሓዲስ ሕይወት ናይ ትንሣኤ ዓለም ይህበና፤ በቲ ብቃሉ ናይ ዝ አምን ነፍሲወከፍ ሰብ ፋሲካ ይኽሕሰና። አብቲ ዝተሰቅለ ወልደ እግዚአብሔር ሞት ሓዲስ ትርጉምን መአዝንን ትረክብ፤ እቲ ዕዳ ተኸፊሉ ኢዩ ሞት ከአ ተሳዒራ እያ፣ ናብ ሓዲስ ሕይወት መሳገሪ ኮይኑ። “ፍረ ስርናይ ናብ ምድሪ እንተ ዘይወደቐትን ዘይሞተትን፡ በይና እያ እትነብር። እንተ ሞተት ግና፡ ብዙሕ ፍረ ኸም እትፈሪ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።” (ዮሐ 12፡24) ናብ አደ ክርስቶስ ንማሕጸን፣ አብ መሪር ጕዕዞ ፍኖተ መስቀል ንወዳ ዘሰነየት፤ አብ ግዜ ሞቱ አብ ትሕቲ መስቀል ዝነበረት፡ ቤተ ክርስትያን አብ ኅላዌ ጐይታ ንክትነብር መጀመርያ ክትውለድ ከላ ጽን ዓት ዝሃበት፤ ልባትና ትምረሓዮ፡ ንልብታት ኩለን ስድራቤታት ከአ ናብቲ ትንሣኤ ክርስቶስ ዝዕድሎ ብርሃን አብ ልዕሊ ክፍአትን ስቃይን ሞትን ደምዳሜ ዓወት ናይ ፍቅርን ሓጐስን ሕይወትን ዘርአየ ንክበጽሑ ብምሥጢረ ሕማማትን ብምሥጢረ ፋሲካን የስግረን፣








All the contents on this site are copyrighted ©.