2012-04-07 17:11:22

ሰንበት ዘሆሣዕና 2004 ዓ.ም. (8 ሚያዝያ 2012)


መዝሙር፡ ወእንዘ ሰሙን በዓለ ፋሲካ ቀርቡ አርዳኢሁ. . . . ።
ንባባት፡ ፍሊጲስዩስ 2፡6~11፤ 1ጴጥ 4፡1~12፤ ግ.ሓ. 18፡12~ፍ፤ ማር 11፡1~12
ምስባክ፡ ብሩክ ዘይመጽእ ብስመ እግዚአብሔር፥ ባረክናክሙ እምቤተ እግዚአብሔር፥ እግዚአብሔ እግዚእ አስተርአየ ለነ” “ እቲ ብስም እግዚአብሔር ዝመጽእ ብሩኽ እዩ፤ አብ መቕደስ እግዚአብሔር ኮና ንባርኸኩም አሎና፤ እግዚአብሔር ጎይታ ተገሊጹና እዩ” መዝ. 117፡26~27።
ሰሙነ ሕማማት ኢልና እንጽውዖ ንጅምር አሎና። አብ ጥቕሉል ሓሳብ ክነቕርቦ ከሎና “ምስጢረ ትንሣኤ” ኢና እንዝክር። ስቓያት፥ ሞትን ትንሣኤን ከምኡ ዕርገትን ምውራድ መንፈስ ቅዱስን ዘዘኻኽረና እዩ። ሓደ ካብ ሓደ ፈሊኻ ዘይርኤ ዓቢ ምስጢር እምነትና። እዚ ኹሉ አብ መስቀል አብ መዓልቲ ዕለተ ዓርቢ ክንርእዮ ንኽእል።
አብ ዕለት ሆሣዕና ኢየሱስ ብዓጀባን ክብርን አብ ኢየሩሳሌም ከም ዝአተወ እሞ ኩሉ ህዝቢ ብዓቢ ክብሪ ከም ዝተቐበልዎ ወንጌላውያን ይነግሩና። “ሆሣዕና ንወዲ ዳዊት እቲ ብስም እግዚአብሔር ዝመጽእ ብሩኽ እዩ” እናበሉ ተቐቢሎሞ። በዚ ዕለት ዝተራእየ አቀባብላ ንኹላ ኢየሩሳሌም ሃዊኽዋ ብፍላይ ነቶም ንኢየሱስ ክርእዩን ክቅበሉን ዘይደልዩ ዝነበሩ። አብዚ እንርእዮ ሰብ ንጽቡቅ ክርኢ እንተ ዘይደልዩ ክሳብ ክንደይ ልቡን ሕልንኡን ከም ዝዓጹ። አብ ሕይወትና ሓደ ሰብ ክበኪ ዝስሕቕ ሰብ ክስሕቕ እንከሎ ዝበኪ እንተ ንርኢ እንታይ ምበልናዮ። ሰብ ብልቡ ክቕበል እንተ ዘይክአለ ንጸልማት ብርሃን ኢሉ ዝጉዓዝ ፍጡር እዩ። እቶም ንኢየሱስ ዝነጽጉ ዝነበሩ ከማና ሰብ እዮም እንተ ኾነ ልቦም ተጎልቢቡ ንኢየሱስ ክርእይዎ ከቢድዎም። ንኢየሱስ ክንርእዮ ናቱ መንፈስን ጸጋን የድልየና። ክንቅበሎ ርኢና ክንክእል አሎና።
ምስጢር ናይ እዚ ሰንበት አብሪሁ ዝገልጸልና ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ፍሊጲስዩስ ዝጸሓፋ እዛ ዝተነበትልና እያ። “እቲ አብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዝነበረ አተሓሳስባ አባኻትኩም ይሃሉ፥ ንሱ ብባህርዩ አምላኽ እኳ እንተ ኾነ ነቲ ምስ አምላኽ ዝነበሮ ማዕርነት አይገድፍን ኢሉ አይተኸራኸረን፥ ንርእሱ ትሕት ብምባል ክሳብ ሞት አረ እኳ ድአ ክሳብ አብ መስቀል ሙማት ተአዘዘ” እናበለ መለክዒ ፍቕሩ ገሊጹልና። ሕይወቱ ምእንቲ እቶም ዘፍቅሮም አሕሊፉ ሂቡ ክብል እንከሎ ናይ አምላኽ ፍቕሪ ንድቂ ሰብ ይገልጽ። ንሱ በቲ ዘርአዮ ዓቢ ፍቕሪ ንሰማይ አብ ክብሪ ተላዒሉ እዚ ኸአ ንሕና አብቲ ንሱ ዝኸዶ ምእንቲ ክንከይድ ኢሉ እዩ።
አብ ጉዕዞ እንከሎና ከምቲ ንሱ ንርእሱ ኢሚንቲ ገሩ ዘቕረበ ንሕና ውን ንአኡ ክነፍቅር ንርእስና ኢሚንቲ ገርና ክንቀርብ ክንሰናዶ እሞ አብ ምሉእ ምእዛዝ ንአምላኽን ንኸማና ዝበሉ ሰባትን ከምቲ ዝግብአና ክንእዘዝን ክነፍቅርን ስንድዋት ክንከውን ክንሓስቦ እዋኑ እዩ።
ሎሚ ንኢየሱስ አለሊና ክንክእል እሞ አብ ደምበ ድሕነት ክንአቱ አብ ሕልናና ተመሊስና ጉዕዞ ሕይወትና ክንርኢ ክንክእል አሎና። ሓደ እዋን ሓደ ቆልዓ ዮውሃንስ ዝብሃል አብ ትምህርቲ ሓሚቑ ንወለዱ ተኸኽ አቢልዎም አብ ናይ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ እዩ ዝምሃር ነሩ፥ ገል እንተ ቐየረ ኢሎም ወለዱ አብ ሓደ ካቶሊካዊ ቤት ትምህርቲ አእትዮሞ። ወዲ ካብታ መጀመርያ መዓልቲ ትምህርቱ ተኸታቲሉ ካብቶም ዝለዓሉ ተመህሮ ኮይኑ፥ነዚ ለውጢ ዝርአዩ ወለዱ ሓደ መዓልቲ እንታይ እዩ ካብ ኩሉ ነዚ ለውጢ ክትገብር ዘኽአለካ ኢሎም ሓቲቶሞ። “ዮውሃንስ መጀመርያ አብቲ ቤት ትምህርቲ እትው ምስ በልኩ ሰብአይ አብ መስቀል ዝተሰቕለ ርእየ፥ ሽዑ ነቶም ነዚ ዝገበሩ ጨሪሸ ጸሊኤዮም አብ ሕይወተይ ካልእ ዕድል ክወስድ አይደለኹን ሽዑ ሕይወተይ ክልውጥ ክኢለ ኢሉ ይብሃል። ናይ ኢየሱስ ግፍዒ ነቲ ንሱ ክኾኖ ዝግብኦም ከምዝርኢ ገርዎ። የውሃንስ ነቲ ስቕለት መን ምዃኑ ይፈልጥ አይነበረን ንሱ ነቶም ዝሰቐልዎ እዩ ጸሊኡ። ኢየሱስ አብ ስቕለት እነርእዮ ንሰባት ክነፈራርሕ ኢልና አይኮናን እንታይ ድአ አምላኽ ክሳብ ክንደይ ከምዘፍቅሮም ክነርእዮም ኢልና ኢና። ከምኡ እውን ንሶም ጠባይ እንተ ዘይገበሩ ከምኡ ክኾኑ እዮም ኢልና ክነፍርሖም ኢልና አይኮናን። ንሱ ንኹሉ መቕጻዕቶም ድሮ ከምዝኸፈለሎም ክፈልጡ ንማለት እዩ።ንሱ አብ መስቀል ዝተሰቕለ ብዝገበሮ በደል አይኮነን አነን ንስኻትኩምን ዝገበርናዮ በደል ንምኽሓስ እዩ፥ ምኽንያቱ የፍቅረና እዩ። ምእንታና ኸአ መይቱ።
ምእንታና መይቱ! እትብል ቃል ብዙሕ ጊዜ ንሰምዓ ስለ ዝለመድናያ ብዙሕ አይነስተውዕለላን ከምኡ ብሞት ዝመጸ ድሕነትና እውን ብዙሕ አይንሓስበሉን እሞ ብዙሕ አይነቕልበሉን። ቤተ ክርስትያን መስቀል ክንአስር አብ ኩሉ መስቀል ከምዝርኤ ክንገብር እትደልየና ነቲ ንሱ ዝኸፈለልና መስዋዕትን ሞትን ስቓያትን እሞ ዘድሓነና ዘኪርና ክንክእል ምእንቲ እዩ። ሎሚ ነዘን ቃል ከም ቅድሚ ሕጂ ዘይሰማዕናየን ኮይና ክንሰምዔን ይግብአና።
ሓደ እዋን ክልተ አሕዋት አብ ሓደ ገዛ ብሓንሳብ ይቕመጡ ነሮም እቲ ዓቢ አምላኽ ዝፈቱ ቅኑዕ ዘይገንዘቡ ዘይወስድ፥ ሰራሕተኛ ኩሉ ጊዜ ፍርሃት አምላኽ ዝነበሮ። እቲ ንእሽቶይ ከአ ዘይቅኑዕ፥ ብረት ተዓጢቑ ዓማጺ፥ ሰራቒ ኩሉ ክፉእ ክገብር ድሕር ዘይብል ነሩ። ብዙሕ ጊዜ አምስዩ ሰኺሩ ብዙሕ ገንዘብ ሒዙ ይመጽእ ነሩ። ዓቢ ሓዉ ብዙሕ ጊዜ ሕይወቱ ክቕይር ሒዝዎ ዘሎ መገዲ ጥፍአት ክሓድግ እሞ ጥዑይ ሕይወት ክሕዝ ይልምኖ ነሩ። እቲ ንእሽቶይ ግን ወላ ሓንቲ ካብቲ ዝብሎ ክሰምዕ አይከአለን። ሓደ ምሸት እቲ ንእሽቶ ሓው ከም ልማዱ ደንጉዩ ነሩ ሽዑ ማዕጾ ብሓይሊ ደፊኡ ብረት አብ ኢዱ ሒዙ ክዳውንቱ ደም ተጸያይቑ እናጎየየ አትዩ። ሰብ ቀቲለ አሎኹ ኢልዎ ንሓዉ። አብ ሓጺር ጊዜ ነቲ ገዛ ፖሊስ ከቢቦሞ። ወዮ ንእሽቶይ ብፍርሒ ተዋሒጡ ክቐትሎ ኢለ አይኮንኩንኩን እናበለ ካብ ምትሓዝ ዘየምልጥ ምዃኑ ስለ ዝፈለጠ ብጣዕሚ ፈሪሑ። ክመውት አይደልን እየ ክብል እንከሎ ፖሊስ ንገዛ ኳሕኲሖም። እቲ ዓቢ ሓዉ ሓዲስ ሓሳብ መጺእዎ ንኽዳውንቲ ሓዉ ምስ ደሙ አውጺኡ ተኸዲኑ ናቱ ንሓዉ ሂቡ ንፖሊስ ከፊትዎም። ወዮ ፖሊስ ነቲ ክዳኑ ብደም ዝተጸየቐ ዓቢ ቀታሊ ስለ ዝሓሰብዎ ንማእሰርቲ ወሲዶም ንሞት ፈሪዶሞ። አብ ኪንዲ ንኡስ ሓዉ ሕይወቱ አሕሊፉ ሂቡ ሞይቱ።
አብዚ ታሪኽ እንርእዮ ታሪኽ ሞትን ፍቕርን እዩ። ናይ ኢየሱስ ሕማማትን ሞትን ልክዕ ከምኡ እዩ። ፍቕሪ አምላኽ ንደቂ ሰብ አብ ሞት ኢየሱስ ተራእዩ። ንሕና ንኸምዚ ገሩ ዝቐረበና አምላኽ ከመይ ኢልና ንቕረቦ። እቲ ንእሽቶይ ወዲ ብኸመይ ንናይ ዓቢ ሓዉ ሞት መልሲ ምሃበሉ። ኩላትና ከም እንሓስቦ ንሓዉ ኩሉ ጊዜ ብዓቢ አኽብሮትን ምስጋና ክዝክሮ፥ ከምኡ ካብሽዑ ንድሓር አብዝኾነ በደል አብ ልዕሊ ካልኦት ከምዘይገብር ይምሕል። ምናልባት ነቲ ሓዉ ዝገበረሉ ረሲዑ አብ ናይ ቀደሙ እንተ ዝምለስ ክሳብ ክንደይ ውዱቕ ምዃኑን ንሓዉ ዝገበረሉ ዋጋ ከምዘይሃቦን ንርኢ። ምናልባት እቲ ዓቢ ሓዉ ብዓልቲ ቤትን ቆልዑትን እንተ አልዮሞ ክሳብ ክንደይ መተኸናኸኖምን ሓላፍነቶም ምወሰደን።
አምላኽ ሎሚ ካብ ኩልና ዝጽበዮ አመስጊና ክንክእል ሓደ ወዱ ምእንታና ንሞት አሕሊፉ ንዝሃበ ፍቕርና ክንመልሰሉ። ኃጢአት ኩሉ ክንጸልእ ንዓመጽ ንኹሉ ካብ አምላኽ ዘርሕቐና ነገራት ካብ ሕይወትና ሓዲስ ሕይወት ክንአቱ ንሕተት አሎና።
ሶምን ሕማማት አብ ሕማማትን ሞትን ትንሣኤ ክርስቶስ ክንሳተፍ ዕድል ዝኸፍተልና ጊዜ እዩ። ምስአምላኽ ምሉእ ውህደት ክንፈጥር። አብ ልብና አቲና ነቲ አምላኽ ዝገበርልና ርኢና ተመስገን ክንብሎ እሞ አብ ፍቕሪ ሓውናን ሓፍትናን ክንሳተፍ።
ምእንቲ ነፍስወከፍና ሕይወቱ ንዝሃበ ክርስቶስ ብድሙ ነጺሕና ብሓጎስ አብ ብርሃነ ትንሥኤኡ ከብጽሓና ንኢየሱስ ብሓቂ ንቀበሎ። ሆሣዕና ንወዲ ዳዊት እቲ ብስም እግዚአብሔር ዝመጽእ ብሩኽ እዩ እናበልና ንቀበሎ። ንቅድስና አፍደገ ዝኸፍት ሶምን ሕማማት ይግበረልና።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.