2012-04-05 15:46:29

ብፁዕ ካርዲናል ኮማስትሪ፦ “ይሁዳ ወትሩ ኣብ ቤተ ክርስትያን ኅልው ኩነት ሓደጋ” እዩ።


ትማሊ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መላእ ናይ ሃገረ ቫቲካን ሰራሕተይናታት ኣብ ሰሙነ ሕማማት ንበዓለ ትንሳኤ ዘእግዚእነ መቀራረቢ ብናይ ሃገረ ቫቲካን ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ኮማስትሪ ዝተመርሔ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዝዓረገ እንክፍለጥ፣ ብፁዕነቶም ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባብ ወንጌል RealAudioMP3 ማቴዎስ ምዕ. 26 ካብ ፍቕዲ 14 ክሳብ 25 ዘሎ ተመርኵይዞም “ይሁዳ ወትሩ ኣብ ቤተ ክርስትያን ኅልው ኩነት ሓደጋ እዩ” ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፣ ይሁዳ ንኢየሱስ ኪሸጦ ብሳላሳ ቕርሺ ብሩር ከምዝተወዓዓለን እዚ ድማ እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘንጸላልው ህርፋን ሃብቲ ገንዘብን ትዕቢትን ፍዳ ሕነን ዝውክል ከምዝኾነን ገሊጾም፣ ይሁዳ ክኽወን ከምዝከኣል፣ ማለት ከሓድቲ እግዚኣብሔርን ከሓድቲ ለጋስነቱን ትሕትናኡን ሕያውነቱን ክኽወን ከምዝከኣል ዘነጽር ኩነት ሓደጋ ምዃኑ ተንቲኖም፣ ይሁዳ ወትሩ ብነፍሲ ወከፍና ኣብ ቤተ ክርስትያን ኅልው ኵነት ሓደጋ ምዃኑን፣ ከምቲ ኣባ ፕሪሞ ማዞላሪ ዝብልዎ “ኣብ ዙሪያ መኣዲ ቅዱስ ቁርባን ጽላሎት ይሁዳ ከህሉ ከምዝኽእል እዩ”፣ እቲ ናይ ይሁዳ ጽላሎት ምስ ጽላሎትና ከይጋጠም መታን ኩላትና ክንነቕሕ ይግባእ ኢሎም።
ኢየሱስ ናይ ውሳጤና ሕማም ፈውስን፣ ነቲ ዘሎና ኽፍኣት ብሕያውነቱ ንኸሕውይ ቀረባና ኮይኑ እዩ። ኢየሱስ ማለት ዘድሕን እግዚኣብሔር ማለት ከምዝኾነን፣ ትርጉም ስመ ኢየሱስ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣ ሕውነትናን ፍወሳናን ዝከኣል ዝገበሮ ንስሓን ጣዕሳን እዩ። ስለዚህ ንስሓ እግዚኣብሔር ከሕውየናን ሕጉሳት ክገብረናን መታን ኣብ ውሽጥና ንእግዚኣብሔር ዝግብኦ ሥፍራ ክህልዎ ዝገብር ማዕጾ ዘርህው ቅዱስ ተግባር እዩ ኢሎም።
ብሓጢኣትና ብሓቂ ተነሲሕናን ተጣዒስናን፣ ካብ ክፍኣትን ትዕቢትን ግትርናን ሕነ በቐልን ካብ ኣነነትን ተፈዊስና ዶ? ክሓውይ ዝብል ድላይ ኣብ ውሽጥና ዶ ኣሎ? ዝብሉ ሕቶታት ድማ ኣቕሪቦም፣ ኢየሱስ ዝሓደገልና ዓቢይ ትእዛዝ ዝንበር ፍቕሪ እዩ። እዚ ዝንበር ፍቕሪ ጥራሕ እዩ ናይ ኢየሱስ ዘብለና። እቲ ንሓድ ሕድና እንነብሮ ፍቕሪ ጥራሕ እዩ ናቱ ዘብለና፣ ክርስትያን ዘብለና ካልእ ዘይኮነስ እዚ ዝንበር ፍቕሪ ጥራሕ እዩ። ድኽነት ትሕትናን ልግስናን ሓልዮትን ከምዘሎና ተኣሚንና ካብ እግዚኣብሔር ጸጋ ትሕትናን ልግስናን ሓልዮትን ክቕበል ልባትና ነርህወሉ። እዚ እዩ ድማ እቲ ክርስቶስ ኣብ መንጎና ከምዘሎ መስካሪ፣ ምስ በሉ፣ ትርጉም በዓለ ትንሳኤ ድማ ዝንበር ፍቕሪ ማለት እዩ። ከምቲ ንሱ እግረ ኣርዳኢሁ ክሓጽብ ገዛእ ርእሱ ትሕት ዘበለ፣ ነዚ ንሱ ዝሓደገልና ፍጹም ኣብነታዊ ኣገልግሎት፣ ከም ቅዱስ ፍራንቸስኮስን እናቴ ብፅዕት ተረዛን ማለት ከምቶም ሓቀይና ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ ኮይና እንነብሮ ሕይወት እዩ ናይ ክርስቶስ ዘብለና እንክብሉ ዘቕረብዎ ስብከት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.