2012-04-03 15:27:12

ዝኽሪ ሻብዓይ ዓመት ልደት ኣብ ሰማያዊ ቤት ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ


ዕለት 2 ሚያዝያ 2005 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጵውሎስ ዳግማዊ ኣብ ሰማያዊ ቤት ዝተወለዱሉ ዕለት ሻብዓይ ዓመት ትማሊ ተዘኪሩ ከምዝወለ እንክፍለጥ፣ በዛ ዕለት ምኽንያት ናይ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ቅድም ብፅዕና ክእወጀሎምን ድሕሪ ምእዋጅ ብፅዕናኦም ቅዱስና ክእወጀሎም መሠረት RealAudioMP3 ዝኾነ ብፍልዩ መጽናዕቲ ዘጠናቐቕ ናይ እምነት መርትዖ ናይ ምቕራብ ሓላፍነት ዝለበሱ ብፁዕ ኣቡነ ስላቮሚር ኦደር ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ዕለት 2 ሚያዝያ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈለዩሉ ዕለት እውን እንተተበሃለ ንክርስትያን ግን ዕለተ ሞት dies natalis-ዕለተ ልደት እዩ። ስለዚህ መበል 7 ዓመት ልደት ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ሰማያዊ ቤት እንዝክረሉ ዕለት ምዃኑ ሓቢሮም፣ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ኩላውነታ ብኩለ መዳይ ማለት ብሓዋርያዊ ዑደታቶምን ኣሳእላቶምን ቡራኬኦምን መልእኽታቶምን ስብከታቶምን ኣቢሎም ኣብ ኣባይቲ ሕዝቢ ዓለም ዝኣተዉን ዝመስከሩ ብዅሉ ዝዝከሩ ተፈታዊ ር.ሊ.ጳ. እዮም።
ናብቲ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ትሕቲ ምድሪ ኣብ ዝርከብ ኣብ ናይ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት መቓብር ሥፍራ ተነቢሩ ዘሎ ዝዓረፍሉ ሥፍራ ዝውሕዝ ብዝሒ መንፈሳዊ ነጋዳይ ኣዚዩ ዘደንቕ እዩ። ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ብወግዒ ብፅዕና ኣብ ዝኣወጀትሎም ዕለት ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣደባባይ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝወሓዘ ካቶሊካዊ ምእመን ጥራሕ ዘይኮነስ ሰዓቢ ናይ ዝተፈላለያ ካልኦት ሃይማኖታትን ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት መራሕትን ከምኡ ኣብተን ቅዱሳት ትሩፋቶም ዝበጽሓለን ሃገራትን ቁምስናታትን ሰበኻታትን ዝርአይ ሱታፌ ሕዝቢ ዘደንጽው እዩ።
እታ ኣይትፍርሑ መዓጹ ልባትኩም ንክርስቶስ ጋሕ ኣቢልኩም ክፈትሉ ዝብላ ቃላቶም ሎሚ እውን ኣብ ልብን ኣእምሮን ኩሉ ሕዝቢ የቓልሕ ኣሎ። ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ‘ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ዘሎን ኣብ ህላዌ እግዚኣብሔር ዝጠሓለን ብዝኾነ ይኹን ኣይሰናበድን፣ ንስኾነ ነገር እውን ፈጺሙ ኣፈርሕን እዩ’ ዝበለዎ ቃል ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ መን እዩ ዝፈልየና? እንክብል ንዘቕርቦ ኣብ ናይ ክርስቶሳዊ ሕይወት ተመስጦ ህያው ተመክሮ ዝተደገፋ ቃላት ናይ ሕይወቶም ተመክሮ ገይሮም ንዝነበርዎ ሕይወት ዘቓልሕን ብተግባር ዝምስከሩ ምዃኖም እዩ ዘመልክተልና።
ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሓቀይናን ቅኑዕን በሊሕን ምሁርን ዓቢይ መንፈሳዎን ብሥነ ባህሊ ሊቅን ብኻልኦት ቆላሕታ ንዘይግበረሎምን ዝተነጸሉን ፈልዮም ዝጥምቱን ብልብን ኣእምሮም ቀረባ ናይ ምዃንን ናይ ወዲ ሰብ ልቢ ናይ ምንባብ ብቕዓት ዘለዎምን ግቡእን ትክኽለይናን ቃላት ንዝግብኦን ኣብ ዝግባኣ እዋን ናይ ምቕራብ ተኽእሎ ዝተዓደሉን፣ ሕይወት ብክርስትያናዊ ተስፋ ክንበር ኣብነትን ኢዮም ምስ በሉ ቅድስና ንኽእወጀሎም ዝግበር ዘሎ መጽናዕቲ ከምቲ ንብፅዕና ዝግበር ጽዑቕን ሰፊሕን እኳ እንተዘይኮነ፣ ተኣምራዊ ምልክት ካብ እግዚኣብሔር ኢና ንጽበ ዘለና፣ ብኣማላድነቶም ብዙሓት ዝተቐበልዎ ጸጋ ዝሕብር መልእኽታት ይቕርብ እውን እንተሃለወ ነዚ ዝቕረብ ዘሎ ምስክርነት ጸጋ ብጥብቅን ስሩዕን ከይዲ ንምምርማር ኣብ ምድላዋት ኢና ዘሎና እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.