2012-03-28 11:12:30

ሰንበት ዘገብር ኄር መጋቢት15 2004 ዓ.ም (3/25/2012)


መዝሙር “መንእዩ እቲ ሕያዋይን እሙንን አገልጋሊ ንጎይትኡ ጽቡቅ ክገብር ዝጸንሖ እሞ ጎይትኡ አብ ልዕሊ ኵሉ ገንዘቡ ዝሸሞ እንደገና ከአ ሕያዋይን እሙንን አገልጋሊ ብሒደት ተአሚናካ ኢኻ እሞ አብ ብዙኅ ክሸመካ እዩ፥ ናብ ታሕጓስ ጎይታኻ እቶ”።
ንባባት ዕብ. 5፡1~10፥ 1ጴጥ 5፡1~12፥ ግ.ሓ.1፡6~9፥ ዮሓ. 12፡2~23 ስብከት፡ “ከመ እንግር ፈቃደከ መከርኩ አምላኪየ፥ ወሕግከኒ በማከለ ከርስየ፥ ዜኖኩ ጽድቀከ በማሕበር ዐቢይ”። ኦጎይታይ ፍቓድካ ንምፍጻም ፈቶኹ፥ ሕግኻ እውን አብ ውሽጢ ልበይ እዩ፥ አብቲ ዓቢ ጉባኤ ጽድቅኻ ከበስር እየ” መዝ. 408።
ሕጊ አምላኽ ክንፍጽም መገዱ ክንክተል ክንፈልጦ ከምኡ ዕለት ዕለት ክፍሊ ሕይወትና ክንገብሮ ይግብአና። ክንሰብኮ ክንምስክሮ ሰባት አብ ሕይወትና ክርእይዎ እንከለዉ ጥራሕ እዩ ክፍለጥ ዝክአል። አብ ቅድሚ ማሕበር ክንምስክር ከሎና ንርእስናን ንኸማና ዝበሉ ምሕረት አምላኽ ከምዝወርድ ንገብር። ጸዋዕታና ፍቓድ አምላኽ ምግባርን ምንጋርን እዩ። ሕጊ አምላኽ ብሕግን ስምዒትን ሰባት ክዕብለል እንከሎ ድያብሎስ ነጊሱ አሎ ማለት እዩ፥ ንድያብሎስ እንስዕር ሎሚ ንሕና ኢና፥ ምኽንያቱ ካብ ክርስቶስ ንሓይልታት ጸላኢ እንስዕረሉ ጸጋ ካብ ጥምቀት ጀሚርና ስለ ዝለበስና።
በዚ ብሩኽ ሰንበት እምብአር እሙናት አገልገልቲ ክርስቶስ ክንከውን ከም ዝግብአና የዘኻኽረና።አምላኽ ንሰብ ክፈጥሮ እንከሎ ምስኡ ድልዱል ርክብ ገሩ ብእምነት አብ ቅድሚኡ ክመላለስ፥ ነቲ ባዕሉ አምላኽ ዝሃቦ ጸጋ ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ክገብር እሞ ክጥቀመሉ ኢሉ እዩ ፈጢርዎ። ንቀዳሞት ወለድና አዳምን ሔዋንን አብ ገነት ኤዶም ንኹሉ ክጥቀሙሉ ስልጣን ሂብዎም እዚ ግን ከምቲ ንሱ ዝደልዮ እዩ እምበር ከምቲ ንሶም ዝደልይዎ ክኸውን አምላኽ አይደልዮን። እንተኾነ ቀዳሞት ወለድና ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ስለ ዘይገበሩ ነገራት ተቐይሩ ዘይመልክዖም ለቢሶም ከምኡ እውን ካልእ ፍጡር ብሰንኮም ተቐይሩ። ክሉ አብቲ አምላኽ ዝደልዮ ክምለስ ጻዕሪ አድልዩ። ነዚ ከምህረና ክርስቶስ ሥጋና ለቢሱ፥ መገዲ አምላኽ ከፍልጠና እዩ መጺኡ። ንኢየሱስ ዘይምፍላጥ አብ ጸልማት ምንባር እዩ። ሎሚ እምብአር ንኢየሱስ ርኢና አለሊና ክንክእል እሞ ብመገዱን ምስኡን ክንጉዓዝ ንጽዋዕ አሎና። መልክዕን መገድን አምላኽ ጠፊእዎም ንመገዲ አምላኽ ሓዲጎም አብ ጸላም ዝጉዓዙ ዓለምና አይወሓድዋን። እምበርዶ እርኢ አሎኹ ኢልና ሕልናናን ዓይንናን እንተ ሓተትና አድራሻና ጠፊኡና ዘሎ ክንፈልጦ ንኽእል።
ሰባት ጉዕዞ ሕይወቶም ንአምላኽ ርእዮም ክኽእሉ እንከለዉ አብቲ አምላኽ ብዓንተብኡ ዝፈጠሮም መልክዕ ስለ ዝምለሱ ኩሉ ሰናይ ይኾኖም ፍረ ናቱ ሰላም ዕርቂ ሓጎስ አብ ሕይወቶም ይርኤ። በዚ ምኽንያትከስ ኩሉ ጊዜ አብ አምላኽ ክምለሱ ምስኡ ዘለዎም ዝምድና ዝተሓደሰ ክኸውን ጻዕሪ የድልዮም። ደቂ ሰብ ዘንጋዕቲ ኢና ዓይንና ዝጉልብብ ሕማም አልኦ ከይርኢ አብ ዘይተደለ ህጉም ዘውድቕ አሎና። ነቲ ምንጪ ብርሃን ክርስቶስ ከይንርኢ ዝደጋገን ጸላኢ አሎና፥ ነዚ አለሊና ንምንጪ ብርሃን ክርስቶስ ርኢና ንኽኣል። ባዕሉ አነ ብርሃን ዓለም እየ ርኢኹም ክትክእሉ አባይ ምጽኡ ይብለና።
አብዚ አብ ጉዕዞ ጾም አብ ዘሎናዮ እዋን ንሎሚ ዝተነበና ካብ ወንጌል ዮውሓንስ እዩ። አብዚ ወንጌል ናይ እቲ ኢየሱስ አብ ሕይወትና ዝገበሮ ትርጉም ክንርኢ ይሕግዘና። ገለ ግሪኻውያን ምናልባት አብ አይሁዳዊ እምነት ዝአተዉ ዝመስሉ አብ ፍሊጶስ (ናይ ግሪኽ ሽሙ እዩ) ቅርብ ኢሎም “ንኢየሱስ ክንርእዮ/ክንረኽቦ ንደሊ አሎና ኢሎም ሓቲቶሞ። ፍሊጶስ ከአ ንእንድርያስ(ካልእ ግሪኻዊ ስም) ነገሮ እሞ ክልቲኦም አብ ኢየሱስ ክሓትዎ ከይዶም። አብ ኢየሱስ ክንቀርብ ሓገዝ ሰባት የድልየና። ንሕና መቕርቡ ንኢየሱስ እንተ ኾነ ንሰባት አብ ኢየሱስ ክንሕብሮም ንኽእል። ንሕና አፍልጦ ኢየሱስ ክህልወና ናይ ግድን እዩ። ኢየሱስ እውን ንሰባት አብኡ ክነምጽኦም ንአና እዩ ዝልእኽ። ኪድ/ዲ ንእከለ ንእከሊት አባይ አምጽእዎም እናበለ ይልእኽና። ተኸታል ክርስቶስ አይልአኽን እየ ክብል አይግብኦን። ንሰባት ንኢየሱስ ርእዮም ከምዝኽእሉ ክንገብር ናይ ኩልና ተልእኮ እዩ። ሓወይ ሓፍተይ ንኢየሱስ ርእዩ/ያ ከምዝኽእሉ ክገብር ተሓርየ አምላኽ ልኢኹኒ አሎ ክንብል ከሎና አብ ኢየሱስ ክነምጽኦም አይከጸግመናን እዩ።
ንኢየሱስ ክርኢ እደሊ አሎኹ ዝብል በዚ እዋን ዝወሓደ ይመስል ቀንዲ ምኽንያት ክንብሎ እንኽእል ከይንርኢ ዘዘናግዕ ነገራት በዚሑ አሎ። ጣዕሚ ዓለም፥ ሃብቲ፥ ጸልኢ፥ ሓመታ፥ ምስ በዝሔ ሕልና ሰባት ዝርእዮ ንተግባር ሰይጣን እዩ ሽዑ ብቐትሩ ጸልማት ጎልቢብዎ ይርከብ። ክርስቶስ አብዚ ዓለም ተአምራታትን ኩሉ እናነገረን እንከሎ ክርእይዎ ዘይክአሉ ብዙሓት እዮም፥ ይሁዳ ምስኡ ነሩ እንተኾነ ንኢየሱስ መን ምዃኑ ክርእዮ አይደለየን፥ ሄሮዱስ መራሕ ሃገር ንኢየሱስ ክርእዮ ይደሊ ነሩ ምስ ረአዮ ግን ከምቲ ንሱ ዝደልዮ ስለ ዘይኮነሉ አሕሊፉ ሂብዎ፥መራሕቲ ሃይማኖት ነቲ ንሱ ዝገበሮን ዝበሎን ክቕበሉ ስለ ዘይደለዩ ዕዉራት ይብሎም ነሩ። እንተኾነ ገል ግዙፍ ዕውረት ዝነበሮም ከምኡ ዝተፈላለየ ሕማም ዝነበሮም ንኢየሱስ ክርእዩ ክኢሎም እምነቶም ርእዩ እንታይ ትደሊ እናበለ ድላዮም ይህቦም ነሩ። ንኢየሱስ ክንርኢ እንተ ኾና ዓይኒ ሕልናና ንርኤ። ሕልናና ከይረአየ ንኢየሱስ ክንርእዮ አይንኽእልን ኢና።
አብ ወንጌል እንተ ተመለስና እዞም ግሪኻውያን ንኢየሱስ ረኺቦሞዶ አይረኸብዎን ዝሕብር የብልናን ኢየሱስ ግን ሓደ ዘይተጸበይዎ መልሲ ክህብ ንረኽቦ። “ፍረ ስርናይ አብ ምድሪ ወዲቓ እንተ ዘይሞተት በይና እያ እትነብር፥ እንተ ሞተት ግና ብዙኅ ፍረ ኸም እትፈሪ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” ከም ዘበሎም ነንብብ። ብሓቂ አብ ዘርኢ እንተ ረኤና አይመውትን እዩ አብ ካልእይ ጨሪሹ አብ ሓዲስ ነገር እዩ ዝቕየር፥ ሱር፥ ቆጽሊ፥ ፍረ ይገብር። አብ ጭምብላልዕ እንተ ረኤና ካብ እንቋቍሖ ክሳብ አብ ዝነፍር ጭምብላልዕ ዝቕየር ዝተፈላለየ መልክዕ የርኢ። እዚ ኢየሱስ ዘቕርቦ አብነትከአ ከምኡ እዩ። ተለዊጥካ ምኽአል። ካብቲ ዘሎኻዮ ብዝያዳ አብ ኢየሱስ ምልዋጥ። ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ ኢየሱስ እዩ አባይ ዝነብር ዘሎ አነ አይኮንኩ አብኡ ዝነብር ዘሎኹ” እናበልካ ሕይወትካ ንኢየሱስ ሕያው ከምዝገብሮ ምግባር እዚ እዩ እቲ ዝድለ ዘሎ ለውጢ። ጾም ነቲ ዝግበር ለውጢ መልክዑ የልብሶ። ክትልወጥ እቲሓልፎ ስቓይ ጥበብ ትዕግስቲ ጭንቀት አሎ ስለዚ ክንልወጥ ምቹእ ኩነታት ክንፈጥር አሎና። ነዚ ኹሉ ክንገብር ንኢየሱስ ክንርኢ አሎና።
ንኢየሱስ ምርአይ ክብሃል እንከሎ እምብአር ንአኡ ምጥማት ከምቲ እቶም ግሪኻውያን ዝሓተትዎ ማለት አይኮነን። ከምቲ ዘኬዎስ አብ ኦም ደይቡ ንኢየሱስ ክሓልፍ እንከሎ ክርእዮ ዝደለየ አይኮነን። ንኢየሱስ ምርአይ ማለት ብምሉእ ጨሪሽካ አብቲ ናቱ አተሓሳስባ ምእታው፥ ስለምንታይ ስለ ዝተሳቐየን ዝሞተን ከምኡ ከም ዝተንስኤን ምርዳእ። ከምቲ ዘርኢ ስርናይ ምስ ሞተት ፍረ እትህብ ከምኡ ኸአ ኢየሱስ ንኹሉ ሓዲጉ ክሓልፍ አለዎ ሕይወቱ ከይተረፈ እዚ ኸአ ሕይወት ንርእሱን ንኻልኦትን ከምጽእ ምእንቲ እዩ። አብዚ ከምዚ ጉዕዞ ንሱን ንሕናና ክንቅየር ምእንቲ እዩ እዚ ኹሉ ዝኸውን። ነዚ ከም ቀንዲ ነገር አብ ሕይወት ኢየሱስ ክሳብ ዘይረኤናዮ ንኢየሱስ ክንርእዮ አይንኽእልን ኢና። ኢየሱስ አዕምቕ አቢሉ ከም ዝብሎ ከምቲ ናቱ አተሓሳስባን ከምቲ ንሱ ዝኾኖን ክንከውን ከምዝደሊ በዚ ሰንበት ይነግረና አሎ። “እቲ ንሕይወቱ ዚፈትዋ ኬጥፍአ እዩ፥ እቲ ንሕይወቱ አብዛ ዓለም እዚአ ዚጸልኣ ግና ንዘለዓለም ሕይወት ክሕልዋ እዩ”። አብ ጥቓ ኢየሱስ ክንከውን እንተ ደለና ብመገዱ ክንጉዓዝ አሎና። “እቲ ዘገልግለኒ ዘበለ ይስዓበኒ፥ አብቲ አነ ዘለኽዎ እቲ ዜገልግለኒ ኸአ አብኡ ኪህሉ እዩ። ነቲ ዜገልግለኒ ዘበለ ኸአ አቦይ ኬኽብሮ እዩ” ይብለና። እዚ አበሃህላ እዚ ምስ ኢየሱስን ማርያምን ኮንና ክንጉዓዞ እሞ ንጉዕዞ ቀራንዮ ክንተሓሓዞ አብ ዝተፈላለየ እዋን ዝተፈላለየ መልክዕ ሒዙ ኽገጥመና እንከሎ እሺ ኢልና መስቀልና ተሰኪምና ንኢየሱስ ክንክተል እዩ።
ነዚ ክንገብር ፍቓደኛታት ዲና? ነገራት ካባና ከይፍለ ንፈርሕ ዲና? ወይስ ኢየሱስ ብዙሕ ነገራት ክንገብሮ ዘጸግመና ይሓተና አሎ? አይንጠራጠር ኢየሱስ እውን አብ አፍደገ ሞት ምስ በጽሔ እቲ ጽዋእ ካብኡ ክሓልፍ ጸልዩ እዩ። “ሕጂ ሕይወተይ ተሃዊኻ አላ” እናበለ ነቲ ዘሕልፎ ዝነበረ ጭንቀት ክበዱ ገሊጹልና። ንሕናኸ እንታይ ምበልና፥ “አምላኸይ ካብዛ ስዓት አድሕነኒ” ብርግጽ እዚ ኢዩ ኢየሱስ ዝጸለዮ። አብ ገለ እዋን ነፍስወከፍና ብፍሉይ ንአና ጥራሕ ዝምልከት እንጾሮ መስቀል አሎና እሞ ትርጉሙ አብቲ ኢየሱስ ዘምሃረና ትምህርቲ ቀራንዮ መልሲ ንርአየሉ።
አብ ዕብራውያን ዝተጻሕፈት መልእኽቲ ናይ ሎሚ ቀዳመይቲ ንባብና ከምዚ እናበለት ትገልጸልና “ኢየሱስ አብዚ ምድሪዚ ኸሎ ናብቲ ኻብ ሞት ከድኅኖ ዚኽእል ብብርቱዕ ገዓርን ንብዓትን ጸሎትን ምህልላን አቕረበ፥ ንአምላኽ ዚእዘዝ ስለ ዝነበረ ኸአ ሰምዖ” ትብለና። ነገራት ከምቲ ንኢየሱስ ብቐሊል ዘይሓልፎ ንአና እውን ብቐሊል ክንሓልፎ ክንጽበ የብልናን። እንተኾነ ድኅሪ ምጽላዩ ደም ምስረሃጽ ብፍርኃትን ምንቅጥቃጥን ሕራይ እሺ ክብል ክኢሉ። “ወዲ አምላኽ እኳ እንተ ኾነ፥ በቲ ዝተቐበሎ ስቓይ እዙዝ ምዃን ተማህረ”። ፍረ ናይ እዚ ኸአ “ነቶም ዝእዘዝዎ ኹሎም ናይ ዘለዓለም ድኅነት ምኽንያት ኾኖም። ከምቲ አብ መጨረሽታ ናይ ሎሚ ወንጌል ዝብሎ፥ “ካብ ምድሪ ልዕል ምስ በልኩ ንኹሉ ናባይ ክስሕቦ እየ” እዚ ልዕል ከብሎ እየ ክብል እንከሎ ንመስቀልን ነቲ ክንክተሎ ዝግብአና ናይ ሰማያዊ አቦና ክብርን ግርማን ከመልክት ኢሉ እዩ።
ሎሚ እምብአር ንኢየሱስ ርኢና ክንክእል ንምሃር። እንርእዮ ኢየሱስ ናይ ወንጌል ኢየሱስ እዩ። እንርእዮ ኢየሱስ እቲ ምእንታና ኢሉ ንኹሉ ስቓይ ዝተቐበለ፥ እቲ ምእንታና ንኹሉ ሓዲጉ ከማና ዝኾነ፥ አብ ኩሉ ጉዕዞና ከምኡ ክንከውን ዝድለ ዘሎ እዩ። ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ኮና ክንርከብ ንኹሉ ብፍቓድ አምላኽ ክንመርሕ እሞ ደቂ አምላኽ ክንከውን ንጸሊ። ንኹሉ ብዓይንኻ ርኢና ክንክእል ሓግዘና ንበሎ።
ጾምና ንኢየሱስ ርኢና እንኽእለሉ ክኾነልና ናይ ነፍሲ ውብክብፍና ክንርኢ ምድላይ አድላዪ እዩ። ድኅሪ ትንሣኤ ሓዋርያት ንኢየሱስ ከም ዝረአይዎ ነንብብ፥ አብ ምድራዊ ሕይወቱ አብ ገለ እዋን ክርእይዎ የጸግሞም ከምዝነበረ ንርኢ። ንሕና ውን ክንርኢ ይኸብደና ከይህሉ እምበርዶ ንኢየሱስ እርኢ አሎኹ እናበልና ንሕልናና ንሕተታ
ማርያም ንኹሉ ርእያ ዝኸአለት ንአምላኽ እሺ ከምዝበልካለይ ይኹነለይ ዝበለት እያ። ሎሚ ከምቲ ንስኺ ዝረአኽዮ እሞ ንአምላኽ ኩልንትናኺ ዝሃብኪ ንሕና እውን ርኢና ክንክእል ለምንልና ንበላ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.