2012-03-28 11:09:51

ሐዋርያዊ ዑደት ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 አብ ላቲን አመሪካ አብ መክሲኮን ኩባን


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 አብ ላቲን አመሪካ አብ መክሲኮን ኩባን ሐዋርያዊ ዑደት የካይዱ ከም ዘለዉ ክፍለጥ እንከሎ፡ አብ መክሲኮ ፈጺሞም ሳንትያጎ ደ ኩባ አትዮም አለዉ።
አብ መክሲኮ ምስ ናይ ቤተ ክርስትያንን መንግሥቲ ላዕሎዎት ሰበሥልጣናትን ከም ዝተራኸቡን ብዓቢኡ ክአ ቅድሚ ትማሊ ሰንበት አብቲ ለኦን ዝርከብ ዓቢ ፓርክ ማለት ቅርዓት ምስ ናይ ሀገራት ላቲን አመሪካ ብፁዓን ካርዲናላትን ብፁዓን ጳጳሳትን ካህናትን ሐቢሮም ልዕሊ 600 ሺሕ ሕዝቢ ዘሳተፈ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉ ዝዝከር ኢዩ። ንምሸቱ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አሰንዮም ንመክሲኮ ዝተጓዕዙ ናይ ቅድስቲ መንበር ልዑካን አብ ቁጽሪ ካተድራል ለኦን አብ ዝተግበረሎም ናይ ድራር ዕድመ ብፁዓን ካርዲናላት መክሲኮን ሀገራት ላቲን አመሪካን ናይ መክሲኮ መራሕ መንግሥቲ ፕረሲዳንት ፈሊፐ ኸሱስ ካልደሮን ከም ዝተሳተፉ ተገሊጹ። ናይ ቅድስስቲ መንበር ዋና ጸሐፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺስዮ በርቶነ በዚ አጋጣሚ”ዚ አብ ዘስምዕዎ ቃል ህዝቢ መክሲኮ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ንዝገብረሎም ሕያውነታዊ ምዉቅ አቀባብላ ንኢዶም። ንሰበሥልጣን ቤተ ክርስትያንን መንግሥትን ብልቢ አመሲጊኖም አብ መክሲኮ ካቶሊካዊ እምነት ጽኑዕ ከም ዝኾነ አመልኪቶም። መራሕቲ ቤተ ክርስትያን መንግሥትን ዝተፈላለየ ተልእኮ ይሃልዎም ድአምበር መሠረታዊ መሰላት ደቂ ሰባትን ነፃነት ሃይማኖትን ክዕቅቡ ከምዝግባእ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሐፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺስዮ በርቶነ አተሐሳሲቦም።
አብዚ እዋን”ዚ ሕገ መንግሥቲ መክሲኮ ዘመሐይሽ ብበሰላት ሕጊ ዝቆመ ኮሚስዮን ከም ዘሎ ክምልከት ከሎ ነፃናት ሃይማኖት ዝገትኡ ሐረጋት ዳግመ ግምት ከም ዝግበረሎም ይምልከት። ፖሊቲካዊ ሙያ አብ ሥነ ሐሳብ ዘተኮረ ደረቅ ዝኾነ ሙያ ዘይኮነስ ንህዝቢ ዘገልግል መሰላት ህዝቢ ዝዕቀብ ሰላማውን ፍትሐውን ኅብረተ ሰብ ንክህሉ ዝጽዕር ክኸውን ከም ዝምረጽ ብጹዕ ካርዲናል ታርቺስዮ በርቶነ በቲ አጋጣሚ ከም ዝገለጹ ተፈሊጡ አሎ።
ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን መክሲኮ ነቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ሕይወቱ አሕሊፉ ብምሀብ ዘድኃኖ ህዝበ ክርስትያን ማእከል ዝገበረ ክርስትያናዊ ሙያ እተካይዶ ምንቅስቃስ ዘኪሮም ከም ዘመስገኑ ተነጊሩ። እዚ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ መክሲኮ ዝካየድ ዘሎ ሐዋርያዊ ዑደት ዳግም ብሥራተ ቅዱስ ወንጌልን ተስፋን ዝህብ ሕልና ምእመናን ዘበራብር ከም ዝኾነ ኽአ አገንዚቦም።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ አባ በንያሚን ክላርዮን ዝተባህሉ ካህን ጓደልሀራ፡ ሐዋርያዊ ዑደት ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብ መክሲኮ ብዚምልከት ርእይቶ ክህቡ እንከለዉ፡ ንህዝቢ መክሲኮ ተስፋን እምነትን ዝህብ ሐዋርያዊ ዑደት ከም ዝኾነ ጠቂሶም እዚ ቤተ ክርስትርያን መክሲኮ አብ ልዕሊ ሕዝበ ክርስትያን ዘለዋ ሐላፍነትን ስራሕን ዘበራትዕ ከም ዝኾነ ገሊጾም።
ቅዱስ አቦና ሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብ ለኦን ምስ ሕጻናት ዘካየድዎ ርክብ እቲ አብ ቅርዓት ለኦን ልዕሊ 600 ሺሕ ምእመናን ዝተሳተፍዎ በነዲክቶስ ዝተመርሔ ሥርዓተ ቅዳሴ አዝዩ ከም ዝመሰጦምን፡ እዚ ክአ መክሲኮ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ እስጳኛ ነጻ ዝወጸትሉ መበል 200 ዓመታት ዝዝከረሉ ግዜ ብምኻኑ አዝዩ ሐጎስ ተስፋ ዝህብን እምነትካ ዘረጋግጽን ሀዋርያዊ ዑደት ከም ዝኾነ ካህን ጓዳልሀራ አብ ክላርዮን ነቶም አብቲ ቦታ ዝረከቡ ልዑካን ዜና ቫቲካን ገሊጾምሎም።
እዚ መክሲኮ ዚምልከት ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስ አቦኣና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ትማሊ አጋ ምሸት አብ ደሴት ኩባ ብተመሳሳሊ ሐዋርያዊ ዑደት ክገብሩ አብ ሳንታዮ ደ ኩባ አትዮም። ሀገራት ሐቆፍ መዕረፍ ነፈርቲ ሳንትያጎ ደ ኩባ ምስ በጽሑ ናይ ኩባ መራሒ ፕረሲደንት ራውል ካስትሮ ናይ ሳንትያጎ ደ ኩባ ሊቀ ጳጳስ ብጹዕ አቡነ ዲዮኒስቶ ጉየልሞ ጋርሲያ ኢባነጽ አብ ኩባ ናይ ቅድስቲ መንበር ሐዋርያዊ ወኪል አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ኩባ አምባሳደር ደልጋዶ በርሙደጽ ተቀቢሎምም። አብ መዕረፍ ነፈርቲ ስናትዮ ደ ኩባ ካልኦት ናይ ቤተ ክርስትያንን ናይ መንግሥትን ናይ ዲፕሎማሲ ሰባትን ሰበሥልጣንን ተረኺቦም ብዉዕዉዕ አገባብ ተቀቢሎሞም። ናይ ኩባን ቫቲካንን ሃገራዊ መዝሙር ምስተሰምዑ ፕረሲዳንት ራውል ካስቶ ናይ እንቋዕ ድሐን መጽእኩም ቃል አስሚዖም። ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ንዝተገብረሎም ሕያውነታዊን ምቅሉልን አቀባብላ አመስጊኖም። ቅድሚ 14 ዓመታት ነፍሰኄር ብፁዕ ዮሐንስ ጳውሎስ ካልአይ አብ ኩባ ሐዋርያዊ ዑደት አካይዶም ከም ዝነበሩ ይዝከር። ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲቶስ አብ መዕረፍ ነፈርቲ ሳንትያጎ ደ ኩባ ምስ ፕረሲዳንት ራውል ካስቶ ንሐጺር ግዜ ብብሕቲ ተዘራሪቦም።
ብድሕሪኡ ንቤተ መንበረ ጵጵስና ሳንትያጎ ደ ኩባ ተጓዒዞም ድሕሪ ቁሩብ ዕረፍቲ ብናይ ኩባ ሰዓት አቁጻጽራ ሰዓት ሐሙሽተ ድሕሪ ቀትሪ አብ ሮማ ልክዕ ፍርቂ ለይቲ ናብቲ ፕላዛ አንቶንዮ ማሰኦ ዝተባህለ ዓቢ ቅርዓት ተጓዒዞም ነቶም አብቲ ዓቢ ቅርዓት ዝጽበይውም ዝነበሩ ምእመናን ሰላም ኢሎም ሐዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም።
ብድሕሪኡ ምስሊ ቅድስቲ ድንጋል ማርያም ወላዲተ አምላኽ ዝተረኽበሉ መበል 400 ዓመት ብካርዲናላትን ጳጳሳትን ተዓጂቦም በምእት አሽሀት ምእመናን ኣአብ ዝተረኽብሉ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኧዕሪጎ። ድሕሪ ቅዳሴ ክአ ናብ ቤት ጵጵስና ቅዱስ ባሲልዮ ማኞ ተመሊሶም እዚ አብ ኩባ ሰዓት ሾሞንተ ናይ ምሸት ክኸውን እንከሎ አብ ፍርቂ ለይትን ፈረቃን ኢዩ። ምስቶም ዘሰነይዎምን ምስ ብጹዓን ካርዲናላትን ጳጳሳትን ሥርዓተ ድራር ከም ዝተፈጸመ ተፈሊጡ አሎ። ንግሆ ብብሕቲ አብ ቤተ ጸሎት ቅዱስ ባሲልዮ ማኞ ብብሕቲ ሥርዓተ ቅዳሴ ከም ዝፈጸሙን ሎሚ 27 መጋቢት ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ካብ ሳንታጎ ደ ኩባ ንርእሰ ከተማ ሃቫና ተጓዒዞም።
ሕጂ እዚ መደብና አብ ዝተሐላለፈሉ ዘሎ ግዜ ሀገራት ሐቆፍ መዕረፍ ነፈርቲ ኾሰ ማርቲ ሀቫና ይአትዉ አለዉ። ብናይ ሰበካ ሃቫና ሊቀ ጳጳስ ብጹዕ ካርዲናል ኻይመ ሉካስ ኦርተጋ ኢ አላሚኖ ዝተመርሑ ናይ ቤተ ክርስትያን ላዕሎዎት ሐለፍትን ናይ መንግስቲ ላዕላዎት ሰበ ስልጣናትን ብዙሐት ምእመናን አብ ኮሰ ማርቲ ሃቫና መዕረፍ ነፈርቲ ጸኒሖም ብዉዕዉዕን ብምቅሉልን ሕያውነታዊን ሐጎስን ብዝመልኦ አገባብ ተቀቢሎሞም። ርእሰ ከተማ ሃቫና 7.542 ትርብዒኣት ኪሎሜትረ ስፍሐት ዘለዎ 3 ሚልዮንን 929 ሺህ ህዝቢ ዝነብራ ካብዚአቶም 2 ሚልዮንን 821 ሺሕ ካቶሊካውያን ኢዮም።
በቲ መርሀ ሐዋርያዊ ዑደት ኩባ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መሠረት ፡ ካብ መዕረፍ ነፈርቲ ኾሰ ማርቲ ሀቫና ንቤተ ጵጵስና ክጓዓዙ ኢዮም አብዚ ምስቶም ዘሰነይዎምን ምስ ብፁዓን ካርዲናላትን ጳጳሳትን ኩባ ሥርዓተ ምሳሕ ምስተፈጸመ ንፕረሲዳንት ራውል ካስትሮ ናይ ክብሪ ምብጻሕ ከገብሩ ናብቲ plascio de la revoluciòn de la bavana አዳራሽ ገድሊ ዝጽዋዕ ክጓዙ ኢዮም።
ምስ ናይ ኩባ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት አውራ ሐላፊ ራውል ካስትሮ ብብሕቲ ተራኺቦም ከም ዝዘራረቡን ህያብ ምስተለዋወጡን ንቤተ ጵጵስና ከም ዝምለሱ ብድሕሪኡ ምስ ብጹዓን ካርዲናላትን ጳጳስትን ኩባ ምስቶም ዘሰነይዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ልዕካንን አብ መአዲ ድራር ከም ዝቀርቡ ሐዋርያዊ መርሃ ዑደቶም አገንዚቡ።
ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ጽባሕ ብናይ ኩባ ሰዓት አቁጻጽራ ሰዓት ትሽዓተ አብ ሮማ ሰዓት አርባዕተ ድሕሪ ቀትሪ አብቲ ዓቢ ሜዳ ረቮሉስዮን ሥርዓተ ቅዳሴ ከም ዝመርሑ መርሀ ሐዋርያዊ ዑደቶም ኩባ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.