2012-03-27 14:47:43

ናይ ባህሊ ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ


ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ሃገራት እስያ ልኡካነ መንግሥታት ብናይ ባህሊ ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዕድመ መሰረት ኣብ ቫቲካን ዘተ ምስ ዝተፈላለያ ባህልታትን ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ባህልታትን ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ሓባር ጉባኤ ንኽካየድ ዘቕረቦ ዕድመ ዕለት 10 መጋቢት 2012 ዓ.ም. ኣብ ቫቲካን RealAudioMP3 ከምእተኻየደ ዝዝከር ኮይኑ፣ ብተመሳሳሊ መደብ ድማ ትማሊ ኣብ ቫቲካን፣ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ዝተፈላለያ ሃግራት ኣፍሪቃ ልኡካነ መንግሥታት ዝዓደመ ጉባኤ ከምእተኻይደ ናይ ባህሊ ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ናይ ባህሊ ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጃንፍራንኮ ራቫዚ ቅድስቲ መንበር እቶም ብስነ ኣቀማምጣ መሬት ካብ ቫቲካን ኣዚየን ምስ ዝረሓቓ ሃገራት ባህላዊ ዘተ ክህሉን ሃብቲ ባህሊ ክልለን ባህሊ መራኸቢ እምበር መፈላለዪ ባይታ ኮይኑ ንዝተፈላለዩ ጸገማት ከየቓልዕ ናብ ዝብል ሸቶን ንኣፍሪቃ ብሓባራዊ ኣገላልጻ ካብ ዝወሃባ መለለዪ ወጺእና ነፍሲ ወከፍ ሃገራት ኣፍሪቃ ባህላዊ መንነትን ክንፈልጥን፣ በዚ መሰረት ድማ እቲ ዘሎ ርክብ ምጽናዕን ካቶሊካዊ መንነት ሮማዊት ቤተ ክርስትያን ኣብተን ሃገራት ክልለ ዝድግፍ መደብ ምዃኑ ኣብቲ ትማኢ ዝተኻየደ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዝገለጹ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ናይ ዝተፈላለያ ኣብ ጎደና ምዕባለ ዝርከባን ከምኡ እውን ድኻታት ሃገራት፣ ዘለወን ባህላዊ መንነት ብስገዳድ ብሓደኣዊ ባህሊ ክዕብለል ዝብል ብዓለማውነት ምትእስሳር ‘ብኤኮኖምያውን ብምዕባለ መራኸቢ ብዙሃንን’ መልክዕ ዝተኣታተውን እናሰፍሔን ዘሎ ናይ ሓያላት ሃገራት ዓብላሊ ሓደኣዊ ባህሊ መሠረት ዘጋንፎ ዘሎ ሓደጋ ክልለን ናይ ሃገራት ባህላዊ መንነት ተነጺሩን ካብቲ ዘጓንፎን ከጓንፎ ካብ ዝኽእል ዕብላለ ንምንጋፍን ምስተን ሃገራት ባህሊ ካብ ቋንቋን ስነ ጥበብን ስነ ምርምርን ስነ ሙያኣውን ኤኮኖምያውን ሃይማኖታውን ተበጊሱ መንሰያት ዘሳትፍ ባህላዊ መደባት ንኽተባባዕ ኣሚቱ ዝውጽኦ መደብ ምዃኑ ከምዘረድኡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.