2012-03-27 14:46:15

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማኅተምን መግለጺ ፦ ሓዋርያዊ ዑደት ቅዱስ ኣቦና ኣብ መክሲኮ


ንቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ መበል 23 ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ዘሰንዩ ዘለዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማኅተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ናብቲ ሓዋርያዊ ዑደት ልኡኽ ጋዜጠይና ጃንካርሎ ላ ቨላ ንዘቕረበሎም ሕቶ እንክምልስ፣ ናይ ቅዱስ ኣቦና ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ መክሲኮ፣ በቶም መንቀሊኦም ንጹር ብዝኾነን ኩላትና ብእንፈልጦም ብድሆታት ንዝተፈላለየ ሽግራት ተቓሊዑ RealAudioMP3 ኣብ ስቓይ ንዝርከብ ዘሎ ሕዝቢ መክሲኮ ናብ ተስፋ ዝዕድም ምልክታ ተስፋ እዩ። ስለዚህ መተባብዕን ናይ ተስፋን ቃል ቅዱስ ኣቦና ኣብ መዓሙቕ ልቢ መክሲካውያን ተሓቲሙ ዝተርፍ ምዃኑ ኣረዲኦም፣ ሓዋርያዊ ዑደት ቅዱስ ኣቦና ኣብ መክሲኮ፣ ምስ መክሲካውያን ዘራኸቦም ውጽኢቱ ጥልቂ ዝኾነን ዓቢ ሓጎስን ህድኣትን ዝተራእዮን እዩ። እቲ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብቕረባ ዝፈለጠ ሕዝቢ ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ከምቲ ዝንገር ዘይኮነስ ብጭብጢ ብቐረባ ክፍልጦም በቒዑ እዩ። ዋላ’ኳ እቲ ሓዋርያዊ ዑደት ናይ ሒደት መዓልታት ፍጻሜ እውን እንተኾነ ጽዑቕን ብዙሕ ርክባት ዝተፈጸመሉን ምዕዳንን ኣስተምህሮን ስብከትን ዝቐረበሉ ኮይኑ ኣብ መንጎ ሓዋርያዊ መንበርን ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ኣብ መክሲኮን ውሉደ ክህነትን ብፁዓን ጳጳሳትን ምእመናን ዘሎ ምትእስሳር ዝተረጋገጸሉ ቀጥተይና ተመክሮ ዝተነበረሉ እዋን እዩ።
ምስ ሕፃናትን ህሙማንን ኣረጋውያንን ዝገበርዎ ርክብ ብሓቂ ንልቢ ዝትንክፍ ከምዝነበረን፣ ሕዝቢ መክሲኮ ምስ ቅዱስ ኣቦና ተራኺቡን ብቐረባ ፈሊጥዎምን እዩ። ቅዱስ ኣቦና እቲ ዓሚዩቕ መሠረት እምነት መክሲካውያን ብቐረባ ተገንዚቦምን እቲ ሕዝቢ ዝተጋርዶ ዝተፈላለዩ ጸገማት ዝፈልጥዎ እውን እንተኾነ፣ ምስኡ ሓቢሮም ኣብ እዋናዊ ኩነት ብድሆ ዝንበር እምነት ተንቲኖም ናይ ሕዝቢ ውዕዉዕ ልባውን ስምዒት እምነቱን ህያው ምዃኑ ተገንዚቦምን ዓቐን እምነት ድማ በዚ ጥራሕ ዝግለጽ ከምዘይኮነ ምዒዶም እዮም።
መበል 23 ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ቅዱስ ኣቦና ኣብ መክሲኮ ተፈጺሙን ቀጺሉ ዕለት 29 መጋቢት 2012 ዓ.ም. ዝዛዘም ትማሊ ዝጀመረ ናይ ኩባ ሓዋርያዊ ዕደቶም ኣብተን ክልተ ሃገራት ዝውሰን ዘይኮነስ ክፍለ ዓለማውነት ዓቐን ዘለዎን ካብኡ ሓሊፉ እውን ኩላውነት ባህርይ ዘለዎ እዩ። ኣብ ኵብ ቤተ ክርስትያን ዘሕለፈቶም ጸገማት ንዅሉ ንጹር እዩ። በቲ ዝነበረ ስርዓት ምኽንያት ቤተ ክርስትያን ካብ ማኅበራዊ መዳይ ተነጺላ ኣብ ቤት ውሉደ ክህነት ተዓጽያ እያ ጸኒሓ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ግን ቤተ ክርስትያን ኣብ ኩባ ኣብ ዳግማይ ልደታ እያ እትርከብ ዘላ ምባል ዝከኣል እዩ። ህዝቢ ኵባ ነቲ ኣብ ሃገሩ ዝርአየ ኣዋናዊ ለውጢ ብርግኣትን ኣርሑቑ እናጠመተን ተስፋ ገይሩ እዩ ዝነብሮ ዘሎ፣ ስለዚህ ሓዋርያዊ ዑደት ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኩባ ምስ ናይ ኵባ ጭቡጥ ተመክሮ ዝተተሓሓዘ ናይ ገዛእ ርእሱ መንነት እውን ዘለዎ እዩ።
ቅዱስ ኣቦና ኣብ መክሲኮ ኣደባባይ መበል 200 ዓመት ሓርነት ዘዕረግዎ መሥዋዕተ-ቅዳሴ እቲ ኣብኡ ዝተራእየ ጥልቂ ሃዋሁ ዘይርሳዕ ምስሊ ኮይኑ ኣብ ልብን ኣእምሮን ኩሉ ተሓቲሙ ከምዝተርፍ ኣይተራጠርን እየ። ኣብ መሥዋዕተ-ቅዳሴ ቅዱስ ኣቦና ምስ ሕዝቢ መክሲኮ ኣብ እምነትን ብእምነትን ምስ እምነትን ተራኺቦም እዮም። እዚ ድማ እቲ ናይ መክሲኮ ሓዋርያዊ ዑደት ሕመረት እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.