2012-03-27 14:44:33

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ “መክሲኮ ወትሩ ኣብ ልበይ ህልውቲ እያ”


ቅዱስ ኣቦና ኣብ እመ ብርሃን ባዚሊካ ብሓባር ምስ ብፁዓን ጳጳሳት መክሲኮን ካብ መላእ ላቲን ኣመሪካ ዝተዋጽኡ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ዝተሳተፍሉ ዝመርሕዎ ጸሎተ ሰርክ ዘስምዕዎ ስልጣናዊ ስብከት ፍጻሜ RealAudioMP3 ናብታ ኣብ መክሲኮ ዘዕርፉላ ቤቶም እንክኸዱ ዘይተሓስበ ማሪያኪ ናይ መክሲኮ ባህላዊ ሙዚቀይናታት ብዘቕረብሎም ባህላዊ ውሁድ ጥዑም ሙዚቃ ምዉቅ ሰላምታ ከምዘቐረበሎም እንክፍለጥ፣ ቅዱስነቶም በቲ ንኽብሮም ብዝቐረበሎም ጥዑም ባህላዊ ሙዚቃ ተደኒቖም ዝተፈተኹም ኣሕዋተይ ኣዚየ እመስግነኩም ብሓቂ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ውዕዉዕ ስምዒት ሰላምታ ክቐርበለይ ንፈላማ ግዜ ኢዩ። ካብ ልበይ ዘይሕከኽ ተመክሮ እዩ። መክሲኮ ወትሩ ኣብ ልበይ ህልውቲ ክትከውን ገይርዋ እዩ። ንመክሲኮ ወትሩ ከምዝጽልዩ እውን ኣተሓሳሲቦም፣ እቲ ቅድሚኦም ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዘስተማቐርዎን ብጭቡጥ ዝተዓዘብዎን ሕዝቢ መክሲኮ ዋላ’ኳ ዓመጽን ሞትን ዘኸትሉ ጸገማት እግሩ እግሩ ዝስዕቦ እውን እንተኾነ በቲ ዘለዎ ናይ ምንባር ብርቱዕ ድላይ ዝገልጽ ሓጎስ ከምዘስተማቐሩ ገሊጾም፣ ብሓቂ ድማ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ መክሲካውነት ይስምዓኒ ዝበልዎ ሕጂ ብተግባር ተረዲአዮ ምስ በሉ። እቶም ናይ መክሲኮ ናይ ባህሊ ሙዚቀይናታት ድሕሪ እቲ ቓል ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፣ በነዲክቶስ ሓውናን ኣቦናን መክሲካዊ ር.ሊ.ጳጳጳሳት ብዝብሉ ቃላት ብዘይ ምቕርራብ ኣብኡ ናብኡ ገጢሞም ብህርመት ባህሊ ሙዚቃ መክሲኮ ዝተሰነየ ጥዑም ሙዚቃ ንኽብሮም ከምዘቕረቡሎም ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.