2012-03-27 14:42:53

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ቤተ ክርስትያን ኣብ ጎድኒ ስደተይናታት


ካብ ዕለት 23 መጋቢት ክሳብ ዕለት 26 መጋቢት 2012 ዓ.ም. ዝተኻየደ ናይ ቅዱስ ኣቦና መበል 23 ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ትማሊ ከምእተፈጸመን፣ ቅዱስኖትም በዚ መበል 23 ዓለም ለኻዊ መደብ ሓዋርያዊ ዑደት መሠረት ኣብ ኩባ ከምዝርከቡ ክፍለጥ እንከሎ፣ ቅድሚ ትማሊእ ኣብ መክሲኮ RealAudioMP3 ዕለት 25 መጋቢት 2012 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ሊዮን ባዚሊካ እመ ብርሃን ምስ ብፁዓን ጳጳሳት ሃገረ መክሲኮን ካብ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ዝተዋጽኡ ብፁዓን ጳጳሳት ዝተሳተፍሉ ጸሎት ዘ ሰርክ መሪሖም “ቤተ ክርስትያን ወትሩ ኣብ ኣገልግሎት ዘርኢ ሰብ ከምእትጽመድን፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ጎድኒ ስድተይናታት እያ” ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ኣብ ዘስምዕዎ ሥልጣናዊ ስብከት ብፁዓን ጳጳሳት ወትሩ ብፍላይ ድማ ንሕይወት ቤተ ክርስትያን ዓቢ ስቓይ ኣብ ዝኾነሉ ኵነት ዘረኢ ተስፋ ክኾኑ ኣተባቢዖም።
ቅዱስ ኣቦና ምስቲ ዅሉ ድኻሞምን ተስፋታቶምን ተሪር ጽንዓቶምን ትብዓቶምን ኣብ ባዚሊካ እመ ብርሃን ተረኺቦም ንሕዝቢ ላቲን ኣመሪካ ኣብ እምነት ኣጽኒዖም፣ ብፁዓን ጳጳሳት ኵሉ ፍረ ትንሳኤ ንምራኣይን ንምስትውዓልን ዘኽእሎ ዘርኢ ተስፋ ኮይኖም ክርከቡ ኣተባቢዖም፣ ቀትርን ለይትን ወትሩ እቲ ናይ ወዲ ሰብ ሕይወት ዝኾነ ክብሪ እግዚኣብሔር ዝእውጅ ፍቕያ ክኾኑ ኣተባቢዖም።
ወትሩ ኣብ ጎድኒ እቶም ካብ ሃብትን ሥልጣንን ሓይልን ዝተነጸሉን ምስቶም እዚ ኹሉ ዝጎድሎም ብዓመጽ ምኽንያት ኣብ ዝተነጸለ ሕይወት ምስ ዝነብሩ ዘለዉ ጎድኒ ደው ክብሉ ምዒዶም፣ ቤተ ክርስትያን ውዳሴ ንእግዚኣብሔር ካብ ኣገልግሎት ዘርኢ ሰብ ክተፈልዮ የብላን፣ ሰብ ምዃን ኃዊ ምዃንን ሓላዊ ብጻይካ ምዃንን የላግብ። ስለዚህ ቤተ ክርስትያን እቲ ኢየሱስ ‘ሕያዋይ ጓሳ’ ካብ ጾር ዕረፍቲ ዝዓደለና ህያብ ሕውየትናን ዝኾን፣ ዝኾኖን ዝነበሮን ዳግም እናነበረቶ ክውን ኣትገብር እያ። በዚ መሠረት እቲ ናይ ዳግማይ ኣስፍሆተ ወንጌል ብድሆ እነጺሮም፣ ዳግማውይ ኣስፍሆተ ወንጌል ንዓለማውያን ምእመናን ኣቃልቦ ዝገብር ክኸውን ከምዝግብኦ ምዒዶም።
ወንጌል ኣብ እዋናዊ ኅብረተሰብ ህልውን ፍርያማን ንኽኸውን ናይ ዓለማውያን ምእመናን ሕንጸት ወሳኒ እዩ። ስለዚህ ዓለማውያን ምእመናን ኣብ ቤተ ክርስትያን ብዝተፈላለየ ጸዋዕታ ምስቲ ዘለዎም ዕለታዊ ናብራ ድኻምን ሓርኮትኰትን መስዋዕትነትን ብምሉእ ተወፋይነትን ዘገልግሉ ብምዃኖም (ኣብ ቤተ ክርስትያን) ብዙሕ ግምት ዘይወሃቦም ኮይኖም ከይሕሰቡ ድማ ኣጠንቂቖም፣ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ብጥንቃቔ ምስዓብ ዝብል ኣገዳሲ ውሳኔ ዓቢ ግምት ክወሃቦ ኣለዎ ኢሎም።
እቶም ሓልዮትን ቅርበትን ዘድልዮም ኣባላት ውሉደ ክህነት ናይ ብፁዓን ጳጳሳቶም ምርዳእን ምትብባዕን ክረኽቡ ግድን ኢዩ። ዘይካህናዊ ተግባራት ምስ ዘርአይ ከም ኣቦ መጠን ክገንሕዎም ግቡእ እዩ ቢሎም፣ ንናይ ቤተ ክርስትያን ሕይወትን ተልእኾን ዕንቅፋትን ስቓይን ዝኾኑ ኩነታት እውን ዘኪሮም፣ ኣብ ገለ ገለ ብፁዓን ጳጳሳታ ገጽ ዝርእይዎ ተመክሮ እውን ከምዝኾነን፣ ኣብ ስቓይን መከራን ንበይንኹም ኣይኮንኩምን ኩላትን ኣብ ስቓይን ምጽንናዕን ሕቡራታ ኢና እንክብሉ ዘስምዕዎ ስልጣናዊ ስብከት ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.