2012-03-24 15:03:03

መልሲ ቅዱስ ኣቦና ንዓለም ሓቆፍ ጋዜጠይናታት ንመክሲኮ ኣብ ዝነቐሉላ ነፋሪት
ቀዳማይ ተግባር ቤተ ክርስትያን እግዚኣብሔር ምብሳር እዩ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ዕለት 23 መጋቢት 2012 ዓ.ም. ንመበል 23 ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ናብ መክሲኮ ኣብ ናይ ሮማ ፊዩሚቺኖ መዕርፎ ነፈርቲ ብናይ ኢጣሊያ መራሔ መግንሥቲ ማሪዮ ሞንቲ ተፋኒይም ኣብ ዝተሳፈሩላ ነፋሪት ምስ ደየቡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት RealAudioMP3 ዝተዋጽኡ ብናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማኅተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ መልእኽቲ ሰላምታ ቐሪቡሎም ምስ ቅዱስ ኣቦና ዝተላለዩ ጋዜጠይናታት ነዘቕረቡሎም ሕቶ መልሲ ከምዝሃቡ ክፍለጥ እንከሎ፣ ቅዱስ ኣቦና ካብቶም ጋዜጠይናታት ኣብ እዋናዊ ኵነተ ዓለምን ብፍላይ ድማ ኣብተን ሓዋርያዊ ዑደት ዝፍጽሙለን ሃገራት ዘሎ ህልዉ ኵነታትን ኣብ መላእ ላቲን ኣመሪካ ኣብ ብድሆ ንዳግመ ኣስፍሆተ ወንጌል ዘማእከለ ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፣ ኣብ ተስፋን ፍቕርን ከተባብዑን ክመሃሩን ኣብ እምነት ከጽንዑን ናይ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣሰር ዝኽተል ሓዋርያዊ ዑደት እዩ ኣንክብሉ ነቲ ናይ መክሲኮን ኩባን ሓዋርያዊ ዑደት ቀንዲ ዕላማኡ ገሊጾም፣ ኣብ መክሲኮ ዝርኤ ዓመጽን ንግድ ዘደንዝዝ እጸዋትን ቀንዲ ናይታ ሃገር ብድሆታት ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ፣ እዚ ዓቢይ ሰብኣውነትን መንሰይ ወለዶን ዘዕንው ክፍኣት ፈጺሙ ንኽውገድ ናይ ኩላትና ሓላፍነት ዝሓትት ተግባር እዩ። ቤተ ክርስትያን እዚ ዓቢይ ስቓይ’ዚ ንኽውገድ ካብ ምብሳር እግዚኣብሔር ዘማእክለ ተግባር ዝብገስ ዓቢ ሓላፍነት ከምዘለዋ ገሊጾም፣ ሕንጸት ሕሊናን ንናይ ግብረ ገባዊ ሓላፍነት ሕንጸትን ዝብል ነቲ ናይ ክፍኣት መንፈስ ዘቃልዕ ሓላፍነት ኣለዋ። እቲ ሃብቲ ገንዘብ ዘምልኽ ወዲ ሰብ ንባርነት ዝዳርግ ክፍኣት ዘቃልዕ ዓቢ ሓላፍነት ምዃኑ ኣረዲኦም፣ ቤተ ክርስትያን ሕያውነትን ርሕራሔን ሓቅነትን እግዚኣብሔር ህልው እናገበረት ነቲ ናይ ክፍኣት መንፈስ ተቓልዕ።
ቅድሚ 14 ዓመተ ኣቢሉ እቲ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ኵባ ዝፈጸመዎ ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ኵባን ዘተባብዖ ክሌኣዊ ርክብ መሠረት ገይሮም እቲ ኣብ ኵባ ዘሎ ማኅበራዊ ፖለቲካዊ ጉዳይ ዝድህስስ ዘበገስዎ ምትሕብባርን ዘተን ክቕጽል ዘለዎን ትዕግስቲ ዝሓትት ጎዳና ዝኽተል ቀጻሊ እዩ። ማርክሳዊ ስነ ሓሳብ ንጭቡጥ ኵነት ዘይምልስ እዩ። ስለዚህ ቤተ ክርስትያን ቅኑዕ ኅብረተሰብ መታን ክሕነጽ ኣብ ናይ ዘተ መዳይ ደገፋ ተቕርብ። ወትሩ ኣብ ጎድኒ ነጻነት ‘ናይ ሃይማኖትን ኅሊናን ነጻነትን’ ደው ክምእትብልን እውን ኣነጺሮም፣ ነቲ ብዛዕባ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣብ ላቲን ኣመሪካ ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ ጠቒሶም፣ ምስቲ ዝሰፍሕ ዘሎ ሃይማኖት ዝንጽል ዓለማውነት ዝነጻጸር ልብን ኣእምሮን ፍልጠትን ዘጣመር መገዲ ዝኽተል ክኸውን ኣለዎ። ቤተ ክርስትያን ፖለቲካዊ ሥልጣን ወይ ድማ ናይ ፖሊቲካ ወድብ ኣይኮነትን። ግብረ ገባዊ ክውንነት እያ። ስለዚህ ግብረ ገባዊ መዝነት እያ። ነዚ እተድኣ ተረዲእና ሓላፍነታ ሕንጸተ ሕሊናን ኩሉ ኣብ ሓላፍነቱ እትሓንጽ ግላውን ማሕበራውን ሕሊና እትሓንጽ እያ።
ኣብ ኩሉ መዳይ ማሕበራውን ውልቃውን ግብረ ገባዊ ሕይወት ክፈላለ ይርአይ፣ ኣብ ግላዊ ሕይወትካ ካቶሊካዊ ኣብ ማሕበራዊ ሕይወት ድማ እቲ ንቅኑዕ ማሕበራዊ ሕይወት ሕንጸት መሠረት ዝኾነ ወንጌላዊ ክብሪ ዘየኽብር ሕይወት ዝነብር ዘይካቶሊካዊ ኰይንካ ምንባር ኣይከኣልን እዩ እንብሉ ንዝቐረበሎም ሕቶ ከምዝመለሱ ካብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዝተውሃበ መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.