2012-03-22 14:08:37

ናይ ደም ሰማዕትነት ልኡካነ ወንጌል


ካብ 1980 ክሳብ 2011 ዓ.ም. ኣብ መላእ ዓለም ናይ ደም ሰማዕትነት ዝተቐበሉ ልኡካነ ወንጌልን ኣባላት ውሉደ ክህነትን ገዳማውያንን ዓለማውያን ምእመናን ብዝሒ ካብ ሽሕ RealAudioMP3 ንላዕሊ ከምዝግመት ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ዘውጽኦ ጸብጻብ እንክሕብር፣ ካብ 1980 ክሳብ 1989 ዓ.ም. በዘስካሕክሕ መቕተልቲ 115 ልኡካነ ወንጌል ንሞት ከምእተዳረጉን፣ እዚ ዝተውሃበ ኣኃዛዊ ጸብጻብ እቲ ብዕሊ ዝፍለጥን ዝተጸረየን ዜና መሠረት ዝገበረ ክኸውን እንከሎ ብዙሓት ገና ኃለዋቶም ዘይተፈልጥ ልኡካነ ወንጌል ከምዘለዉ እዩ ዝንገር።
ካብ 1990 ዓ.ም. ክሳብ 2000 ዓ.ም. 604 ልኡካነ ወንጌል ከምእተቐትሉን፣ እዚ ድማ ኣብ ርዋንዳ ኣብ 1994 ዓ.ም. ዝተኸስተ ዓመጽ ምንጻት ዓሌት፣ ንልኡካነ ወንጌል ካብቲ ንሞት ሓደጋ ዘቓልዑ ረቛሒታት ሓደ ምዃኑን፣ ኣብቲ እዋን 248 ዝተቐትሉ ኣባላት ውሉደ ክህነትን ልኡካነ ወንጌልን ኣባላት ቤተ ክርስትያንን ዝምልከት ምዃኑ ዝገለጸ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፣ እቶም ዝተቐትሉ ብፍላይ ልኡካነ ወንጌል ዝምልከት ጥራሕ ዘይኮነስ ብጠቕላላ ኣባላት ቤተ ክርስትያን ዝምልከት ከምዝኾነን ካብ 2001 ዓ.ም. ክሳብ 2010 ዓ.ም. 225 ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣባላት ከምእተቐትሉን ኣብ 2011 ዓ.ም. ድማ 26 ኣባላት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን 18 ናይ ሰበኻ ካህናትን 4 ገዳማውያንን 4 ዓለማውያን ምእመናን ከምእተቐትሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ዘውጽኦ ጸብጻብ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.