2012-03-22 14:07:07

ሶሪያ፦ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ገዳም ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን


ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ንብረትን ቅዱሳት ስፍራን ኣመሓዳሪ ኣባ ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ዝሃብዎ መገልጺ ዝጠቐሰ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት RealAudioMP3 ከምዝሓበሮ፣ ኣብ ኣለፖ ዝወረደ መጥቓዕቲ ብሰፊሕ ኣብቲ መብዛሕቲኡ ክርስትያን ክፍሊ ኅብረተሰብ ዝቕመጠሉን ኤር ራም እተሰምየ መንሰያትን ሕጻናት ዝእከብሉን ሕንጸት ዝረኽብሉ ገዳም ዝርከበሉ ክፍሊ ከተማ ኣል ሱላይማንያ ከምዝኾነ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
እቲ ዝወረደ መጥቓዕቲ ብዘስዓቦ ስንባደ ንግዚኡ ኣብቲ ኤር ራም ገዳም ዝወሃብ መደብ ሕንጸት ክቋረጽ ከምእተወሰነን፣ ብሓቂ ነቶም ሕጻናት ኣኪቦም ዘስተምህሩ ዝነበሩ ኣባ ሻዲ ባደር ቅድሚ እቲ ዝወረደ መጥቓዕቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ኃዋሁ ስለ ዘተሓሳሰቦም ነቶም ሕጻናት ናብ ኣባይቶም ቅድም ቢሎም ስለ ዘፋነዉዎም እቶም ሕጻናት ካብ ሞት ሓደጋ ክድሕኑ ከምዝኸኣሉን ድሕሪ እቲ መጥቓዕቲ እቲ ቤት ሕንጸት ከምዝዓነወ እውን ከምዝገለጹ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
ብሓቂ እቲ ዘሎ ውጥረትን ግጭትን ርኢኻ ኣብ ሶሪያ ክፍጠር ዝኽእል ኩነት ንምግማት ኣዚዩ ዘጸግም ምዃኑ ኣባ ፒዛባላ ሓቢሮም፣ መጻኢ ኩነት ሶሪያ ዘይንጹር እዩ ቢሎም ኩሉ ማኅበረ ክርስትያን ምእንቲ ሶሪያ ክጽሊ ጻውዒት ከምዘቕረቡን፣ እቲ መጥቓዕቲ ዝወረዶ ኣብ ኣለፖ ዝርከብ ብሕልቅና ኣባ ጆርጆ ኣቡ ካዘን ዝምራሕ ናይ ፍራንቸስካውያን ኣኃው ገዳም ከምዝኾነ ክምዝገለጹ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.