2012-03-22 10:30:14

ሰንበት ዘደብረ ዘይት 9 መጋቢት 2004 ዓ.ም. ((18መጋቢት 2012) “ምሓሩ ኽትምሓሩ”


መዝሙር፡ እንዘ ይነብር እግዚእነ ውስተ ደብረ ዘይት. . . ።
ንባባት፡ ሮሜ. 14፡7~9 ፤ 2ጴጥ. 3፡7~15፤ ግ.ሓ. 24፡1~22፤ማቴ 18፡21~35።
ምስባክ፡ “እግዚአብሔርሰ ግሃደ ይመጽእ ወአምላክነሂ ኢያረምም፥ እሳት ይነድድ ቅድሜሁ” ‘እግዚአብሔር ግልጺ ኮይኑ ክመጽእ እዩ፥ አምላኽና ክመጽእ እዩ ሱቕ እውን አይብልን እዩ፥ ሓዊ አብ ቅድሚኡ ይቃጸል’ መዝ.50፡3። ንዳግማይ ምጽአት አምላኽ ብንቕሓት ክንጽበ ከም ዝግብአና ዘዘኻኽር ምስባክ። አምላኽ ክምሕረና ንሕና እውን ክንምሕር አሎና። ምሓሩ ክትምሓሩ። አምላኽ ይመጽእ አሎ እሞ አብ ጎደና ምሕረት ተመለሱ እናበለ በዚ እዋን ይሕብረና አሎ።
አብ ናይ ሎሚ ሰንበት መዝሙር “ ብዙኃት ብስመይ አነ ክርስቶስ እየ እናበሉ ክመጹኹም እዮም እሞ ከየስሕቱኹም ተጠንቀቑ ተሰናዲኹም ጽንሑ። እቲ ክሳብ መወዳእታ ተዓጊሱ ዝጸንሕ ንሱ ኪድኅን እዩ። ወዲ ሰብ ኪመጽእ እንከሎ ኃይሊ ሰማያትን ምድርን ኵሉ ክካወስ እዩ። ሽዑ ኃጢአተኛታት ምድሪ ኩሎም ኪበኽዩ እዮም፥ ሻቡ እግዚአብሔር ብትእዛዙን ብቓሉን ብአእላፋት መላእኽቱን ተዓጂቡ ብቃንዳ መለኸት ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ክወርድ እዩ። ንሱ ዋና ሰንበት ገባር ሕይወት አቦ እዩ እሞ በታ ስዓት እቲአ ካብ ሞት ኃጢአት ይምሓረና” ይብል።
አብ ጊዜ ጾም እናተጎዓዝና ሓደ ካብቲ አምላኽ ዝደልዮ ምሕረት ክንገብር እዩ። ዕርቂ ምስ አምላኽን ሰብን ክንገብር ሎሚ እዋኑ እዩ። ንምሕረት ንሕድገት ክንምሃር ከም ዘሎና ፈሊጥና ንምሕረት ሓውናን ሓፍትናን አብ ግብሪ ክንለብሶ ይግብአና። ነዚ ብዕምቆት ክነስተንትን ምእንቲ ብዝያዳ ምምሓር ምሕዳግ፥ ንኹሉ ሓዲግካ ምሉእ ሰላም ምግባር እንታይ ምዃኑ ክንርርኢ። ምሕረት/ሕድገት እንተ አልዩ ሰላም ርግአት ምዕባሌ አሎ። ሰብ ምሕረትን ሕድገትን ክሳብ ዘይተማህረ ንውግእ ንጽልኢ ኩሉ ጊዜ አብ ቂምታ ምስነበረ ንርእሱ ተሳቕዩ ንኻልኦት የሳቒ ካብዚ ክንወጽእ እዚ ጊዜ ጾም ምቹእ እዋን እዩ።
ወንጌል ማቴዎስ ንሎሚ ዝተነበ ጴጥሮስ አብ ኢየሱስ ቀሪቡ “ሓወይ እንተ በደለኒ ክንደይ ጊዜ ክምሕሮ አሎኒ” እናበለ ሓቲቱ፥ ሕቶ ኩልና እዩ፥ ዝለዓለ ቁጽሪ ምሕረት ዝነገረ መሲልዎ ሸውዓተ ጊዜ እንተ መሓርክዎ ይአክልዶ ኢሉ ክሳብ ክንደይ ጊዚ ክንምሕር ከምዝግብአና ክፈልጥ ሓቲቱ። አብ ዕለታዊ ሕይወትና እንርእዮ ነገራት እዩ ገለ ሰባት ደጋጊሞም አብ ልዕለና በደል ይፍጽሙ ገለ እዋን ከም ተብላጽ ይወስድዎ ከምኡ ዘይ ዓሻ እዩ እናበሉ በቲ እትገብሮ ናይ ምሕረት ስራሕ መለክዒ ልቦናኻ ገሮም ይወስድዎ፥ ንሕና እውን ከም ሰባት መጠን ዓቕምና ውሱን እዩ፥ ኩሉ ጊዜ ንዝበደለ ሱቕ ኢልና ክንምሕር ይኸብደና እንታይ ድአ ንግበር። አዕሙቕ አቢልና እስከ ንርኤ ምሓሩ፥ ሕደጉ ክብለና እንከሎ መድኃኒና እንታይ እዩ ዝብለና ዘሎ።
ኢየሱስ አብ ልብኹም ሕማቕ ክፍአት ቂምታ አይትሓዙ፥ ሕነ ክትፈድዩ አይትድለዩ፥ ከምቲ ሰማያዊ አቦኹም ዝሓድገልኩም ምሓርቲ ኩኑ ይብለና። አብ ነነድሕድኩም ከምቲ አምላኽ ዝገብረልኩም ግበሩ ይብለና። ብሓቂ ክንዛረብ እንተ ኾና ምምሓር ሕድገት ናይ ሓደ ተኸታል ክርስቶስ መንንት እዩ።
አብ ሕይወትካ/ኪ ንሕደገት ከመይ ትነብሮ/ብዮ አሎኺ? ብርቱዕ ገበን አብ ልዕለና ምስተ ፈጸመ እሞ ግዳያት ግፍዒ ዓመጽ ሞት ምስ ኮና ብዝያዳ ካብ ስድራኻ መቕርብካ አብ ልዕለኻ ገበን ክፍጠር እንከሎ ከም ትርእዮ ነየናይ መገዲ ትኽተል? ብሓቂ ክንርእዮ ከሎና አብ ርእስና በደል እሞ ርኡይ በደል ክፍጸም እንከሎ ክትምሕር ክትሓድግ ከቢድ እዩ። እዚ ብዛዕባ ፖሎቲካ ወይ ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ወይ ሃገራዊ ዓመጽ አይኮነን ንአኻ ንግልኻ ዝተፈጸመ በደል እዩ። እቲ ጉዳይ ብዝያዳ በቶም መቕርብካ ወገንካ ደቂ ዓድኻ እቶም ናታይ እትብሎም አብ ልዕለኻ ዝፈጸምዎ ጉዳይ እዩ? ከቢድ እዩ ብዓይኒ ሥጋ ክንርእዮ ከሎና። ስለዚ ንክትምሕር፥ ንክትሓድግ እንታይ እዩ እቲ ዝቐለለ መገዲ?
ክትምሕር ክትሓድግ ክትገብሮ ዝግብአካ ነገራትን ከምኡ ነዞም ዝስዕቡ ነገራት እንተ አማላእና ክንዕወት ንኽእል፡ሓምሽተ ቀዳሞት ሓሳባት ክንቅበለን ከበድቲ እየን ግን እንተ ወሓደ አብ አእምሮና ክንቅበለን ንኽእል።

እዘን ዝስዕባ ሓምሽተ ሓሳባት ክንቅበለን ከበድቲ እየን፥ አብ ግብሪ ክተትገብሮ ከቢድ ስጋን ክቕበሎ ዘጸግም እዩ።
    ምምሓር/ምሕዳግ ክንብል ከሎና ሰባት ኩሉ ጊዜ ካብቲ ዝገበርዎ ነገር ንላዕሊ ምዃኖም ምርዳእ ወይ ምቕባሉ። ብኻልእ አዘራርባ ንሰባት በቲ ንአይ ዝገበርዎ አብ ልዕለይ ዝፈጸምዎ ነገር ክገልጾም የብለይን። አብ ሕይወቶም ልዕሊኡ ዝርአ ነገር አለዎም።
    ክንምሕር/ክንሓድግ እንከሎና ነቲ ክፉእ/ሕማቕ አብ ልዕለይ ዝፈጸመ ሰብ ምስኡ ከም ብሓዲስ ምጅማር እዩ። አብ ገለ እዋን ካልአይ ዕድል የለን/ ክምሕረሉ ዝኽእል ካልአይ ዕድል የለን/ አብ ልዕለይ ንዝተፈጸመ ነገር ክሓድጎ አይክእልን እየ፥ ክዕረቕ አይክእልን እየ ኢልካ ምንባር አሎ እዚ ግን ሞት ኢና መሪጽና ዘሎና።
    አብ ምምሓር/ምሕዳግ ናይ ርእስናንን ናይ ካልኦት ሰባት ሰብአዊ ተፈጥራዊ ድኽመታት ርኢና ንኽእል፥ ክንምሕር ከሎና ንሕና ዝገበርናዮ ጌጋ እውን ከም እንርኢ ይገብረና። አብቲ ባእሲ ጽልኢ ናተይ ተራ ዝተጻወትክዎ ከምዝርኢ ይገብረኒ።
    ክንምሕር/ክንሓድግ ከሎና ኢድና ንህብ እዚ ኸአ እቲ ነገር አብ ድሓን ክምለስ ከምኡ ከብቅዕ እሞ ሓዲስ ነገር ክጅምር ምእንቲ እዩ። ትብሎ ስኢንካ ማለት አይኮነን ምእንቲ ምሕረት ኢልካ ንኹሉ ምሕዳግ።
    ክንምሕር/ክንሓድግ ከሎና ንዝበደሉና ወይ ንዝበደለና ጽቡቕ ንምነየሎም።እቲ ዝበለጸ ነገር ንምነየሎም። እዚ ኢና ካብ መድኅና ዝተመሃርናዮ። ሰይጣን ንዝተዓወተሉ ሓውና/ሓፍትና ብዓይኒ ምሕረት ክንማርኾም።

ብሓቂ ከቢድ ነገር እዩ። ክትገብሮን ክትነብሮን ከቢድን ደም ዝጥዕመካን ነገር እዩ። ባህርና ክቕበሎ ይከብዶ፥ ዝተሸነፍና ኮይኑ ይስምዓና አነዶ ንብል እሞ አብ ከቢድ ጸላም ንነብር። ኢየሱስ ናይ እዚ ኩሉ መሰረት፥ ምኽንያት፥ ክትፍጽሞ ሓይሊ ዝህበካ፥ መሰረትን ምንጭን ከም እትምሕር ዝገብረካ ይብለና ከምቲ አምላኽ ንአኻ/ኺ ዝገበሮ ከምኡ ንኻልኦት ግበረሎም ይብለና። ናይ አምላኽ ቀንዲ ባኅሪ ምምሓር እዩ። ንሱ ምንጪ ምሕረት እዩ፥ አምላኽና አብ ናይ ነፍስወከፍና ግላዊ ሕይወትና ንኹሉ ሓዲጉ ይምሕረና።
ክልተ ቀንዲ ነገራት አብ ምምሓር፥ “ለውሃትን፥ ድንጋጸን” “Compassion and Humor”. ንሓደ ሰብ ክንምሕሮ እንተኾና ብመጠኑ ስለምንታይ ከም ዝገበሮ ክንርዳእ እንተ ፈቲና ጠባያቱ ክንፈልጥ እንተ ኽኢልና፥ ለውሃት “ Compassion” አብ ልብና ክአቱ ይኽእል እሞ ኲኖቲ ዝገብሮ ክንርኢ ንኽእል። ለውሃት ንሓደ ዝተገብረ ጌጋ ይቕረታ ምሃብ አይኮነን፥ አብ ልዕሊ ካልእ አሎካ ስምዒት እዩ። ንሓጺር ጊዜ ከምቲ ንሱ ዝሓስቦ እንተ ሓሰብና፥ ከምቲ ንሱ ዝርእዮ እንተ ረኤና ከምቲ ንሱ/ሳ ተጎዲእዎ ዘሎ እንተ ዝስምዓና፥ ከምቲ ንሱ ብዘይከውን ዝርድኦ እንተ ዝርድአና፥ ሽዑ ክንርድኦ ንኽእል እሞ ንጎደና ምሕረት ክንሕዞ ክንጅምር ንክእል። ለውሃት አብዚ ቀንዲ መፍትሕ እዩ።
እታ ካልአይቲ ቀንዲ ነገር ድንጋጸ “Humor” እያ። ምድንጋጽ ካልእ ገጸ ናይ እምነት እያ። አብ ዕላልናን አብ እምነትናን እንዛረቦ ሓደ እዩ። ድንጋጼ ዘይብሉ አማናይ ክትረክብ ዘይሕሰብ እዩ። ሓደ ጽቡቕ ገሩ ሕጊ ዝሕሉ እምነት ዘይብሉ ክኸውን አጸጋሚ እዩ።
ድንጋጸ ካልእ መልክዕ ናይ ምምሓር/ምሕዳግ እያ። ሓደ ተደናጋጻይ ሰብ ዘይምሕር ክኸውን አጸጋሚ እዩ። ስለዚ ምድንጋጽን ምምሓርን ብሓደ እዩ ዝኸይድ። አብ ክልቲኡ ነቲ ሕማቕ ነገር ርኢኻ ይክአል።
ብዙሕ ጊዜ እቶም ዝጎድኡና ሕይወትና ዘበላሽዉልና እሞ ኩሉ ጊዜ ዘሳቕዩና እቶም መቕርብና እዮም ማለት ምስ ሓደ ሰብካ ወገንካ እንተ ተባኣስካ ስቓይ እዩ። ክልተኻ ትሳቐ። ግን ነቲ ናትካ በደል ዘይምርአይ ነቲ ነገር የኽብዶ። አብ ምምሓር ምስ መጻእካ ክትሓድጎ እቲ ዝኸበደ እዩ። እዚ አብ ሕይወት ኩልና ዝርኤ ዘሎ ሓቂ እዩ።
ልብና ብቒምታ ብሕርቃን ብጽልኢ መሊኡ እንተሎ ናይ ሎሚ ወንጌል ንአና እዩ። ምሕረት ብዘይደረት። ኩልና ክርስትያን ሰብዓ ጊዜ ሸውዓተ ክንምሕር አሎና። እዚ ክብለና እንከሎ ቍጽሪ ምሕረት አይኮነን ዝነግረና ዘሎ እንታይ ድአ ኩሉ ጊዜ ብዘይ ደረት ምሓሩ እዩ ዝብለና ዘሎ።
እታ ሓንቲ መገዲ አብ ሰላም እትወስድ ምምሓር እያ። ክንምሕር ክንሓድግ እንከሎና አብ መንጎ ሰባት ሓዲስ ሕይወት ንፈጥር፥ ንዝነበረ ቅርሕንቲ ንበትኮ ሰባት አብ ፍቕርን ምርድዳእን ይአትዉ ንሓዲስ ርክባት አፍደገ ይኸፈት ንኹሉ ሰንሰለታት ሰይጣን ንበትኽ። አብ መንጎ ሰባት ተፈጢሩ ዝነበረ ፈላለዪ መንፈስ ተሳዒሩ ሓዲስ ሕይወት ይህነጽ። ምሕረት ሕድገት ምግባር ንኹሉ ብሕርቃን ዝተገብረ ይድብሶ፥ ኩሉ ነቲ ብጽልኢ ዝወረደ ፍልልያት፥ ንኹሉ ጽልኢ ዝፈጠሮ ፍልልያት ይስዕሮ።
ዕርቂ/ምሕረትሕድገት ዝገብር መስዋዕቲ ከቕርብ ምቹእ ባይታ ይፈጥር። “እምብአር መባእካ ናብ መስውዒ እንተ አምጻካ ኃውካ ኸአ ተቐይሙልካ ምህላዉ እንተ ዘከርካ ነቲ መባእካ አብኡ አብ ቅድሚ መጀውዒ ኅደጎ ኪድ ቅድም ምስቲ ኃውካ ተዓረቕ ድኃር ድማ ተመሊስካ መባእካ አቕርብ” ማቴ 5፡23~25። ሰባት አምላኽ ክምሕረና ክንምሕር አሎና። አብ እንገብሮ ጸሎት “ንሕና ንዝበደሉና ከም እንሓድገሎም በደልና ኅደገልና” እናበልና ንጽሊ ( ማቴ 6፡12)። “እቲ ምሕረት ዘይገብር ብዘይ ምሕረት ኪፍረድ እዩ” (ያዕ 2፡13)።
አስተንትኖና ብቃል ቅዱስ ጳውሎስ ክንዛዝሞ ከምዚ እናበለ ኸአ ይምህረና “እምብአር አምላኽ ከም ዝሓረዮም ቅዱሳንን ፍቑራትን ሕዝቢ ዄንኩም ምሕረት ለውሃት፥ ትሕትና ሕያውነት፥ ትዕግስቲ ልበሱ፥ ንሓድሕድኩም ተጸዋወሩ፥ አብ መንጎኹም ቅር ዘብል ነገር እንተሎ ይቕረ ተበሃሃሉ። ከምቲ ጎይታ ይቕረ ዝበለልኩም ይቕረ ተበሃሃሉ” ቆላስያስ 3፡21~13)።
ንምሕረት ክገብር ጸጋኻ ዓድልኒ ንበሎ። ማርያም አደና ምስ አምላኽ ምሕረት ዘምጻክልና ንስኺ ኢኺ እሞ ክንምሕር ልብና ክልስልስ ለምንልና ንበላ።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.