2012-03-20 14:08:33

ጸረ ክርስትያን ዓመጽን ኣድልዎን ኣብ ኤውሮጳ


ኣብ ኤውሮጳ ናይ ክርስትያን ሕይወት ተዓዛቢ ማኅበር፣ ቅድሚ ትማሊ ሕይወት ማኅበረሰብ ክርስትያን ኣብ ኤውሮጳ 2011 ዓ.ም. ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘውጽኦ ናይ RealAudioMP3 መጽናዕቲ ሰነድ ከምዘመልከቶ፣ ኣብ ኤውሮጳ ጽልኣት ክርስትያን ኣመለኻኽታን ግብርታትን ክብ እናበለ ይኸይድ ከምዘሎን፣ መራኸቢ ብዙሓን ነዚ ጉዳይ ዘረጋግጹን ዝፍጸሙን ግብርታት ዘደገፉ ሓበሬታ ኣብ ምቕራብ ይተግሁ ከምዘለዉ ኣመልኪቱ።
ናይ ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ኅብረት ናይ ሃይማኖት ነጻነት ናይ ሓባር ብሉጽ ክብሪ ብምዃኑ ክኽበርን ኣብ ዝኾነ ይዅን እዋን ከይግሃስ መታን ምክልኻል ከምዝግባእ እንክምልክት፣ ኣብ ኤውሮጳ ናይ ክርስትያ ሕይወት ተዓዛቢ ማኅበር ንናይ ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ኅብረት ወኪል ኣብ ሃንጋሪ ናይ ስዞምባዘልይ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ አንድራስ ቨረስ ሰላም ዝሕነጽን ዝረጋገጽን ናይ ሃይማኖት ነጻነት ውሑስ ምስ ዝኸውን ጥራሕ እዩ። ናይ ሃይማኖት ነጻነት ነጻነት ናይ ኩሉ ናጽነት ኢዩ ከምዝበሉ ኣብቲ ናይቲ ማኅበር መርበብ ሓበሬታ ተመልኪቱ ኣሎ። ኣብ ኤውሮጳ ካብ ካልኦት ሃይማኖታት ንላዕሊ ኣብ ልዕሊ እምነት ክርስትና ዝፍጸም ኣድልዎ ክብ ዝበለ ከምዝኾነን፣ ኣብ ልዕሊ ማኅበረ ክርስትያን ጽልኣት ይሰፍሕ ከምዘሎ ኣብቲ ጸብጻብ ተመልኪቱ ኣሎ።
ብዛዕባ እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቶም ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ኅብረት ዋና ጸሓፊ ክቡር ኣባ ዱኣርተ ዳ ኩኛ ካብ ራዲዮ ቫቲካን ንዝቐረበሎም ቃለ መሕትት እንክምልሱ፣ ናይ ሕይወት ክቡራት ዋጋታት ክኽበሩ ምትብባዕን ምንቕቓሕን ኣብዚ መዳይ ሕንጸት ምቕራብን ንኣብነት ስድራ ቤትን ምስጢረ ተኽሊልን ናይ ሕይወት ባህልን ዝብሉ ኣብ ናይ ክርስትያን ባህሊ ዝተሰርተ ንናይ ኤውሮጳ ባህሊ መሠረት ዝኾኑ ክቡራት ዋጋታት ክኽበሩን ክዕቀቡን ቤተ ክርስትያን እተቕርቦ ጻውዒትን እትፍጽሞ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ንዝተፈላለዩ ውልቃዊ ረብሓኦም ኣብ ሸቶ ንምብጻሕ ኣሚቶም ንዝዓዩ ጉጅለታት መሰናኽ ብምዃኑ፣ ቤተ ክርስትያን ዕንቅፋት ስለ እትኾኖም ድማ ሃይማኖት ኣብ ውልቃዊ ሕይወት ዝተወሰነ ክኸውን መታን ዝፍንውዎ ጸረ እምነት ክርስትናን ማኅበረ ክርስትያንን ኣመለኻኽታኦም ጽልኣት ክርስትናን ዘስዕብ ምዃኑ ገሊጾም።







All the contents on this site are copyrighted ©.