2012-03-20 14:11:42

ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ሱታፌን ሓርነትን ኣብ ካይሮ


እቲ ኣብ 2010 ዓ.ም. ልዕሊ 150 ወለንተይናታት ምእመናን ክርስትያንን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምናን ብሓባር ዘሳተፈ ቀዳማይ ናይ ሓባር ዋዕላ ካይሮ ኣሰር ካብ ዕለት 2 ሕዳር ክሳብ ዕለት RealAudioMP3 4 ሕዳር 2012 ዓ.ም. “ሕንጸት ናጽነት” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ናይ ሓባር ጉባኤ ክካየድ ምዃኑ ኣብ ካይሮ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ መንበረ ጥበብ መምህርን ናይዚ ናይ ካይሮ ጉባኤ መሥራቲ ፕሮፈሰር ዋአል ፋሩቅ ከምዝሓበሩ እንክፍለጥ፣ እቲ ኣብ 2010 ዓ.ም. ዝተኻየደ ቀዳማይ ማዕላ ኣብ ማኅበረ-ሰብ ግብጺ ብሔረ ረብሓ ዘለዎ ኮይኑ ተቐባልነቱ ክብ ከምዝበለን ሓቢሮም፣ ናይ ካይሮ ዋዕላ ዝብል ማኅበር ከምዝቖመን፣ ኣብቲ ኣብ 2012 ዓ.ም. ዝካየድ ዋዕላ ንኽሳተፉ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት መንእሰያት ዜጋታት ሕቶ የቕርቡ ከምዘለዉን፣ እቲ ዋዕላ ኣብ ግብጺ ኦርቶዶክስን ካቶሊካዊት ኣቢያተ ክርስትያንን ከምኡ እውን ኣል ኣዝሃር መንበረ ጥበብ ብሓባር ዝድግፍዎን ዘተባብዕዎን እውን ከምዝኾነን፣ ምስቲ ኣብ ኢጣሊያ ኣብ ከተማ ሪሚኒ ምስቲ በቢ ዓመቱ በቲ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ዝካይድ ዋዕላ ርክብ ክህልዎ ምዃኑ ከምዝሓበሩ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ትማሊ ሕትመቱ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.