2012-03-20 14:07:00

መዕለቢ ዘይብሉ ጸኣት ስደተይናታት


ዝሓለፈ ቀዳም ካብ ሊቢያ ናብ ኢጣሊያ ላፕሜዱዛ ዝነቐለት ንእሽተይ ጀልባ ብዘጓነፋ ሓደጋ ምኽንያት ሓሙሽተ ስደተይናታትን ናይ ሞት ሓደጋ ከምዝወረዶም RealAudioMP3 ዝዘከራ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ናይ ሰደተይናታትን ተመዛበልትን ሓልዮ ላዕለዋይ ድርገት ወሃቢት ቃል ላውራ ቦልድሪኒ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርኦ ቃለ መሕትት ሓቢረን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ሊቢያ ስደተይናታት ዘሳፈራ ጀላቡ ከምዘይነቐላ እውን ይንገር እንተሃለወ፣ ጸኣት ስደተይናታት ቀጻሊ ከምዝኾነን፣ ሕጂ እውን ናብ ኢጣሊያን ብኢጣሊያ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ክሰግሩ ዝደልዩ ስደተይናታት ካብ ሊቢያን ሰሜን ኣፍሪቃን ክነቕሉ ከምዝኽእሉ እዩ። ብፍምላይ ካብቲ ናይ ቁርን ዝናምን ወቕቲ ናብቲ ናይ ሃሩር ወቕቲ ንሰጋገር ስለ ዘሎና ንናይ ጉዕዞ ባሕሪ ምቹእ እዋን ብምዃኑ ስደተይናታት ክውሕዙ ከምዝኾኑ ዘየጠራጥር እዩ። ምእንቲ’ዚ ቅድመ ምድላዋት ክብገር ኣለዎ ኢለን።
ላምፔዱዛ ነቶም ዝውሕዙ ስደተይናታት ጉዳዮም ናብ ዝጻረየሉ ቀዋሚ መዕቆቢ ማእከል ክሳብ ዝሰጋገር በቲ ዘለዋ ግዚያዊ ናይ ስደተይናታት መዕቆቢ ማእከል ኣቢላ ከምእተእንግድ ዘኪረን፣ ብዙሕ ጊዜ እቲ ናይ ላምፔዱዛ ናይ ስደተይናታት መዕቆቢ ማእከል፣ ግዚያውነቱ እናትዘንግዔ ስደተይናታታ ንነዊሕ እዋን ኣብኡ ከምዝዕቆቡን እዚ ድማ ንዝተፈላለየ ሓደጋ ዘቃልዕ ምዃኑ ዝተራእየ ምዃኑ ገሊጸን።
ስደተይናታት ቅድሚ ምውሓዞም ናይ ስደተይናታት መዕቆቢ ማእከላት ንምእንጋድ ብቕዓት ዘለዎም ኮይኖም መታን ክርከቡ ምድላዋት ክግበር ኣለዎ ኢለን፣ ምኽንያት ጸኣት ስደተይናታት ክፍታሕ ንዓለም ሓቆፍ ማኅበር-ሰብ ጻውዒት ኣቕሪበን ስደተይና እይትምጽኣኒ ምባል ንገዛእ ርእሱ ጸረ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን እዩ፣ ስለዚህ መንግሥታት ንጉዳይ ስደተይናታት ቆላሕታ ክገብሩ ኣተሓሳሲበን ዝሃብኦ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊለን።







All the contents on this site are copyrighted ©.