2012-03-20 14:10:17

ሕይወት ማኅበረ ክርስትያን ኣብ ህንዲ


ኣብ ህንዲ ወስት ቤንጋልን ደልሂን ማድያ ፕራደሽን ኣብ ዝሓለፈ መወዳእታ ቕነ ስለስተ ሳዕ ጸረ ክርስትያን ዓመጽ ከምእተፈጸመ ዓለም ለኻዊ ምትእስሳር ቤት ምኽሪ ማኅበረ ክርስትያን ህንዲ RealAudioMP3 ዝሃቦ መግለጺ ዝጠቐሰ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ። ብፍላይ ኣብቶም ንዓበይቲ በዓላት እምነት ክርስትና ዘቀራርቡ እዋናት፣ ማለት ኣብ ምቅርራብ ንበዓለ ልደትን ንፋሲካ በዓልን ኣብ ዘሰናድዉ እዋን ዓቢይ ጾምን፣ ኣኽረርቲ ናይ ሂንዱ ሃይማኖት ሰዓብቲ ኣብ ልዕሊ ማኅበረ ክርስትያን ዝተፈላለየ ሓደጋ ንምፍናው ዝንቀሳቐስሉ ምቹእ እዋን ገይሮም ከምዝጥቀምሉን ክፍለጥ እንከሎ፣ መብዛሕቲኡ እቲ ጸረ ክርስትያን መጥቃዕቲ ኣብቶም ዝተጠቕሱ ዓበይቲ ናይ ክርስትያን ሃይማኖት በዓላት ቅነ ዝፍጸም ምዃኑ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
ዕለት 14 መጋቢት 2012 ዓ.ም. ናይ ወስት ቤንጋል ሓይሊ ጸጥታ ኣብታ ከተማ ኣብ እትርከብ ናይ ጴንጠቆስጠ ቤተ ክርስትያን ኣባላት ዝኾኑ ሓሙሽተ ምእመናን ኣብ ዝነብርሉ ገዛ ብዝፈጸምዎ ናይ ስግደትን ኣምልኾን ሥርዓት ገለ ገለ ጎረባብቶም ጸጥታ ነሲኦም እንክብሉ ብዘቕረብሎም ክሲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተዉ ዝሓበረ ኤሺያን ኒውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ቀጺሉ፣ ኣብ ደልሂ 30 ኣኽረርቲ ሰዓብቲ ሃይማኖት ሂንዱ፣ ኣብ ልዕሊ ሓደ ናይ ጴንጠቆስጠ ቤተ ክርስታይን መጋቤ ኣብ ቤቶም ሥርዓት ኣምልኾ ከይፍጽሙ ብሓይሊ ጸጥታ ኣቢሎም ከምዘፈራርሕዎም ኣመልኪቱ።
ናይቲ ከባቢ ናይ ፖለቲካ ጉዳይ ነቶም ኣኽረርቲ ሰዓብቲ ሃይማኖት ሂንዱ ዝሓሊ ብምዃኑ፣ እቲ ዘለዎም ፖሊቲካዊ ሓለፋ ኣብ ልዕሊ ማኅበረ ክርስትያን ዓመጽን ኣድልዎን ከስዑቡ ምቹእ ባይታ ይፈጥረሎም ከምዘሎ ዓለም ለኻዊ ምትእስሳር ቤት ምኽሪ ማኅበረ ክርስትያን ህንዲ ሊቀ መንበር ሳዣን ጆርጅ ከምዝነጸሩ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.