2012-03-15 14:35:51

ዝኽሪ መበል ኣርባዕተ ዓመት ነፍሰ ኄር ኪያራ ሉቢክ


ነቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌል ዮሓስን ምዕራፍ 21 ፍቕዲ 17 “…ኵላቶም ሓደ ምእንቲ ክኾኑ…” ዝበሎ ቃል መርሕ ሕይወተን ገይረን ነዚ ዕላማ’ዚ’ዚ ዝኽተል ብኣስተንፍሶ ቅዱስ መንፈስ “Movimento dei Focolari- ምንቅስቓስ ኣፍቅሮተ ዘ ቤት” መስራቲት ኪያራ ሉቢክ ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈለያሉ RealAudioMP3 መበል 4 ዓመት ትማሊ ዕለት 14 መጋቢት 2012 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያን ዝተፈላለያ ሃገራትን ሰበኻታትን ቁምስናታትን ኣብ ናይ ኣፍቅሮተ ዘ ቤት ምንቅስቃስ ኣባይትን ተዘኪሩ ከምዝወዓለ ክምልከት እንከሎ፣ ትማሊ ሮማ ኣብ ዝርከብ ተርሲያኑም ናይ ቲዮሎጊያ ተቛም ብፋቢዮ ቻርዲ “ኅዳሴ ኣብ መንፈሳውነት ኪያረ ሉቢክ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተደርሰ መጽሓፍ ንንባብ ከምዝበቕዔ ተሓቢሩ።
እዚ ናይ ኣባል ማኅበር ቀርመለሳውያን ናይ ሥነ መንፈሳውነት ቲዮሎጊያ ሊቅ ኣባ ኸሱስ ካስተላኖ ሰርቨራ ብዛዕባ ምንቅስቓስ ኣፍቅሮተ ዘ ቤት ዝገበርዎ መንፈሳዊ መጽናዕቲ ዘጠቓለለ ምዃኑ እንክሕበር፣ እቲ መጽሓን ንንባብ ኣብ ዝበቕዓሉ ጉባኤ ተረኺቦም ዘረባ ዘስምዑ ኣባ ሳንቲኖ ቢሲኛኖ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ኣባ ኸሱስ ካስተላኖ እዚ ምንቅስቓስ እዚ ገና ከይቆመን፣ ምስ’ዚ ምንቅስቓስ ኣፍቅሮተ ዘ ቤት ከይተላለዩን እቲ “…ኵላቶም ሓደ ምእንቲ ክኾኑ…” ዝብል ቃል ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ልቦም ዝተንከፎምን ኣብ ልቦም ሒዞምዎ ብዛዕብኡ ብዙሕ ዘስተንተኑን ዘስተምሃሩን ማዕርገ ክህነት ኣብ ዝተቐበልሉ ዕለት ከም ናይ ጸሎቶም ሓሳብ ገይሮም ዝደገምዎ ቃል እዩ፣ ምስቲ ማኅበር ምርኻቦም ምስቲ ናይ ልቦም ጸሎት ምርኻብ ኮይንዎም፣ መንፈስ ቅዱስ በቲ ዝዕድሎ ጸጋታት ኣቢሉ ኩሉ ጽቡቕን ማራኽን ከምዝኸውን ገይርዎ እዩ ኣብ ዝብል እማኔ ውህደት ኣሎ፣ እቲ ሓድነት እዚ ርግጽነት’ዚ ከምዝኾነ ኣረዲኦም፣ እቲ ርግጽነቱ ኣብ ቤተ ክርስትያን ስለ ዝኾነ፣ ኣብ ቤተ ክርስትያን ዝንበር እዩ።
መንግሥቲ ኣምላኽ ኣብ ልባትኩም እያ ዝብል ኣብ ሉቃስ ወንጌል ኣነንብቦ ቃል ጎይታና ኢየሱስ ክርቶስን ከምኡ እውን ከምቲ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕ. 18 ፍቕዲ 20 “…ክልተ ወይ ሰለስተ ኾይኖም ብስመይ ኣብ ዝተኣከቡሉ ኣነ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ማኣከሎ ኣሎኹ…” ዝብሉ ቃላት ዘሕድሩልና መንፈሳውነት ዝተገለጸሉ ማኅበር እዩ። ቤተ ክርስትያን ኣካል ክርቶስ ኢያ፣ እቲ ንሳ ኣትወልዶ መንፈሳውነት ነቲ ኣብኣ ዝጸንዕ ውህደት መሠርት ኢዩ። ኣቲ ሓድነት ኣብቲ መሥራቲኣ ዘሎ ኮይኑ ኣብኣ ዘሎ እዩ፣ ቤተ ክርስትያን በቲ ዝተፈላለዩ ኅያባት ቅዱስ መንፈስ ዝተሸለመ ጽባቄ እያ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.