Home Archivio
2012-03-12 15:46:09
ሰንበት ዘመፃጕዕ መጋቢት 2/2004ዓ.ም. (3/11/2012)
መዝሙር፡ አምላኩሰ ለአዳም . . . . ።
ንባባት፡ ገላ. 5፡1~ፍ፥ ያዕ. 5፡14~ፍ፥ ግ.ሓ. 3፡1~12፥ ዮሓ. 5፡1~18
ስብከት፡ እግዚአብሔር ይረድኦ ውስተ ዓራተ ሕማሙ፥ ወይመይጥ ሎቱ ኵሎ ምስካቢሁ እምደዌሁ፤ አንሰ እቤ እግዚኦ ተሣሃለኒ፥ “ ሓሚሙ ምስ ደቀሰ እግዚአብሔር ይድግፎ፥ ካብ ሕማሙ ድማ የሕውዮ። አነ ኸአ ኦ ጎይታይ በዲለካ እየ እሞ ምሓረኒ ካብ ሕማመይ ከአ አሕውየኒ” መዝ. 41፡3~4።
መዝሙር፡ በዚ ሰንበት ዘመፃጕዕ “ንአዳም አምላኹ ሰንበት ንዕረፍቲ ሰርዐ አይሁድ ንኢየሱስ ብናይ መን ስልጣን ኢኻ እዚ እትገብር ዘሎኻ በልዎ ንሱ ኸአ አነ እገብር አሎኹ ንስኹም ከአ ብግብረይ እመኑ አነ ጎይታ ሰንበት እየ ንምሕረት ከአ አብአ እየ ንአይ አብ ምድሪ ሓጢአት ክሓድግ ተፈቒዱለይ እዩ። ናጽነት ክሰብኽ ንዕዉራት አዒንቶም ከብርሃሎም ከአ አቦይ ልኢኹኒ እዩ፟“ ዝብል ንዝምር።
ዘመን ጾም ናይ ምሕረት ሕድገት ጊዜ እዩ። መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ በዚ ሰንበት ብዝተፈላለየ ሕማም ዝሳቐዩ ንዝነበሩ ከም ዘሕወየ ማለት ልሙሳት፥ ዕዉራት፥ ሓንካሳት ከምኡ ብሩኹሳት መናፍስቲ ይሳቐዩ ንዝነብሩ፥ ብሕማም መጻጕዕ ዝሳቐዩ ዝነበሩ ካብ ኩሉ ሕማሞም ብምዓልቲ ሰንበት ከም ዘሕወዮም ናይ ሎሚ ወንጌል ይነግረና። ደቂ ሰብ ብዝተፈላለየ ሕማም ከም ዝሳቐዩ ኩሉ ጊዜ እንርእዮ ነገር እዩ። ኩሉ ሕሙም ክሓዊ ይደሊ። ክንሓዊ ኢልና ዘይንገብሮ ነገር የለን ገንዘብና ጊዜና ኩሉ ዘሎና ምእንቲ ጥዕናና ክነጥፍኦ ድሕር አይንብልን ኢና። ጥዕና መዘና የብሉን ኩሉ ድሕሪ ጥዕና እዩ። ሎሚ ብዝያዳ ዘገድሰና ዘሎ መንፈሳዊ ጥዕናና እዩ። እዋን ጾም ከአ መድኃኒት መንፈስ ዝርከበሉ ጊዜ እዩ። መንፈሳዊ ጥዕናና ሎሚ አብ ቅድሚ ሓኪምና ዝኾነ ኢየሱስ ቀሪብና ክንሓዊ ሕማምና ንንገሮ። ሕማሙ ዝሓብእ ሰብ ክሓዊ ከቢድ እዩ ነፍሲ ወከፍና አብ ልብና አቲና ምስ ሰማያዊ አቦና ሕማምና ንተአመን።
ንኹልና ዝቐርበልና ሕቶ ክትሓዊ/ውዪዶ ትደልዩ እዩ። እናተሳቐየ እሞ ሰባት ዝርእይዎ ስቓይ ሒዙ ክነብር ዝደሊ የለን። ንሕና ብባህርና ሕማምና ክንገልጽ ፍቓደኛታት አይንከውንን ኢና እዚ ግን ንሕማምና የግድዶ። ኢየሱስ ሎሚ አብ ጎንና ቀሪቡ ጸገምና ሕማምና ክሰምዕ ክንገልጸሉ ይደሊ አሎ። ፍቓደኛታት ከይኮና ንሱ እውን ከሕውየና አይክእልን እዩ። እታ ሓንሳብ ዝሃበና ነጻነት ከሕድገና አይደልን እዩ፥ ከይደለና ከሕውየና ዘይክእል ኮይኑ ዘይኮነ ንሱ ብፍቓዱ እቲ ደለት ካባን ክብገስ ስለ ዝደለ እዩ።
አብ ናይ ሎሚ ወንገል እንተ ረኤና እዚ ን38 ዓመት አብ ዓራት ዝማሰነ ሰብ ብተስፋ ሓደ መዓልቲ ክሓዊ እኽእል እየ ኢሉ እና ተጸበየ እዩ ኢየሱስ ረኺብዎ። አብዚ ብዙሕ እንምሃሮ አሎ። እግዚአብሔር ብብዙሕ መገዲ ምሕረቱ ይህበና ሓደ ካብዚ ማጨሎት እዩ፥ አብ ዓድና ዝተፈላለየ ማጨሎታት አለዉ ብዙሓት እውን አብኡ ከምዝሓወዩ ዝነግሩ አለዉ ግን ኩሉ አብ ማጨሎት ዝተሓጽበ ይሓዊ ማለት አይኮነን። እዚ አብ ማጨሎት ቤተ ሳይዳ ዝተገብረ አምሳል ጥምቀት እዩ። ብጥምቀት ካብ ኃጢአትና ንነጽሕ። አብ ቤተ ሳይዳ ሓደ ሰብ እዩ ሓውዩ ብጥምቀት ግን ኩሎም ዝተጠምቁ ይሓውዩ። ኢየሱስ ነዚ ንዓመታት ማሲኑ ዝነበረ ሰብ ክትሓዊዶ ትደሊ እናበለ ሓቲትዎ፥ ምናልባት እዚ ሕቶ ነቲ ሕሙም ገሪምዎ ይኸውን እንተ ዘይደሊ ድአ አብዚ እንታይ ክገብር መጺኤ እወ ምበሎ እንተኾነ ንሱ ዝበሎ እወ እንተ ኾነ ሰባት ይቕድሙኒ ኮይኖም ዝሕግዝ የብለይን እናበለ ሓሳቡ ገሊጹ ዝሕግዞ እንተ ረኸበ ኢሉ።
“ተንስእ ዓራትካ ጸርካ ኪድ” ዝብላ ቃላት ምስ ሰምዐ ብቕጽበት ሓውዩ ይብለና ወንጌል። ቃላት ኢየሱስ መለከታዊ ሓይሊ ዘለወን ስለ ዝኾና ነቲ ሕሙም ከሕውያኦ ደቒቕ አይወሰደን። ወዮ ሰብአይ ንዓመታት ማሲኑ ዝነበረ ከም ኩሉ ሰቡ ሓውዩ ንአምላኹ ከመስግን አብ ቤተ መቕደስ አትዩ። ኢየሱስ ኩሉ ጊዜ ክንሓዊ ካብቲ ንዓመታት ጸቒቱ ዝሕዘና ዘሎ ብዝያዳ መንፈሳዊ ሕማምና ክንሓዊ ሎሚ እውን አፍደገ ምሕረቱ ክፉት እዩ። ንሱ ብካህናቱ ገሩ “አነ ካብ ሓጢአትካ/ኪ እፈትሓካ/ኪ አሎኹ” ኢሉ ብስም ስላሴ ክፈትሓና እንከሎ ሽዑ ንሽዑ ካብ ኃጢአትና ንነጽሕ።
በዚ እዋና ክንሓዊ እንታይ ንግበር ነፍስወከፍና ክንሓውየሉ ዝግብአና ሕማማት አሎና፥ እንታይ እዩ ሕማምና ስለምንታይከ ንዓመታት ጸርናዮ ክንከይድ እንደሊ? መንዩ ከሕውየና ዝኽእል?
ወንጌል ነቲ ቀንዲ ነገራት እዩ ዝሕብረና፥ ክንሓዊ እንተ ኾና ነዚ ዝስዕብ ክንገብር አሎና፡
ክንሓዊ ድለት ክህልወና አለዎ። ሕሙም ክሓዊ ዝክአሎ ክገብር አብቲ ክሓውየሉ ዝክእል ክኸይድ፥ ንስቓይ ሓሊፉ ራህዋ ከም ዝመጽኦ ርእዩ ክኽእል ይግብኦ። ብትዕግስቲ ንስቓይ ብዓይኒ ምሕረት ርእዩ እንተ ኸአለ ሕማሙ ጊዜ እንተ ወሰደ እውን ክሓልፎ ይኽእል እዩ። አብ ጉዕዞ ምሕዋይ ዝርከብ ሰብ ድለቱን ሞራሉን ወሳኒ እዩ፥ ከምኡ ክኸውን እንከሎ ተኽእሎ ናይ ምሕዋይ አሎ። አብ መንፈሳዊ ሕውየት ልክዕ ከምኡ እዩ። እግዚአብሔር ብተአምራት አይ ኮነን ካብ ኃጢአትና ዘንጽሓና፥ ካብ ዓዘቕቲ ኃጢአትና ክንሓዊ ናታትና ድለትን ተበግሶን የድሊ። ንጉዕዞ ንስሓ ክንተሓሓዞ አሎና። በዲለ ተጋግየ ክሳብ ዘይበልና ክንሓዊ ከቢድ እዩ።
አብ ኢየሱስ ክንቀርብ አሎና። ምሕረት ካብ አምላኽ እዩ ዝውሃበና። ምስኡ ክንራኸብ ጸገምና ክንገልጸሉ፥ ልብና ከፊትና እቶ ክንብሎ፥ እሞ ምስኡ ዕላል ክንጅምር ይግብአና። አምላኽ ክሳቐ ዝደልዮ ሰብ የለን፥ አብ ገለ ዘረባና እዚ አምላኽ እንታይ ገረዮ እናበልና ንጸገምና አብ አምላኽ እንጽዕን አሎና። እዚ ግን ጌጋ እዩ፥ አምላኽ መሓሪ ፈቃር እዩ። አብ ገለ እዋን ምስጢር አምላኽ ስለ ዘይግለጸልና ክንፈልጦ አይንክእልን ኢና ካባና ዝድለ ንኹሉ አብ አምላኽ አቕሪብና ክንክእል።
ሎሚ ክንሓዊ ኃጢአትና ክንሳሕ አሎና፡ በዚ ሎሚ ንብዙሓት ዝኸብዶም አብ መንበረ ኑዛዜ ቀሪብካ ብኃጢአትካ ምእማን እዩ። ከይተናዘዝኩ ክንደይ ገረ አሎኹ ኢልና ሕልናና ክንሓትት አሎና። ወላ እውን 38 ዓመት ከምዚ ልሙስ ሰብ ንግበር ሎሚ እውን ምሕረት አምላኽ ክፉት እዩ። ኃጢአቱ ዘይንሳሕ ሰብ ሰላም ሓጎስ ቅሳነት ክረክብ ከቢድ እዩ። ክንሳሕ ግድን እዩ። ጊዜ ጾም ብፍሉይ ብኃጢአትና ተአሚና ንሥጋን ደምን ክርስቶስ ብንጹሕ ልቢ ክንቅበሎ ይግባእ። ሎሚ ነቲ ኃጢአትና ከይንንሳሕ ዓጊቱና ዘሎ ዝኾነ ኃጢአትና ንስዓሮ። አብ አምላኽ ንመለስ።
ኃጢአቱ ተአሚኑ አብ ክርስቶስ ዝቐረበ “ተንስእ ኃጢአትካ ተሓዲጉልካ/ኪ እዩ” ዝብላ ቃላት እዩ ዝሰምዕ። ሎሚ በዚ ቅዱስ እዋን ጾም አርብዓ አብ ጉዕዞ ንስሓ አብ ዘሎናዮ እዋን አብ ልብና አቲና ምስ አምላኽናን ከማና ምስ ዝበሉ ዕርቂ ንፍጠር። እንተ ተነሳሕና ክንሓዊ ምስ ሰብ ክንሕወስ ኢና ንአምላኽ ከአ ክንመስሎ ኢና።
ኦ ኢየሱስ አምላኸይ ካብ ኃጢአተይ አንጽሓኒ ነቲ ንዓመታት አብ ልበይ ዓቚረዮ ዝጉዓዝ ዘሎኹ ክፍአተይ ሎሚ ካብኡ ክነጽሕ እንታይ ትደሊ በለኒ አነኸ ክነጽሕ እየ።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ
All the contents on this site are copyrighted ©.