2012-03-09 13:21:33

ገበን ምንዘዐ መሬት ክውገድ


ዝተፈላለያ ዘይመንግሥታውያን ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ማኅበራት ኣብ ዓለም ብፍላይ ድማ ኣብ ድኻታታ ሃገራት ዝተፈላለያ ብሕታውያን ኅብረ ሓቆፍን ብሔራዊ ትካላትን ዓበይቲ ኣባይቲ ባንክን ቁጠባን ሃብቲ ገንዝብ ንምውፋር ዝፍጽምዎ ብፖለቲካ ዝተደገፈ ሓድሽ ተርእዮ ምንዘዐ መሬት ንናይ ሕዝቢ ረብሓ ዘይኮነስ ንናይ ውልቀን መኽሰብ ዝኣመተን፣ ምህርቲ ሕርሻ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ከኽስብ ዝኽእል ብምዃኑ፣ እተን ትካላት ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ኣፍሪቃን ካእልኦት ሃገራትን ዘሎ ልሙዕ መሬት ዋላ’ኳ ብገንዘብ ይዓድግኦ እምበር ዝፍጽምኦ ዘለዋ ምንዘዐ መሬት ንሕዝብታት ናብ ዘስካሕክሕ ድኽነት ይድርኽ ከምዘሎ ኣብ ቀረባ እዋን ብዛባ መሬት ዝምልከተ ሮማ ኣብ ዝርከብ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ናይ መግብን ሕርሻን ማኅበር ኣብ ዘካየዶ ዘተ ክሲ ከምዘቕረባ ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ልምዓትን ሕንጸትን ዘቕርብ ናይ ኢጣሊያ ክሮቸቪያ እተሰምየ ዘይመንግሥታዊ ማኅበር ሊቀ መንበር ኣንቶኒዮ ኦኖራቲ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም፣ እቲ ዝዕደግ ሰፊሕን ልሙዕን መሬት ኩሉ ዘጠቓልሎ ሃብቲ ማያቱ ድዩ ካልእ ዘለዎ ተፈጥሮኣዊ ሃብትታቱ እውን ዘጠቓልል ኮይኑ ብዘይቀጥታዊ ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ኣውን ከምዝዕድግኦን፣ እዚ ማለት ድማ ጉልበቱ ንረብሓኤን ብምዕዳግ ከምዝምዝምዝኦን፣ ስለዚህ ናይ ሕዝቢ መሰል ተጠቃምነት ሃብቲ መሬቱ ዝግህስ ጥራሕ ዘይኮነስ እተን ትካላት መሬትን ሕዝብን ኣብ ናይ ገዛእ ርእሰን ጥቕምን መኽሰብን የውዕለኦ ኢሎም።
ዝተፈላለዩ ብሔራውን ዓለም ለኻውን ናይ መሬት ዝምልከቱ ሕግታት ብኢደ ኣዙር ናይተን ዓደግቲ መሬት ትካላት ረብሓ ዘኽብር ክኸውን ናይ ሕዝብን መንግሥት መሰላት ብዝተፈላለዩ መጋበርያታት እናገሃሳ መንግሥታትን ሃገራትን ብዝተፈላለያ ኣገባብ ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ንናይ ገዛእ ርእሰን ረብሓ እናዓደጋ ዝፍጽምኦ ምንዘዐ መሬት ምዃኑ ሓቢሮም እዚ ኣብ ዓለም እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ምንዘዐ መሬት ደው ክብል ከምዝሓተታ ገሊጾም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.