2012-03-04 18:31:55

ሱባኤ ቤተ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተዛዚሙ


ንዘመነ ጾመ አርብዓ ከም ዚግባእ ንምጻሙን ንምስትንታንን ከምቲ ጐ.ኢ.ክርስቶስ አብ ምድረ በዳ ን40 መዓልትን ለይትን ብጾምን ጸሎትን ምስ አቦኡ ብምውሳእ ኅብረት ዝፈጠረን ንዲያብሎስ ዘሰዓረ፡ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 እውን ምስ ኩሎም መማኽርቶምን መሣርሕቶምን ነዚ አብ ግዜና ንቤተ ክርስትያን ብውሽጥን ብደገን ዝፈታተና ዘሎ ዲያብሎስ ንምሽናፍ አብ ዘመነ ጾመ አርብዓ ብጾምን ጸሎትን ምስ እግዚአብሔር ክዋስኡን ኅብረት ምእንቲ ክፈጥሩ፡ ናይ ሶሙን ሱባኤ ከምዝገበሩን፡ ሰባኺ ናይ’ዚ ሱባኤ ከአ ናይ ኪንሻሻ ኮንጎ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ላውረን ሞንሰንግዎ ፓዚንያ ከምዝኾኑን፡ አርእስቲ ሱባኤ ኅብረት ምስ እግዚአብሔር ዝብል ከምዝኾነን፡ በብዕለቱ ዝቀረቡ ስብከታትን ከነመሐላልፈልኩም ከምዝቀነና ዝዝከር ኢዩ። እዚ ብመንፈሱን ብዕላማኡን ንቅድስናን መሰናደዊ ጉዕዞ ጾመ አርብዓ ዝኾነ ሱባኤ እዚ ብዕሊ ጽባሕ አብ መንበረ ጴጥሮስ፡ ብጸሎተ ስብሐት ዘነግህን መዛዘሚ ስብከትን እኳ ክፍጸም እንተኾነ፡ ቅዱስነቶም መጠቃለሊ ሐሳብን ምስጋና ንሰባኽን አቅሪቦም። ቅዱስነቶም ኩነታት ሕይወትናን ዘድልየና ቀንዲ መጋበሪ እምነት ምዃኑን ንምምልካት “ሕይወትና መብዛሕትኡ ግዜ ጸልማት ወሪርዎ ከም ግብ ዝበለ ጸልማት በዓቲ ወይ ገለርያ እዩ ዝመስል ኮይኑ ግን፡ እምነትና አብ እግዚአብሔር እንተደአ አንቢርና ብርሃን እግዚአብሔርን ጽባቄ ዓለምን ክንርኢ ንኽእል” እንክብሉ መሠረት ኩሉ እምነት ምዃኑ አብሪሆም። አብ’ዚ ሶሙን ምሉእ ዝተኻየደ ሱባኤ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ክሰብኩሎም ንዝቀነዩ ብፁዕ ካርዲናል እውን አመስጊኖም። ቅዱስነቶም አብቲ ናይ ምስጋና መል እኽቶም "ብፁዕነትኩም ካባኹም ናይታ አማኒትን ተስፋ እትገብርን እትፈቅርን ቤተ ክርስትያን አፍሪቃ እምነት ሐፊስና" እንክብሉ ዕግበቶም ገሊጾም። ከመይ አብዘን ሸውዓተ መዓልታት ነቲ ቅዱስ ዮሐንስ ሐዋርያ ብሕይወቱ ዝነበሮን አብ መል እኽቱ ዝጸሐፎን ምስ እግዚአብሔር ብኅብረት ምንባር እንታይ ማለት ምዃኑ ንዝምህራ እናተኸተለት ነፍሲ እትገብሮ ጉዕዞ ኢዩ። እዚ ጉዕዞ እዚ ጉዕዞ ጾመ አርብዓ ኢዩ። ብጽሞናን ብጸሎትን እንክስነ ክሳብ ክንደይ ፍርያም ከምዝኸውን እውን አረጋጊጾም።
ቅዱስነቶም አብ መወዳእታ ንሰባኺ ቃለ ምስጋና እንከቅርቡ ከአ፡ "ንስኹም ናብቲ ሰፊሕ ግራት ቀዳመይቲ መል እኽቲ ዮሐንስን ምሉእ ቅዱስ መጽሐፍን ብዓቢ ክእለት ትርጓሜ ቅዱስ መጽሐፍን መንፈሳውን ሐዋርያውን ተመኵሮን መሪሕኩምና። ጠመተኹም ናብ እግዚአብሔር ብምግባር መሪሕኩምና ካብዚ ጠመተ እዚ ከአ ምስ እግዚአብሔር ኅብረት ዝፈጥሩ ፍቅርን እምነትን ተማሂርና" እንክብሉ አመስጊኖም።
ቅዱስነቶም ናብ ሰባኪ ናይዚ ሱባኤ አብ ዝጸሓፍዋ ናይ ምስጋና መልእኽቲ አብ ግዜ ስብከት ከም አብነት ንዘቅረቡሎም እንደገና ብምዝካር፡"እቲ ከም አብነት ዝገለጽኩምልና ሐደ ዓርኪ ሃለዋቱ አጥፊኡ ዝነበረ ኮይኑ ግን ቀስ ብቀስ ናብ ሕይወት ክምለስ ምስ ጀመረን ሙዚቃ ክሰምዕ ምስ ጀመረ አብ ምብርባሩ አብ ግብ ዝበለ ጸልማት በዓቲ ገለርያ ከምዝነበረ ኮይኑ ይስምዖ ከምዝነበረን አብ ሃለዋት ክምለስ አብ ዝጀመረሉ ብርሑቅ ብልጭታ ብርሃን ከምዝር ኢ ኮይኑ ከምዝስምዖ ዝገለጽኩምዎ፡ ከምዝመስለኒ እዚ ንሕይወትና ምሳሌ ክኸውን ይኽእል፡ ብዙሕ ግዜ አብ ድቅድቅ ጸልማት ለይቲ ናይ ገለርያ ወይ በዓቲ ንርከብ ኮይኑ ግን ብ ዓይኒ እምነት ብልጭታ ብርሃን ንርኢ ጥዑም ዝደሃዩ ሙዚቃ ንሰምዕ ብጽባቄ እግዚአብሔር ንማረኽ ከማኡ እውን ብናይ ሰማይን ምድርን ፈጣሪ ብዝኾነ እግዚአብሔርን ብፍጥረቱን ንማረኽ” ክብሉ አመስጊኖም።








All the contents on this site are copyrighted ©.