2012-03-04 18:10:29

ሰንበት ዘምኵራብ የካቲት 25 2004 ዓ.ም. (መጋቢት 4 2012)


መዝሙር፡ ቦአ ኢየሱስ ምኵራበ አይሁድ ወመሃረ ቃለ ሃይማኖት. . . . .
ንባባት፡ ገላ 4፡1~12፥ 2ዮሓ 1፡4~8፥ ግ.ሓ. 1፡13~15፥ ሉቃ፡39~57
ስብከት፡ “እስመ ቅንአተ ቤተከ በልዓኒ፥ ትዕይርቶሙ ለእለ ይትዔየሩከ ወድቀ ላዕሌየ፤ ወቀጻዕክዋ በጾም ለነፍስየ” ንቤትካ ዘሎኒ መንፈሳዊ ቕንኢ ከም ሓዊ የንድደኒ አሎ፥ ጸርፊ እቶም ዝጸርፉኻውን አባይ ወደቐ፥ ንነፍሰይ ብጾም አሕሳእክዋ”። መዝ. 69፡9
መዝሙር፡ “ኢየሱስ አብ ቤት ጸሎት አይሁድ አተወ። ካብ መስዋዕቲ ምጽዋት እፍተወኒ አነ ንሰንበት ዋንአ ንምሕረት አቦአ እየ፥ ንቤት አቦይ ቤት ሸቐት አይትግበርዋ ቤተ ጸሎት እያ እትስመ፥ ሰንበት አኽብሩ ሠናይ ግበሩ ንብጻይኩም አፍቅሩ ንድኻታትን መሳኺንን ራሕርሑ እምነት ከተሕድሩ”።
ኢየሱስ አብ ቤተ መቕደስ አይሁድ አትዩ ድላይ አምላኽ እንታይ ከምዝኾነ ዝገለጸላ ሰንበት ኢና ዘኪርና ዘሎና። ቤተ መቕደስ ቤት አምላኽ ነገር አምላኽ ጥራሕ ክፍጸመሉ ዝግባእ ምዃኑ ገሊጹልና። ዘይመልክዑ ክነልብሶ ከሎና አምላኽ ከም ዝሓዝን ይነገረና። አብ ቤተ መቕዳስ አምላኽ ጉዳይ አምላኽ ጥራሕ ክንገብር ከምኡ ዝግብኦ ክብሪ ክንህቦ ከምዝግብአና በዚ ሎሚ ሰንበት የዘኻኽረና። ንቤት አምላኽ ክነራኽስ ከሎና ንቤት አምላኽ ከም ማንም ቤት ክንርእዮ ከሎና ሽዑ ንአምላኽ ዘንጊዕና አሎና ማለት እዩ። አብ ታሪኽ ደቂ ሰብ ንቤት አምላኽ ብዝተፈላለዩ መገዲ ሰባት ከራኽስዎ አብኡ ግፍዒ ክፍጽሙ ብዙሕ ጊዜ ተራእዩ። አብ ቤት አምላኽ ቅትለት ዓመጽ ክፍጸም እንከሎ ልቢ ሰባት ሰይጣን ወሪስዎ አሎ ማለት እዩ። አብ ቀደም ታሪኽ ሰብ ዝቐተለ ሃዲሙ አብ ቤት አምላኽ እንተ ተዓቕበ ዝኾነ ሰብ አይቀርቦን እዩ፥ ምኽንያቱ ዑቝብኡ አምላኽ ገሩ ስለ ዘሎ። በዚ እዋና ግና ቤት አምላኽ ከም ኩሉ ተራእዩ ክድፈርን ክመራሳሕን ንርኢ አሎና ስለዚ ሎሚ እውን ኢየሱስ ቤተይ ቤት ጸሎት እዩ ይብለና።
ዝዓበየ ቤተ መቕደስ አምላኽ ልብና እዩ። ከምቲ ጳውሎስ ሓዋርያ ዝብለና ማሕደረ መንፈስ ቅዱስ እዩ ልብና። እዚ ቅዱስ ልቢ ኩሉ ጊዜ ነጺሑ ከምቲ ንአምላኽ ዝግባእ ኮይኑ ክነብር መንነትና እዩ። ልባትና ብናይ ዓለም ነገራት ተማሪኹ ካብ አምላኽ ከይርሕቕ ሓጋዚና ሓደ ካብቲ ብዙሕ ጊዜ ጾም እዩ። እዋናት ጾም አብ ሕወትና ተመሊስና ካብ አምላኽ ፈልዩና ዘሎ ነገራት ክንስዕረሉ እሞ አብቲ መበቆልና ዝኾነ አምላኽ ክንምለስ ዝሕግዘና እዩ። አምላኸይ ልበይ ከፊተልካ አሎኹ ማኅደርካ ግበሮ ምሳይ ኩን እናበልና እሽታና ንግለጸሉ ሽዑ ቅሱን ሕይወት ክነብር ኢና።
ሰብ ንአምላኽ ከይረኸበ ክቐስን አይክእልን እዩ። ህድአት ሰላም ክንረክብ ናይ ነፍስወከፍና ድኻምን ድለትን ይሓትት። አምላኽ ጸግኡ ክዕድለና ናታትና ፍቓድ ይሓትት። አብ ባህጊ ጥራሕ ከይንነብር አብ ሓቅን ቅንዕናን ነቢርና ንአምላኽ ደቁ ኮና ክነብር በዚ ቅዱስ እዋን ክንበራበር ይግብአና። ፍቕሪ መለልዪ ክርስትያን እዩ፥ መድኃኒና ተፍቅሩኒ እንተ ኾንኩም ነነድሕድኩም ተፋቐሩ ይብለና። ጾምና ፍረ ክህልዎ መለልይኡ ፍቕሪ ክኸውን እንከሎ እዩ። ክተፍቅር ቀሊል አይኮነን ብዝያዳ አብ ልዕለኻ በደል ንዝፈጸመ ክተፍቅሮ ንአና ንደቂ ሰብ ይኸብደና። መድኃኔ ዓለም መምህርና አብ መስቀል ኮይኑ ትርጉም ፍቕርን መገዱን ምሂሩና። ንጉዕዞ ፍቕሪ ደም እናጠዓመካ እዩ ዝኽየድ። ምስ ሥጋናን ስምዒትናንን ክንረባረብ ይግብአና ነቲ አብ ድኽመትን በደላትን ሰባት ጥራሕ ከም እነተኩር ገሩና ንዘሎ ድኹም መንፈስ አላሽ አቢልና አብ ጎደና ብድሆ ስምዒትና ክንወፍር እሞ ንፍቕሪ ወገና መተካእታ ከይንገብረሉ ዓይኒ ሕልናና ንአምላኽ ንኽፈተሉ ፍቕሩ ርኢና ምእንቲ ክንክእል። ጊዜ ጾም ምቹእ ንዕርቂ ምስ አምላኽን ሰብን ቅዱስ እዋን ስለ ዝኾነ ንቅድስና ክንሃርፎ እሞ አብ አምላኽ ተመሊስና ደቂ አምላኽ ክንከውን ንወስን።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.