2012-03-03 15:55:12

ብፁዕ ኣቡነ ቶማሲ፦ ጸረ ክርስትያን ዓመጽን ምንጻል እምነትን


ኣብ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮ ማኅበር ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ብፁዕ ኣቡነ ሲልቫኖ ማሪያ ቶማሲ እቲ ዋና ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ጀነቭ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ ማኅበር ኣብ ዘካየዶ ናይ ቤት ምኽሪ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ ኣብ ዓለም ናይ ሃይማኖት ነጻነት RealAudioMP3 እቲ ኣዚዩ ኣብ ሓደጋ ተቓሊዑ ዘሎ መሰል ሰብኣዊ ክብርን ፍቓድን ምዃኑ ኣመልኪቶም፣ ልዕሊ 2 ሚልያርድን 2 ሚሊዮንን ዝግመቱ ምእመናን ናይ ሃይማኖት ነጻነቶም ድሩት ከምዝኾነን፣ ናይ ሃይማኖት ጸቕጢ ከምዝተጋርዶምን፣ ካብ 2003 ዓ.ም. ክሳብ 2010 ዓ.ም. ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብርቓን እስያን ኣሸበርቲ ዝፈነውዎ ጸረ ክርስትያን መጥቃዕቲ ጸረ ክርስትያን ዓመጽ ናብ 309 ሚእታዊ ክብ ክብል ከምዝደረኸን፣ ኣብ ምዕራብ ሃገራት ኣብ ክርስቶስ ዝኣምኑ ዜጋታት ዝንጽል ባህሊ ይሰፍሕ ኣሎ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ። ብፁዕነቶም ድሕሪ እቲ ጉባኤ ብስልኪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እቲ ዝሃብዎ ኣኃዛዊ ጭብጥታት ብመራኸቢ ብዙኃን ካብ ዝተገብረ መጽናዕቲ ዝተረኽበ ጸብጻብ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም፣ ንማኅበረ ክርስትያን ወይ ድማ ኣብ ጎደና ምዕባለ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ዝርአይ ጭቡጥ ኩነት ዓመጽ ኮይኑ፣ ንውሁዳን ኃይማኖታት ዝምልከት ኢዩ። ኣብ ጎደና ምዕባለ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ዝርኤ ማኅበራዊ ሽግር ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ምዕራብ ሃገራት ሃይማኖት ኣብ ብሕታዊ መዳይ ይነበር ዝብልን ሃይማኖት ዝነጽግን ዝውስንን ባህሊ ምስፋሕን እማኔ ተኣምኖተ ሃይማኖት ኣብ ማኅበራዊ መዳይ ዝብሎ የብሉን ዝብልን ሃይማኖት ዝንጽል ጸረ ክርስትያን ባህሊ እውን ኢዩ ኢሎም።
እቲ ዘሎ ሃይማኖታዊ ፍልልይ ዘኽብር ሕድ ሕዳዊ ምክብባርን ምቅብባልን ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ክህሉ ዝድግፍ ኣተኩሮ ኣዚዩ ኣገዳሲ ኢዮ። ኣብዚ መዳይ መራኸቢ ብዙኃንን ኣባይቲ ቤት ትምህርትን ክጻወትኦ ዝግብኤን ተራ ዓቢ ኢዩ። ስለዚ ኣብ ኅብረተሰብ ጽልእን ምንጽጻልን ዘይኮነስ፣ ምክብባር ዘተባብዕ ሕንጸት ወሳኒ ኢዩ ቢሎም፣ እዚ ማኅበራዊ ፍትሒ ዝምልከት ከምዝኾነ ኣረዲኦም፣ ኣብ ፓኪስታን ሃይማኖት ምርካስ ገበን ኢዩ ዝብል ኣብ ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጊ ዝተኣታተወ ዓንቀጽ፣ ዘይንጹር ዝተፈላለየ ትርጉም ከወሃቦ ነዘኽእሎ ስንኩፍ ሓሳብ ዝተቓልዔ ኮይኑ ዝጸደቐ ኢዩ ዝመስል። ስለዚ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ዘኽብር ዘይኮነስ ንሓደ ናይ ብዙኃን ሃይማኖት ነጻነት ዘዳልው ኢዩ። ንምርግጋጽ ማኅበራዊ ሰላም ከምዚ ዓይነት ሕጊ ዘይኮነ፣ ንናይ ማኅበራዊ ሰላም ዝኣመተ ናይ ሃይማኖትን ናይ ሕልናን ናይ ርእይቶን ግብሪ ሃይማኖት ምፍጻምን ነጻነት ክኽብር ዝድግፍ ሕጊ ኢዩ ዘድሊ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.