2012-03-01 14:30:36

“ቃለ እግዚኣብሔር(ቃል ጎይታ) - Verbum Domini”


ኣብ ቫቲካን ካብቲ ፍሉጥ ጥንታውያንን ሳሕቲ ዝኾኑን ዘይልሙዳት ቅርስታትን ብራናታትን ካብቲ ናይ ባህሊ ጉዳይ ኣካቢ ማኅበር ግሪንን ካብ ካልኦት ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ካብ ዝርከቡ ጥንታውያን ቅርስታት ኣከብቲ ማኅበራት ዝተዋጽኡ 150 ዓቢይ ታሪኻዊ ክብሩ ዋጋ ዘለዎም ሰነዳት ቅዱስ RealAudioMP3 መጽሓፍ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንምርኢት ከምዝቐረበ ክንገር እንከሎ፣ እዚ መደብ ናይ ባህሊ ጉዳይ ዝከታተል ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዘነቓቐሖ ምዃኑ እውን እንክፍለጥ፣ በዚ ናይ ምርኢት መደብ መሠረት ትማሊ ኣብ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምእተመልከተ፣ እቲ ምርኢት ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ንናይ ውህደት ጻዕሪ ዘተሓሳስብን ዘሕይልን ከምዝኾነ ከምእተመልከተ ተሓቢሩ።
በጻሕትን ዜጋታትን ናብ ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ታሪኽ ክቐርቡን እቲ ናይ ኣይሁድን ክርስትናን ሓባራዊ ናይ እምነት መሠረት ዝኾነ ካብ ትልውዲ ናብ ትውልዲ እናተወራረሰ ዝመጸ ታሪኽ ብዕምቀት ክርድኡ ዝድግፍ ምዃኑን ብፍላይ ካብቲ ንምርኢት ዝቕርቡ 150 ጥንታውያን ቅርስታት እቲ ኣዚዩ ጥንታዊ ተባሂሉ ዝንገረሉ ብ Codex Climaci Rescriptus ዝልለይ ኢደ ጽሑፍ ሓድሽ ኪዳን በቲ ኣብ እዋን ኢየሱስ ኣብ ፍልስጥኤም ዝዝረብ ብዝነበረ ቋንቋ ኣረማይስጥ ዝተጻሕፈ ዝርከቦ ከምዝኾነን ካልኦት ቅርስታትን ምልክታትን ኣብ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ኣብ ጥቓ ሙት ባሕሪ ኣብ ዮርዳኖስ ዝተረኽበ 87 መሥመር ዘለዎ ብእብራይስጥ ዝተጻሕፈ ክፍሊ ቅዱስ መጽሓፍን ዘጠቓለለ እውን ምዃኑ ናይ ባህሊ ጉዳይ ዝከታተል ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ መልኮር ሳንቸዝ ደ ቶካ ሓቢሮም፣ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ደይ ቨርቡም ዝብል ድኅረ ሲኖዶስ ዝደረስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ናይ ምዕራብ ባህሊ ሥርዓት ኢዩ እንክብሉ ከምዝገለጽዎ እውን ኣብ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ጠቒሶም፣ ቅዱስ መጽሓፍ ናይ ምዕራብ ባህሊ ቅርጺ ኢዩ ኢሎም።
ቅዱስ መጽሓፍ ገና ዘይተጸንዔን ዘይተፈልጠን እውን ኢዩ እንተበልኩ ምግናን ኣይኮነን ኢሎም፣ ስፍሓቱን ዕምቆቱን ኣዚዩ ልዑልን ጥልቅን ኢዩ። መልእኽትታቱ እውን ዘይጽንቀቕ ዓይኒ ማይ ኢዩ። ገና ክጽናዕ ዘለዎ ናይ ነዊሕ ጥንታዊ ታሪኽ እዩ። ቤተ ክርስትያን ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ቅዱስ መጽሓፍ ኣብ በዓላትን ተራ መዓልትታትን ቅዱስ መጽሓፍ ናብ ምእመናን ብምቕራብ ኣብ ሰለስተ ዓመት ውሽጢ መላእ ቅዱስ መጽሓፍ ክንበብ ከምዝገበረ ዘኪሮም። ኣብ ኣብ በዓላትን ተራ መዓልታት ቅዳሴ ዝቐርቡ ንባባት ቅዱስ መጽሓፍ ኣብ ሰለስተ ዓመት ውሽጢ መላእ ቅዱስ መጽሓፍ ንኸነንብብን ጽን ንኽንብልን የብቅዓና ኢዩ ኢሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.