2012-03-01 14:26:28

ብፁዕ ኣቡነ ቶሶ፦ “ተስፋ ንምሕያል ፍትሒ ኣገዳሲ ኢዩ”


ናይ ፍትሕን ሰላምን ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ማሪዮ ቶሶ ኣብ ዓለም ብፍላይ ድማ ኣብ ምዕራብ ሃገራት ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ኤኮኖሚ ንሕዝቢ ንዝተፈላለዩ ማኅበራውን ሰብኣውን ቅልውላው ዝድርኽ ኮይኑ፣ ቡዙሓት ንርእሰ ቅትለት ሓደጋ የቃልዕ ከምዘሎን፣ ናይዚ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው RealAudioMP3 መፍትሒኡ ናይ ሕዝቢ ተስፋ ዘሕይል ፍትሒ ምርግጋጽ ምዃኑ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም። እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ቁጠባ ካብቲ ዝተሓስቦ ንላዕሊ ቀጻሊ ኣናኾነ ይመጽእ ከምዘሎን፣ መፍትሒኡ ንምድላይ ናይ ቁጠባን ፖለቲካን ዓለም ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ፣ እቲ ቅልውላው ብቐሊሉ ዝፍታሕ ከምዘይኮነ ኢዩ ዘነጽር፣ እዚ ኣዋን ቅልውላው ኣብ ክሳች ከምዝተንጠልጠለ መሸንቆቓ ወይ ድማ ዓይኒ ገመድ ኮይኑ ኣሎ። ካብዚ ቅልውላው’ዚ ንምልቓቕ ምዕሩይነትን ፍትሕን ዘማእከለ ከይዲ ኤኮኖሚ ዓለምን ናይ ሥራሕን ኢንዳስትሪን ናይ ኣገልግሎት መውሃብን ናይ ምኅርቲ ክፍልታትን ዝምልከት ፖለቲካ ዝሕድስ ጽኑዕ ግብረ መንግሥቲ ወሳኒ ኢዩ። ምስ እዚ ተተሓሒዙ ድማ ናይቲ ቅልውላው መሠረት መንቀሊኡ (ንጹር ኢዩ) ክልለይ ኣለዎ። እዚ ቅልውልው ክውን ዝገበሩ ኣካላት ግብረ ገባዊ ሓላፍነቶም ክእመኑ እምበር ሕድ ሕዳዊ ምውቕቓስ ናብ ዘብጽሖ የብሉን።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብታ “Caritas in veritate-ፍቕሪ ብሓቂ” እተሰምየት ዓዋዲት መልእኽቶም ብፍላይ ድማ ኣብ ፍቕዲ 67፣ ዓለም ሓቆፍ ፖሊቲካዊ ሥልጣን ክቐውም ዝጠልብ ቅልውላው ምዃኑ ተንቲኖም፣ እዚ መዝነት ፖለቲካዊ ሥልጣን ምርግጋጽ ኣገዳሲ ምዃኑ የተሓሳስቡ። ናብዚ ዓይነት ሥልጣንን ኃላፍነትን ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ብቑዕ ኮይኑ ክሕደስ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ዘስምዕ እውን ኢዩ ኢሎም። ቤተ ክርስትያን ኣብ ናይ ማኅብራዊ ጉዳይ ትምህርታ ከምእተተሓሳስቦ፣ ፍትሒ መዕቀኒ ከይዲ ፖሊቲካን ቁጠባን ክኸውን ኣለዎ ቢሎም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣተቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.