2012-02-29 09:23:17

ሲኖዶስ፣ ብዙሕ ግዜ “ዘየፍርን ንቝጽ” ኮይኑ ዝርኤይ እዋናዊ ኣስፍሆተ ወንጌል ናይ እምነት ዓመት ኣዚዩ አገዳሲ ምዃኑ የተሓሳስብ


ካብ ዕለት 7 ክሳብ ዕለት 28 ጥቅምቲ ኣብ ቫቲካን ናይ መላእ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ብፁዓን ጳጳሳት “ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ንምትሕልላፍ ናይ ክርስትና እምነት” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ሲኖዶስ ክካየድ ቅዱስ ኣቦና ከምዝወሰኑ ብተደጋጋሚ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ RealAudioMP3 ከምዘመልከተ ዝዝከር ኮይኑ፣ ናይዚ ሲኖዶስ Instrumentum laboris - መጋበርያ ዕዮ ውጥን መሠረት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ጠቕላሊ ዋና ቤት ጽሕፈት መበል 12 መደበይና ዋዕላ ከምዘካየድ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ እንከመልክት፣ እዚ ዝተኻየደ ዋዕላ ኣብዚ እዋን’ዚ ንቃለ ወንጌል ዘይምግዳስ ነዘርእዩ ብዙሓት ከመይ ጌርካ ወንግል ተመሓላልፍ? ዝብል ሕቶ እዋናዊ ናይ እምነት ቅልውላው ዘመልክት ክኸውን እንከሎ ወንጌልን እምነትን ናይ ምትሕልላፍ ቅልውላው ከምዘሎ ዘስምዕን ብጠቕላላ ናይ እምነት ቅልውላው ምህላዉ እዩ ዘነጽር። ኣብ ዙሪያ እዚ ቀንዲ ግድል’ዚ ናይቲ ብናይ ዋና ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኒኮላ ኤተሮቪች ተመሪሑ ዝተኻየደ ዋዕላ ተሳተፍቲ ብፁዓን ካርዲናላትን ብፁዓን ጳጳሳትን ሰፊሕ ዘተ ከምዘካየዱ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ ኣብ ዕለት 16 ለካቲት 2012 ዓ.ም. ዘካየዶ ዋዕላ መንነት ናይ ተቐባሊ ኣስፍሆተ ወንጌልን ምስ ወንጌልን ክርስቶስን ማለት ምስ ‘ኅያው ወንጌል’ ርክብ ናይ ዘለዎ ክርስትያን መንነት ዝብል መጋበርያ ናይ ዕዮ ሰነድ ዘቕርቦ ሓሳብ ዘማእከለ ዘተ ከምዝነበረ አመልኪቱ።
እምነት ምስ ምሕላፍ/ምብጻሕ ዝተኣሳሰሩ ሽግራት ኣብ ዝብል ነጥቢ ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ብፁዓን ካርዲናላትን ጳጳሳትን፣ እዋናዊ ኣስፍሆተ ወንጌል ብዙሕ ግዜ “ዘየፍሪ ንቝጽ” ኮይኑ ከምዝርከብን እቶም ወንጌል ኣብ ምሕላፍ ዘጋጥሙ ሽግራት ንቤተ ክርስትያንን ንማኅበረ ክርስትያንን ብድሆ ከምዝኾነን እምነት ንምትሕልላፍ ዕንቅፋት ዝፈጥር ኮይኑ ዘሎ ናይ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ባህሊ ተገንዚቦምን እዚ ዝሃብዎ ትንተና’ዚ ናይ እምነት ዓመት አዚዩ አገዳሲ ምዃኑ ዘተሓሳስብ ኢዩ ዝብል ሓሳብ ዘቃልሕ ከምዝኾነ ጠቕላሊ ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ዝሃቦ መግለጺ እንከመልክት፣ እዚ ዝተገልጸ ብድሆ፣ ነታ ኣናሥር ናይ ምስፋሕ ወንጌል ሥፍራ ተባሂላ ንእትግለጽ ሥድራ ቤት፣ ብቐዳምነት ብሱታፌ ኣብ ቤተ ክርስትያናዊ ሕይወት፣ ማለት ኣብ ሊጡርጊያን ቅዱሳት ምሥጢራትን ስብከትን ቁምስናዊ ተልእኾን ናይ ቤተ ክርስትያን ምንቅስቓሳትን ናይ ዝቐርብ ኣስፍሆተ ወንጌል ትሕዝቶኣውን ትግባሬኣውን ጎድኑን ከምኡ እውን ትምህርተ ክርስቶስን ዝምልከት ምዃኑ እቲ ዋዕላ ከምዘስመረሉ እንክምልከት፣ በዚ መሠረት እቲ ናይ እምነት ዓመት እቲ ካብ ጎይታ ንኽንነብሮን ንኻልኦት ነኸነመሓላልፎን ዝተቐበልናዮ ጸጋ እምነት ነዕሙቖሉ ኣገዳሲ ዓመት ኢዩ ከምዝበሉ ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ዋዕላ ጠቕላሊ ቤት ጽሕፈት ሶኖዶስ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.