2012-02-25 14:05:04

ናይ ቅድስቲ መንበር ርአሰ ዓንቀጽ
“እዋን ሶማሊያ”


ከምቲ ልሙድ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማኅተምን ሓላፍን ናይ ራዲዮ ቫቲካን ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ዘቕርብዎ ናይ ቅድስቲ መንበር ርእሰ ዓንቀጽ ትማሊ “እዋን ሶማሊያ” ብዝብል ኣርእስቲ ብምቕጻል ኣብዚ እዋን ማኅበረሰብ ዓለም እቲ ካብ 20 ዓመት ንላዕሊ ኮይንዎ ዘሎ ፖሊቲካውን ማኅበራው ሃገራውን ቅልውላውን ኣልቦ ማኣከላይ መንግሥትን ንምፍታሕን ንዳግማይ RealAudioMP3 ኵለ መዳያዊ ሕንጸት ሶማሊያ ጻዕርታቱ ኣብ ምሕያል ይርከብ ከምዘሎ ዝምስክር እቲ ዕለት 23 ለካቲት 2012 ዓ.ም. ሓምሳ ሃገራት ዘሳተፈ ኣብ ሎንደን ዝተኻየደ ዋዕላ ጠቒሶም፣ እታ ክፍሊ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ሶማሊያ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሕዝባን ሃገርን ዘዘንብይ ዘሎ ሕሱም ድኽነትን ኣሸባርነትን ሸፋቱ ባሕርን ንምውጋእ ዝበቅዕ ሕዝባዊ ባይቶ ከተቕውም ዘተሓሳሰበን ኮይኑ፣ እቲ ናይ ሥልጣን ተልእኾኡ ኣብ ዝመጽእ ወረሒ ነሓሰ 2012 ዓ.ም. ዘብቕዕ ኣብ መርሕነት ዘሎ ናይ ሶማሊያ ናይ መሰጋገሪ መንግሥቲ ሥልጣን ከይናዋሕ ከምዝበለን ኣዘኻኺሮም፣ ከምኡ እውን ነቲ ኣብ ሶማሊያ ንናይ ስብኣዊ ረድኤትን ሕክምናን ወዘተርፈ ኣገልግልቶታት ግብረ ሰናይ መደባት መሳለጢ ናብ ሶማሊያ ዝኣትው ናይ ቁጠባ ሃብቲ ኣሳልጦን ግልጽነት ዘለዎ ኣሰራርሓኡ ውሕስ ዝገብር ናይ ሓባር ቤት ምኽሪ ክቐውም እውን ከምዘተሓሳሰበ ገሊጾም።
ሶማሊያ ኣዚያ ዝደኸየትን ንገዛእ ርእሳ ኣብ ዕግርግንር ዕንወትን ብናይ ውሽጢ ውግእ ተሓሚሳ ኣብ ዘይምርጋእ ተኣሊኻ ብኹሉ ብማኅብረሰብ ዓለም እውን ኣብ ናይ ገዛእ ራእሳ ሕንፍሽፍሽን ዓመጽን ተሓዲጋ ተረሲዓን፣ እዚ ድማ ነቲ ናይቲ ከባቢ ናይ ባሕሪ ሸፋቱ ሽርሕታት ዕድል ከምዝሃበን፣ ውግእን ዓጸባን፣ እቶም ንዘርኢ ሰብ ኣዚዮም ዘሳቕዩ ዝነበሩ እሞ ከምመቕዘፍቲ ዝንገረሎም ጥንታውያን ጸረ ሰብኣዊ ግብርታት ኣብ ናይ ሎሚ ሶማሊያ እነሆ ብግህዶ ናይ ሕዝቢ ናይ ተስፋ ተዘክሮ እውን ዝሓኽኽ ኮይኑ ብቓል ንምግላጹ ኣብ ዘጸግም ሕሱም መከራ ኣጥሒልዎ ኣሎ። ናይቶም ናይ ዓመጽ ኣደዳ ጸብጻብ ብዝሒ ንኽትህበሉ ኣብ ዘይከኣለሉ፣ ኮታ ብዙሕ ነገራት ክትፈልጠሉ ኣብ ዘይትኽእለሉን፣ ብዛዕባ ናይ ሶማሊያ ውሽጣዊ ቅልውላው ዘስዕቦ ሽግር እዚ ኢዩ ክበሃል ኣብ ዘይከኣለሉ ኩለ መዳያዊ ቅልውላው ተሓሚሳ ከምእትረከብን፣ ናይዚ ኹሉ ኣሉታዊ ኩነት ዝያዳ ተጠቓዒ፣ እቶም ካብ ናይ ኣልሸባብ ዕጡቓት ኃይሊ መጥቃዕቲ ዘምልጡ ተመዛበልቲ ካብ ዝህብዎ ናይ ዓይኒ ምስክርነት እቶም ኣዚዮ ዝጥቕዑ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ከምዝኾኑ ኢዩ ዝፍለጥ።
ኣብ ሶማሊያ ብዝሒ ካቶሊካውያን ምእመናን እዚዩ ትሑትን ኣብ ገለ ገለ ክፍሊ ሶማል እውን ዳርጋ ዘየለን፣ መብዛሕቲኦም ናይ ደም ሰማዕትነት ተቐቢሎም ዝሓለፉ ኢዮም። ካብኣቶም ድማ ኣብ 1989 ዓ.ም. ኣብ ካቴድራል መንበረ ጳጳስ ዝተቐትሉ ናይ ሞቓዲሾ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኮሎሞቦ፣ ኣብ 1995 ዓ.ም. ኣብ ሞቓዲሾ ዓቢይ ኣገልግሎት መውሃቢ ክንክን ጥዕና ዘገልግላ ዝነበራ ኢጣሊያዊት ኣባል ማኅበር ወለንተይናታት ሓኻይም ሓኪም ግራዜላ ፉማጋሊ፣ ከምኡ እውን ኣባል ወለንተይና ሓኪም ኣናኤለና ቶነሊ ኣብ 2003 ዓ.ም. ዝተቐትላን፣ ኣብ 2006 ዓ.ም. ዝተቐትላ እናቴ ለዮነላ ስጎርባቲ ጠቒሶም፣ ኣናኤለና ቶነሊ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ መቕተልተን ሓዲገነኦ ካብ ዝሓለፋ ጽሑፋተን “ተሳዓርነትካ ምእንቲ ዓወት ፍቕሪ ክሳብ ዝኾነ፣ ቤተ ክርስትያን ዝተሳዕረት እውን እንተመሰለ ምእንቲ ፍቕሪ ዘጓንፋ ስዕረት ስለ ዝኾነ፣ ፍቕሪ ዘዕውት ኢዩ” እንክብላ ዝገለጸኦ ሓሳብ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ጠቒሶም ኣዚ መንፈሳዊ ውርሻ ንናይ ሶማሊያ ዳግማይ ሕንጸትን ዕርቅን ሰላምን ኣሚቱ ንዝፍጸም ጻዕሪ መሠረት ኢዩ እንክብሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ርእሰ ዓንቀጽ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.