2012-02-25 14:06:48

ተሳታፍነት ቅድስቲ መንበር ዛዕባ ሶሪያ ኣብ ዝዘተየ ዋዕላ ቱኒዝ


ኣብ ቱኒዚያ ፈተውቲ ሶሪያ ማኅበር ኣብ ዘዳለዎ ዛዕባ ሶሪያ ኣብ ዝዘተየ ዋዕላ፣ ቅድስት መንበር ክትሳተፍ ብናይ ቱኒዝያ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒ. ብዝቐረበላ ዕድመ መሠረት ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡኻት ከምተዓዛቢ መሪሖም ኣብቲ ናይ ትማሊ ጉባኤ ዝተሳተፉ ኣብ ዓረብ ሊግ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽን ኣብ ግብጺ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብፁዕ ኣቡነ ሚካኤል ልዊስ ፊትጽገራልድ ምዃኖም RealAudioMP3 ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማኅተምን ሓላፊ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ሓቢሮም፣ እቲ ተሳታፍነት፣ ቅድስቲ መንበር ንሕዝቢ ሶሪያ ዘለዋ ቅርበትን ምትሕብባርን ንናይ ሶርያ ሕዝቢ ናይ ሓባር ጥቅምን ሰላምን ምርግጋእን ዘለዋ ሓልዮት ዘነጽር ኢዩ ኢሎም። ቅዱስ ኣቦና ዕለት 12 ለካቲት 2012 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጎም ኣብ ዘቕረብዎ ስብከት፣ ኣብ ሶርያ ተኸሲቱ ዘሎ ደም ምፍሳስ ደው ክብልን ናይታ ሃገር መንግሥትን ዓበይቲ ሰበ ሥልጣናትን ንመገዲ ዘተን ጻዕርታት ዕርቅን ሰላምን ሓለፋ ክህብሉ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ኣባ ሎምባርዲ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣዘኻኺሮም።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዓለም ሓቆፍ ማኅበርሰብን ናይ ሕዝቢ ሕጋው ድልየትን ንተስፍኣዊ ምሕጽንታን ሕጹጽ መልሲ ክወሃበሉ ሓደራ ከምዝበሉን፣ እዚ ናይ ቅድስቲ መንበር ኣብ ናይ ቱኒዝያ ዋዕላ ሱታፌ ነዚ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ጻውዒት መሠረት ዝገበረን፣ ኩሉ ናይ ሶሪያ ኣስላማይን ክርስትያንን፣ ብዘይ ኣፋላላይ ውሁዳን ክፍሊ ኅብረተሰብን ብዙኃን ክፍሊ ህብረተሰብ ናይ ብዙሃንን ናይ ውሁዳንን ሃይማኖት ዘይብል ኣብቲ ዝነበረን ዘሎን ናይ ኩለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ምእመናንን ብኹሎም እቶም ናይታ ሃገር ኅብረተሰብ ክፍልታት ዝቖመ ነዊሕን ታሪኻውን ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ መሠረት ኣብ ናይ ሶሪያ ሕንጸትን ሰላምን ኣበርክቶ ክገብሩ ዘቕረብዎ ጻውዒት ዘሥመረሉ ምዃኑ ኣባ ሎምባርዲ ገሊጾም፣ ነቶም ናይ ዓመጽ ኣደዳ ዝኾኑን ሕጹጽ ደገፍን ናይ ሰብኣዊ ምትሕብባርን ክቐርብ ኣተሓሳሲቦም ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣጠቓሊሎም።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ መብዛሕቲኦም ካብ የዕራብን ምዕራብ ሃገራት ዝተዋጽኡ 50 ናይ ዓለም ሓቆፍ ልኡኻት ዘሳተፋ ናይ ትማሊ ዋዕላ ምእንቲ ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ምቕራብ ዕላማ ኣብ ሶሪያ ብዘይ ቅድመ ኩነት ውግእ ደው ክብል ከምዝሓተተ ይንገር።







All the contents on this site are copyrighted ©.