2012-02-23 12:47:59

ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅዱስ ኣቦና (22/02/2012)
“ዓቢይ ጾም ኣብ ቅድሚ ፈተና ሕይወት ሓድሽ ትብዓት እንረኽበሉ እዋን ኢዩ”


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ረቡዕ ዕለት 22 ለካቲት 2012 ዓ.ም. ኣብ ዘቕረብዎ ናይ ለምዘበን ዓቢይ ጾም ቀዳማይ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብሥርዓት ላቲን ሓሙኽሽቲ ኣብ ርእሲ ብዝንስነሰሉ ሥርዓት ሊጡርጊያ “ምልክታ ጾመ ነነዌ” ዓቢይ ጾም ዝጅመረሉ ዕለት መሠረት ድሕሪ ቐትሪ ሮማ ኣብ ዝርከብ ባሲሊካ ቅድስት ሳቢና እቲ ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት ምዕራፍ 3 ፍቕዲ 19 “ሓመድ RealAudioMP3 (መሬት ኢኻ) ኢኻ እሞ ናብ ሓመድ (መሬት) ድማ ትምለስ” እንክብል እግዚኣብሔር ንኣዳም ብዝተዛረቦ ቓላት፣ ምጅማር ዓቢይ ጾም ዝገልጽ ምንስናስ ሓሙኽሽቲ ኣብ ርእሲ ዝፍጸመሉ ሥርዓት ሊጡርጊያ ቅድሚ ምፍጻሞምን ሥልጣናዊ ስብከት ቅድሚ ምቕራቦም ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ በሸሓት ዝቑጸሩ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ምእመና ኣብ ዝተረኽብሉ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ፣ ቅዱስነቶም ነታ ኣብ ምድረ በዳ ዓለም ተጓዓዚት ዝኾነት ቅዱስቲ ቤተ ክርስትያን ጠቒሶም ምእመናን ኣብ እዋን ዓቢይ ጾም ኣብ ቅድሚ ፈተና ሕይወት ሓድሽ ትብዓት ዳግም ክረኽቡ ተማሕጺኖም፣ ናይ ጥንቁቕን ብሱልን ውሳኔ ኣዋን ኢዩ ኢሎም።
ቅዱስ ኣቦና እዋን ዓቢይ ጾም ናይ ምልዋጥን ንስሓን ምጥዓስን ኣብ መወዳእታ ዘመን ምስ ክርስቶስ ዘራኽብ ምልዋጥ ዝፍጸመሉን ነቲ ነርብዓ መዓልትን ለይትን ኣብ ምድረ በዳ ብመሲሓዊ ፍቕርን ምሉእ ርእሰ ወፈያ ኣብቲ ናይ መሲሓዊ ሥልጣንን ዓወትን መግለጺ ብዝኾነ መስቀል መሠረት ብቓል እግዚኣብሔር ንፈተና ምስናፍ ነዘስተምሃረ ኢየሱስ ምምሳል እንመሃርረሉ ቅዱስ እዋን ከምዝኾነ ኣረዲኦም፣ ከምኡ እውን ቤተ ክርስትያን ኣብ ናይ ዓለምን ታሪኽን ምድረ በዳ ተጓዓዚት ከምዝኾነት ኣገንዚቦ፣ ምድረ በዳ ንኣማንያን እቲ መንፈስ ዘሕይልን እምነት ዘጽንዕን ተስፋ ዝሕብሕብን ዘተባብዕን ግብረ ሠናይ ኅያው ናይ ዝገብር እግዚኣብሔር ዓሙዪቕ ተመክሮ ዝበረሉ ናይ ጸጋ ሥፍራ ኢዩ። ብኻልእ መዳይ ኣሉትዊ መልክዕ ምድረ በዳ፣ ናይቲ ኸቢቡና ዘሎ ጭብጥታት መግለጺ እውን ምዃኑ ኣረዲኦም።
“ንፍጥረት ሰብ ካብቲ ደረት ሰገር ተወካስነቱ ባህርዪኡ ዝምንዝዕ ኣብ ናይ ምድራውነት ኅላዌ ኣድማስ ኣጻምእ፣ ናይ ሕይወትን ክቡራት ዋጋታት ቃል ድኽነትን ኢሃይማኖታውነትን ነገርነትን ዝብል ባህሊ ዝዳጉንን፣ እዚ ድማ ነቲ ኣብ ልዕሌና ዘሎ ሰማያዊ ቤት ዝጋርድ ንኣይነት፣ ስስዔን ቀጥዒ ኣልቦ ፍትወት ነብስን ዘይምቅዳውን ምትላልን ዘስፍሕ ባህሊ ዘመልክት ኢዩ”።
እዚ ኹሉ ብናይ ጊዜና ቤተ ክርስትያን ኣቲ ናይ ምድረ በዳ ግዜ፣ ኣብቲ ካብ ከውሒ ጽምዒ ዘጥፍእን ዘርውይን ማይ ሕይወት ከመንጭው ኣብ ዝኽእል እግዚኣብሔር ርግጸይናነት ዝግበረሉ ናብ ናይ ጸጋ ጊዜ ክልወጥ ዘይዓግት ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና እንከረጋግጹ፣ “ክቡራት ኣሕዋተይን ኣሓተይን ኣብዚ ናብቲ ናብ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ትንሳኤ ፋሲካ ዘሰጋግሩና ኣርብዓ መዓልታት፣ ነቲ ናይ መከራን ሥቓይን ጸበባን ፈተናን ኩነት፣ ጎይታና ካብ ጸላም ሓድሽ መዓልቲ ዘብርቕ ምዃኑ ርድኢት ጌርና ብትዕግሥትን እምነትን ንቀበሎን ንጻወሮን” ኢሎም።
ቅዱስነቶም ናይ ዕለተ ረብዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ፈጺሞም ነቶም ካብ ኣንግሊካዊት ቤተ ክስትያን ናብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዝተመልሱ ዝመርሕ ብወግዓዊ ናይ ዋልሲንግሃም ቅድስቲ ድንግል ማርያም ሓዋርያዊ መስተናብር ዝተመርሑ ሓደስቲ ምእመናንን ኣባላት ውሉደ ክህነትን ከምኡ እውን ንዝተፈላለዩ ናይ ደናግልን ካህናትን መንፈሳዊ ማኅበራት ኣባላትን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ብናይ ወንጌላዊ ኣግባብ ሥነ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ተመሪሖምን ነቲ ተመሳሲለ ክሓድር ዝብል ዘይቅውም ክርስትና ሕይወት ክቃወሙ ምዒዶም፣ ኣብ መወዳእታ ኣብቲ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንዝተሳትፉ ናይ ኢጣሊያ ናይ ጠበቓታት ማኅበር ኣባላት፣ ብናይ ፍቕሪ መምዘንንታትን ንናይ ሓባራዊ ረብሓ ብዝብል ናይ ኣገልግሎት መንፈስ ዝምራሕ ፍትሒ ክስዕቡ ሓደራ ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂኖም ተፋንዮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.