2012-02-23 12:49:35

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ናብ ብራዚል ንእትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን


ኣብ ብራዚል እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ከምቲ ልሙድ በቢ ዓመቱ ኣብ እዋን ዓቢይ ጾም ጎስጓስ ሕውነት ከምእተነቓቕሕ ክፍለጥ እንከሎ እዚ ናይ 2012 ዓ.ም. ጎስጓስ ሕውነት “መሰል ክንክን ጥዕና ናይ ኵሉ” ብዝብል ሓሳብ ዝተመርሔ ክኸውን እንከሎ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ምብኽንያት እዚ መደብ ኣብ ብራዚል ናይ እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ንብራዚል ብፁዓን ጳጳሳትን RealAudioMP3 ምእመናን መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ቅዱስ ኣቦና መሰል ክንክን ጥዕና፣ ናይ ሥጋ ክንክን ጥራሕ ዘይኮነስ ነቲ ናይ ወዲ ሰብ ደረት ሰገር ኣድማስ ክቡር ዋጋ ዝህብ ክንክን ነፍሲ እውን ከስምዕ ኣለዎ ኣብ ዝብል እማኔ ኣማእኪሎም፣ ኅሙማን ምሉእ ክንክን ጥዕና ክረኽቡ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ ብሕማም ዝተጠቕዔ ዜጋ ካብቲ ዘጓነፎ ሕማም ንላዕሊ ብዘጓንፎ ጽምዋ ኣዚዩ ዝሳቐ ከምዝኾነን፣ እዚ ድማ ንክርስትናን ንናይ ሰብኣዊ ኣገልግሎት መልእኽቲ ኢዩ። እቲ ናይ ብራዚል ብፁዓን ጳጳሳት “ሕውነትን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን’ ብዝብል ሓሳብ ክምራሕ ዝወሰንዎ መደብ ጠቒሶም፣ ምስ እዚ መደብ ኣተሓሒዞም ኣብ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓጎስን ተስፋን ሓዘንን ስቓይን ከምዝሓብሩን ኣረጋጊጾም፣ እቲ መደብ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ኣብ ብራዚል፣ ኣብ ሃገረ ብራዚል ብዛዕባ ዝፍጸም ክንክን ጥዕና ክስትንተንን ዓቢይ ናይ ሕውነትን ማኅበረሰብእውነት መንፈስ ዝዕሰሎ ክኸውን ብምንቕቓሕ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ናይ ኩሉን ንኹሉን ዝባጻሕ መሰልን ክብርን ሰብ ክኸውን ናብ ዝብል ኣመለኻኽታን ተግባርን ከብጽሕን፣ ክመኡ እውን ብቑዕ መሳለጢ ክንክን ጥዕና ክማላእ ዘተባብዕ ክኸውን ምዒዶም፣ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ መጻጒዕ ክፍውስ እንከሎ ቅድም ቀዳድም ጸጋ ምሕረት ሓጢኣት ኢዩ ዝዓደሎ፣ እዚ ድማ ናይ ነፍሲ ጥዕና እቲ ዝለዓለ ጥዕና ምዃኑ ኢዩ ዘነጽር።
እቲ ኣብ እዋን ዓቢይ ጾም ዝፍጸም መደብ ሕውነትን ክንክን ጥዕናን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምእመንን ኣብ ሰብ ጽቡቕ ድላይን ብዙሕ ጊዜ ብዘጋንፎም ሕማም ምኽንያት ንሕማሞም ተሓዲጎም ብጽምዋ ንዝሳቐዩ ሕሙማን ዓሚዩቕ ምትሕብባር ክገብሩ ዘነቓቕሕ ክኸውን ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፣ ኣብ መደምደምታ መልእኽቶም፣ ብኣማላድነት እኖ ድንግል ማርያም ዘኣፓረሲዳ፣ ክንክን ጥዕና ኣብ ብራዚል ኣብ ቅድስና ፈረይትን ዝተመዓራረየን ፍትሓውን ኤኮኖሚያዊ ምዕባለን፣ መውሃቢ ኣገልግሎት ሕዝባዊ ናይ ሕውነት ተመክሮን መንፈስ ማዕርነትን ብዝብል መንፈስ ካብ ዝብል ናይ ኣገልግሎት መንፈስ ዝርከብ ሓጎስ ዝገሃደሉ ክኸውን ጸልዮም ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.