2012-02-21 14:51:53

ብፁዕ ኣቡነ በርቲን፦ “ዛዕባ ሶማሊያ ኣብ ዝዝትይ ናይ ሎንደን ዋዕላ ተስፋ ምንባር”።


ኣብታ ካብ 20 ዓመት ንላዕሊ ኣብ ፖለቲካውን ማኅበራውን ውጥረትን ኣልቦ ማእከላዊ መንግሥትነትን ወዲቓ ንዘላ ሶማሊያ ካብቲ ዘየብቕዕ ዝመስልን ዝተሓላለኸን ውጥረት RealAudioMP3 ንምልቓቕ ብዘይካ ኣል ሽባብ ካልኦት ኵሎም ናይ ፖለቲካ ውድባትን ወግዓዊ ናይታ ሃገር መንግሥትን ናይ መንግሥቲ ሶማሊያ ደገፍቲ ኃይልታት መራሕቲ ዝተሰማምዕሉ ሶማሊያ ፈደራላዊት ሃገር ርእሰ ከተማኣ ሞቓዲሾ ዝብል ኅዳሴ ሕዝባዊ ባይቶን ናይ ደቀ ንስትዮ ሱታፌ ኣብ ሕዝባዊ ባይቶ 30% ክኸውን ዝብል፣ ዕለት 23 ለካቲት 2012 ዓ.ም. ኣብ ሎንደን ዛዕባ ሶማሊያ ንኽዝተይ ዝተጠልበ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ቅድሚ ምጅማሩ 4 መዓልቲ ቀዲሙ ዝተበጽሔ ናይ ስምምዕ ሰነድ፣ ዓቢ ተስፋ ዝንበረሉ ምዃኑ ናይ ሶማሊያ ሓዋርያዊ መስተናብርን ናይ ጂቡቲ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጆርጆ በርቲን ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገብርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም፣ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኣቢሉ ኣብ ኒው ዮርክ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዋና ቤት ጽሕፈት በጺሖም ምስ ዝተፈላለዩ ልኡካነ መንግሥታት ከምእተራኸቡን፣ ድሕሪኡ እውን ናብ ኢጣሊያ ርእሰ ከተማ ሮማ መጺኦም ብዛዕባ ጉዳይ ሶማሊያ ኣብ ዝመኸሩ ጉባኤታት ተሳቲፎምን ንዓለም ሓቆፍ ማኅበርሰብ ንናይ ሶማሊያ ዳግመ ምውላድ ሃገር ክውንነት ዝለዓለ ኵለ መዳያው ኣስተዋጽኦ ከበርክት ዝሓትት ናይ ሓባር መልእኽቲ ጻውዒት ከምዝተመሓላለፈ እውን ገሊጾም፣ እቲ ናይ ሶማሊያ ልዕሊ 20 ዓመት ዝገብር ዘሎ ማእከላዊ መንግሥቲ ዝሓኸኸን ማኅበራዊ ውጥረት ነባሪ ዘምሰለን ኵለ መዳያዊ ቅልውላው ብናይ ሰብኣዊ ረድኤት ምቕራብ ዝድረትን ዝፍታሕን ዘይኮነስ እቲ እንኰ መፍትሒኡ ቅዋመ ማእከላዊ መንግሥቲ ኢዩ ቢሎም፣ ተስፋ እገብር ንምርግጋጽ ሰላምን ምርግጋእን ኣሚቱ ዝካይድ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ብዘይ ስምምዕ ፋሕ ከይብል፣ ኣብ ዕላማ ሰላምን ምርግጋእን ዘይምስምማዕ ርትዓዊ ኣይኮነን እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ አጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.