2012-02-21 14:53:28

ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ምእንቲ ተመዛበልቲ ሱዳናውያን


ካብቲ ኣብ ከባቢ ብሉ ናይልን ከባቢ ደቡባዊ ኮርዶፋ ኣብ መንጎ ናይ መንግሥቲ ዕጡቓት ኃይልታትን ናይ ሱዳን ሕዝባዊ መንቅስቓስ ሓርነት ዝካየድ ዘሎ ውግእ ሕይወቱ RealAudioMP3 ንምድሓን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ናብ ኢትዮጵያን ዝመዛበል ዘሎ ሕዝቢ ሱዳን፣ ኣጓኒፍዎ ዘሎ ኵለ መዳያዊ ሽግር ንምብዳህ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጉዳይ ሓልዮ ላዕላዋይ ድርገት ኣብ ደቡን ሱዳን ንዝተመዛበሉን ካብ ሃገሮም ወጻኢ ኣብ ኢትዮጵያ ተዓቘይቦም ንዝርከቡ ተመዛበልቲ ብጠቕላላ 185 ሺሕ ሱዳናውያን ዝተማልኤ ደገፍ ንምቕራብ ተወሳኺ 145 ሚሊዮን ዶላር ከምዘድሊ ይሕብር።
ካብ ወርሒ ሰነ 2011 ዓ.ም. ኣትሒዞም ዝተመዛበሉ 130 ሺሕ ሱዳናውያንን ኣብ መባእታ 2012 ዓ.ም. ዝተመዛበሉ ካልእቶ 30 ሺሕ ዘመልከተ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ሓልዮ ላዕለዋይ ድርገት፣ ካብቲ ውግእ ዝካየደሉ ከባቢ ሱዳን ዕለት 6 ጥሪ 2012 ዓ.ም. ልዕሊ 20 ሺሕ ዝግመቱ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ንድሕነት ሕይወቶም የተኣማምኑ ናብ ዝበህሉ ከባቢታት ከምዘጓዓዘን ኣዘኻኺሩ፣ ነቲ ሕዝቢ ናብ ውሑስ ከባቢ ምጉዓዝ ጥራሕ ዘይኮነስ መሠረታዊ ኣድላይነት ምምላእ እውን ኣዚዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ምእንቲ’ዚ ኣቲ 145 ሚሊዮን ዶላር ኣብ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ንተመዛበልቲ ሱዳናውያን ናይ ሕቡራት መንግሥታት ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ላዕላዊ ድርገት ንናይ 2012 ዓ.ም. ኵለ መዳያዊ ናይ ረድኤት መደብ ንመሳለጢ ኣብ ዝመደቦ 269.1 ሚሊዮን ዶላር ተወሳኺ ምዃኑ የመልክት።







All the contents on this site are copyrighted ©.