2012-02-18 14:34:32

ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ፦ “መንሰያት መራዑ ኣብ ቀዳሞት ዓመታት ሓዳሮም”


ሕንጸት ነባሪ ሥድራ ቤት ንኅብረተሰብ ረብሓ መሠረታዊ ኣበርክቶ ምዃኑ ዘቃልሕ ትማሊ ኣብ ሮማ ናይ ሃገረ ቫቲካን ግዳመ ግዝኣታዊ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ RealAudioMP3 ጥበብ ክፍሊ ዝኾነ ጳጳሳዊ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ተቛም ዘዳለዎ መንእሰያት ሓደስቲ መራዑ ኣብ ቀዳሞት ዓመታት ሓዳሮም ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ዓውደ መጽናዕቲ ከምእተኻየደ እንክምልከት፣ መንእሰይ ካብቲ ናይ ሕጸ እዋን ሓሊፉ ኣብ መርዓ በጺሑ ዝነብሮ ሕይወት ሓድሽን ካብቲ ቅድም ክብል ዝነብሮ ዝነበረ ሕይወት ፍልይ ዝብል ብምዃኑ፣ ኣብ ሓዳር ብዘጋጥምዎ ዝፍትሑ ክነሶም ቀልጢፉ ክዕንቀፍን ከንሳሕብን ዝድርኽዎ ሽግራት ዘማእከለ ዓውደ መጽናዕቲ ክኸውን እንከሎ፣ ስለዚህ ኣብ ቀዳሞት ዓመታት ሕይወት ሓዳር ዘጓንፍ ቅልውላው ዘተኮረ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይት ቀዳሞት ዓመታት ሕይወት ሓዳሮም ነቲ ንመጻኢ ብሓባር ዝነብርዎ ሕይወት ሰብ ሓዳር መሠረት ከምዝኾነን ነቶም ናይ ቅዳሞት ዓመታት ቅልውላዋት ምፍታሕ እምበር ብኣኦም ተሰናቢድካ ገና ዝጀመርካዮ ሓዳር ምብታን ኣብ ሓደስቲ መራዑ ዝርአይ ዘሎ ውሳኔ ጌጋ ኢዩ ዝበለን፣ ነዚ ብሰፊሕ ዘረድእ ዓወደ መጽናዕቲ ከምዝኾነ ናይ ፈረሰይናታት ኮሎምቦስ ናይ ፈረሰይናታት ፈረሰይና ልዑል ካርል ኣልበርት ኣንደርሶን ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ኣመልኪቶም። ኣብ ቀዳሞት ዓመታት ናብራ ሓዳር እቶም ሰብኣይን ሰበይትን መንእሰያት ሚዛኑ ዝሓለወን ዝተረጋግኤ ሕይወት ከበግሱ ኣብ መንጎ ሕይወት ሥራሕን ሥድራ ቤትን ውድንነት መታን ክህሉ ብሓባር ክመኻኸሩ ይግብኦም፣ ናይዚ ጉዳይ መፍሒ ሻዕ ዝርከብ ዘይኮነስ መሠረት መፍትሒኡ ኣቲ ክልተ እሞ ሓደ ኣብ ዝብል ውኅደቶም ዝቖመ ሕይወት ዝግበር ዘተ ኢዩ ኢሎም።
ጸዋዕታ ሰብ ሓዳር፣ ብምሥጢረ ተክሊል ዝቐውም ኮይኑ ናይቶም ሓደ ዝኾኑ ክልተ ጸዋዕታ ተኽሊል ተማላእን ተደጋጊፉን ዝኸይድን ኣብ መሠረት ክርስትናዊ ፍቕሪ ዝጸንዔ ኢዩ። ስለዚህ ቅድም ቀዳድም ትርጉም ክርስትያናዊ ፍቕሪ መታን ክግንዘቡ ነዚ ፍቕሪ መሠረት ዝገበረ ሕንጸት ትምህርተ ክርስቶስ ክረኽቡ ኣገዳሲ ኢዩ። እዚ ነቲ ኣብ ቀዳሞት ዓመታት ሕይወት ሓዳር ንዘጓንፉ ሽግራት መፍትሒ ኢዩ እንክብሉ፣ ኣብቲ ዓወደ መጽናዕቲ ዝተሳትፋን ኣስተምህሮ ዘቕረባን ኣብ ሚላኖ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ክፍሊ ሥነ ሥድራ ቤት መጽናዕቲ ማእከል ኣመሓዳሪት ናይ ሥነ ሥድራ ሊቅ ኤውጀኒያ ስካቢኒ ገሊጸን፣ሕይወት ሥድራ ቤት ብንጽል ዝንበር ሕይወት ዘይኮነስ፣ ኣብ ኅብረተሰብ ዝንበር ናይ ኅብረተሰብ ማእከል ኢዩ። ስለዚህ ናይ ሥድራ ቤት ሽግር ምፍታሕ ናይ ኅብረተሰብ ሽግር የፍትሕ ማለት ኢዩ፣ ሥድራ ቤት ዘየኽብር ኅብረተሰብ ገዛእ ርእሱ የዕንውን የብርስን ከምዝበላ ኣንክምልከት፣ ተመራዕውቲ፣ እቲ ዘቕምዎ ሓድሽ ሕይወት ቀጻሊ እምበር ንፈትኖ ተባሂሉ ብዝብገስን ገና ኣብ ብጋሴኡ ምናልባታዊ ፍትሕ ዝጸንስ ክኸውን የብሉ። ስለዚህ ናይ መላእ ሕይወት ቃል ኪዳን ክኸውን ኣለዎ። ማኅበረሰብኣዊ ኃላፍነት ዘለዎ እዚ ማለት ድማ ናይ ሃገሮም ንቑሓት ዜጋታት ይኾኑ፣ ነዚ ዝገልጾ ድማ ብዙሑ ተፋረዩ ዝብል ተግባር ምዃኑ ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ኣስተምህሮ ዘቕረቡ ናይ ዓለም ሓቆፍ መጽናዕቲ ሥነ ሥድራ ቤት ማእከል ኣቦ ወንበር ናይ ሥነ ሥድራ ሊቅ ፍራንቸስኮ በለቲ ከምዘርድኡ ነቲ ዓውደ መጽናዕቲ ዝተኸታተሉ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሚከለ ራቪኣርት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.